ድለ

2024.05.23 ምስ ናይ ሰሜን መቄዶኒያ ርእሰ ብሔር ሲልያኖቭስካ - ዳቭኮቫ ዝተኻየደ ርክብ 2024.05.23 ምስ ናይ ሰሜን መቄዶኒያ ርእሰ ብሔር ሲልያኖቭስካ - ዳቭኮቫ ዝተኻየደ ርክብ  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ናይ ቡልጋርያን ናይ ሰሜን መቄዶኒያንን ኣርእስተ ብሔራት

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 23 ግንቦት ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተወት ናይ ረፓሊካዊት ሰሜን መቄዶኒያ ርእሰ ብሔር ጎርዳና ሲልያኖቭስካ - ዳቭኮቫን ኣስዒቦም እውን ናይ ረፓብሊካዊት ቡልጋርያ ርእሰ ብሔር ሩመን ራደቭ ኣብ ሓዋርያዊ መንበሮም ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተዉ ናይ ረፓብሊካዊት ቡልጋርያ ርእሰ ብሔር ሩመን ራዴቭን ንናይ ረፓብሊካዊት ሰሜን መቄዶንያ ርእሰ ብሔር ሲልያኖቭስካ - ዳቭኮቫን ኣብ ክልተ ዝተፈላለየ መደብ ኣብ ሓዋርያዊ መንበሮም ቫቲካን ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡን ምስ ነፍሲ ወከፎም ድማ ናይ 35 ደቓይቕ ዘተ ከምዘካየዱን እቶም ኣርእስተ ብሔራት ካብ ቅዱስነቶም ድሕሪ ምስንባት በቢ ውልቆም ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፔየትሮ ፓሮሊን ከም እተራኸቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ምስ ናይ ቡልጋሪያ ርእሰ ብሔር ራደቭ ዝተኻየደ ርክብ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሓዋርያዊ መንበሮም ን35 ደቓይቕ ምስ ርእሰ ብሔር ራደቭ ተራኺቦም ከም እተመያየጡን ድሕሪ እቲ ዝተኻየደ ዕጽው ዘተ ኣብ ዝተኻየደ ገጸ በረኸት ናይ ምልውዋጥ ስነ ስርዓት "ዘተ ኣብ መንጎ ወለዶታት" ዝብል ኣርእስቲ ጽሑፍ ዝተነብሮ ብነሓስ ዝተወቐረ ንኡስ ሓወልትን ናይ 2024 ዓ.ም. ዕለት ሓደ ጥሪ ዘመሓላለፍዎ መልኽቲ ሰላም ከምኡ እውን ኣብ እዋን ለበዳ ኮቪድ - 19 ኣብ እዋን ተወሸብ እግዚኣብሔር ካብቲ ለብዒ ንኸናግፈና ንበይኖም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ  ዕለት 27 መጋቢት 2020 ዓ.ም. ዝመርሕዎ ናይ ምህለላ ጸሎት ብስእሊ ዝትርኽ መጽሓፍ ከም ዝለገሱሎምን ርእሰ ብሔር ራደቭ እውን ብወገኑ ናይ ቅዱሳን ቀርሎስን መጠዲዮስን ቅዱስ ኣዶ ገጸ በረኸት ከም ዘቕረቡሎም ዜና ቫቲካን ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መገልጺ ጠቒሱ የመላኽት።

ምስ ናይ ቡልጋሪያ ርእሰ ብሔር ራደቭ ዝተኻየደ ርክብ
ምስ ናይ ቡልጋሪያ ርእሰ ብሔር ራደቭ ዝተኻየደ ርክብ

ምስ ናይ ሰሜን መቄዶኒያ ርእሰ ብሔር ሲልያኖቭስካ - ዳቭኮቫ ዝተኻየደ ርክብ

እቲ ኣብ መንጎ ርእሰ ብሔር ረፓብሊካዊት ሰሜን መቄዶኒያ ሲልያኖቫ ናይ ርክብ 35 ደቓይቕ ዘሰደ ምንባሩ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ዋና ሓልፊ ማተዮ ብሩኒ ኣፍሊጦም፥ ሰሜን መቄዶንያ መሬት ቅድስቲ ተረዛ ዘካልካታ ምዃና ዝዝክር ኮይኑ፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነታ ርእሰ ብሔር "ምእንጋድ" ዝብል ዝሑፍ ዝተነብሮ ብነሓስ ዝተቐርጸ ንኡስ ሓወልትን ናይ 2024 ዓ.ም. ዕለት ሓደ ጥሪ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ሰላም ከምኡ እውን ኣብ እዋን ለበዳ ኮቪድ 19 እዋን ተወሸበ እግዚኣብሔር ካብቲ ለምዒ ንኸናግፈና ንበይኖም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ  ዕለት 27 መጋቢት 2020 ዓ.ም. ዝመርሕዎ ናይ ምህለላ ጸሎት ብስእሊ ዘዘንትው መጽሓፍ ከም ዝለገሱለን እታ መራሒት መቄዶንያ  እውን ብወገና፡ ቅዱስ ኣዶ ምስሊ ቅድስተ ማርያም ዘፔላጎኒቲሳን ገጸ በረኸት ከም ዘቕረበትሎም ዜና ቫቲካን ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ዋና ሓላፊ ብሩኒ ዝሃብዎ መግለጺ ጠቒሱ የመላኽት።

23 May 2024, 16:15