ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ናይ ሆንግ ኮንግ ኤቑመናዊ ልኡካን ተራኺቦም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ናይ ሆንግ ኮንግ ኤቑመናዊ ልኡካን ተራኺቦም  (Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ናይ ሆንግ ኮንግ ኤቑመናዊ ልኡካን ተራኺቦም

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንናይ ሆንግ ኮንግ ጉባኤ ክርስትያን ልኡካን ዕለት 22 ግንቦት 2024 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ኣብ ዝርከብ መቐበል ኣጋይሽ ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡን ሓቢሮም እምንቲ ሓድነት ክርስቲያን ከም ዝጸለዩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 22 ግንቦት ንልኡካን ጉባኤ ክርስትያን ሆንግ ኮንግ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ቅድሚ ምልጋሶም ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡን ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ከም ክርስትያን መጠን ኣብ መንገዲ ሓድነት ክርስትና ብሓባር ንቕድሚት ክንስጉም ዝተጸዋዕና ከም ዝኾንና ከነስተውዕል ኣተሓሳሲቦም፥ እቶም ልኡካን ስለ እቲ ዝገበርዎ ምብጻሕ እውን ከም ዘመስገኑ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ናይ ሆንግ ኮንግ ጉባኤ ክርስቲያን ኣብ 1954 ዓ.ም. ዝተመስረተ ናይ ፕሮቴስታንት ክርስትያናዊ ኤቁመናዊ ውድብ ኣባል ናይ ዓለም ለኻዊ ባይቶ ኣብያተ ክርስቲያናትን ክርስትያናዊ ጉባኤ ኤስያን እዩ።

ቅዱስ ኣቦና ነቲ ምብጻሕ “ጭቡጥ ምጽንናዕ” እዩ እንክብሉ ገሊጾም፡ ክርስትያን ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ኣብ እምነት ሓደ ክዀኑ ምርኣዮም ድማ ዘሕደረሎም ሓጐስ ገሊጾም። ነፍስሄር ኦርቶዶክሳዊ ጳጳስ ዚዚዮላስ፥ ክርስትያናዊ ሓድነት “ኣብታ ናይ መወዳእታ ፍርዲ” ጥራይ ከም ዝፍጸም ገሊጾም “ክሳዕ ሽዑ ግን ሓቢርና ክንጽልን ሓቢርና ኣሎና” ከም ዝበሉ እውን ኣመላኺቶም፥ "እዚ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ፡ ኩላትና ብኢየሱስ ክርስቶስ ስለ እንኣምን ብሓባር ክንዓዪ፤ ብሓባር ምጽላይ ብፍላይ ምእንቲ ንሓድነት ክንጽሊ" ይግባእ ከም ዘብሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ናይ ቲዮሎጊያ ተመራመርቲ ኣብ ደሴት ኣቐምጦም!

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንነፍስሄር ናይ ቁስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦሮቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ፓትሪያርክ ኣቴናጎራስ ቀዳማዊ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ብር.ሊ.ጳ. ጳውሎስ ሳድሻይ ኣቀባብላ ተገይሩሎም ከም ዝነበረን ኣብቲ ርክብ ጳውሎስ ሻድሻይ፥ ነቶም ናይ ቲዮሎጊያ ሊቃውንትን ተመራመርትን ኣብ ሓንቲ ደሴት ነቐምጦም ኣብኡ ድማ ነንሓድሕዶም ክካትዑ ንሕደጎም፡ ንሕና ድማ ብሰላም ንቕድሚት ክንስጉም ኢና" እንክብሉ ዝገለጽዎ ሓሳብ ዘኪሮም፥ ምስጢረ ጥምቀት "ኩላትና ብሓባር ክርስትያን" ከም ዝገብረናን፡ ብዙሓት “ጸላእቲ ኣብ ደገ” እናሃለዉና ድማ ኣዕሩኽ ከም ዝገብረና ገሊጾም። ልክዕ ከምቲ "ጐይታ ዝነገረና ቤተ-ክርስትያን ወትሩ ክትሳደድ ኢያ" ከም ዝበሎ፡ ጸላእቲ ጋህዲ ክህልዉ ምዃኖም ምስ ገለጹ፡ ኣተሓሒዞም፥ "ሰማእትነት እምነት ወትሩ ኣብ ታሪኽ ኣብያተ-ክርስትያን ህልው እዩ" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሮም፥

ክልተ ጥምቀት

ኣብ መደምደምታ መደረኦም ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ ኣብ 1969 ዓ.ም ኣብ ኡጋንዳ ኣብ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ፥ ብዛዕባ እቶም ካቶሊካውያንን ኣንግሊካውያንን ሰማእታት ክዛረቡ እንከለዉ፥ ኩሎም ብሓደ እምነት ሰማእታት እዮም” እንክብሉ ከም ዝገለጽዎም ኣዘኻኺሮም፥ “ክልተ ጥምቀት ኣሎ፡ እቲ ሓደ ኩላትና ዝተቐበልናዮ - ጥምቀት - እቲ ካልኣይ ድማ፡ እቲ ‘ጥምቀት ደም’ እዩ እዚ ኸኣ ሰማእትነት እዩ። ከምኡ እውን ብዙሓት ንእምነት ህይወቶም ዝሃቡ ክርስትያን ሰማእታት ከም ዘለዉን ሰማእትነት እውን እንታይ ምዃኑ ኩላትና ንፈልጦ ኢና” ምስ በሉ፡ ብሓባር “ነታ ጎይታ ዝመሃረና ጸሎት” ንድገም እንክብሉ ከም ዝዓደመሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

23 May 2024, 16:11