ድለ

ር. ሊ. ጳ.፦ ንክርስትያናዊ ህይወት ኣድላዪት ዝዀነት ትሕትና ዓለምለኻዊ ሰላም ተምጽእ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ መደምደምታ ናይቲ ብዛዕባ መንፈሳውያን ሓይላት ብተኸታታሊ ኣብ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ክገብርዎ ዝጸንሑ ትምህርትታት ንምዝዛም፣ ፍጡራት ኣምላኽ ምዃንና ኣፍልጦ ብምሃብ ምስ ኣምላኽ ተሰማሚዕና ኽንነብር ክንጽዕርን ከሎና፣ ትሕትና ዘንጸባርቕ ኩነት ምዃኑ ገለጹ ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ትሕትና ንክርስትያናዊ ህይወት ኣገዳሲት ከም ዝዀነትን ከምኡውን ኣብ ዓለም ሰላምን ስኒትን ከም እተምጽእ ገለጹ ። ቀንዲ ኣርእስቲ ናይቲ ኣብ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዘካየድዎ ኣስተምህሮ ትሕትና ኮይኑ  ከም መደምደምታ ናይቲ ብዛዕባ መንፈሳውያን ሓይላት ዝገልጽ ተኸታታሊ ትምህርትታቶም ኢዩ ዝነበረ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "ፍጡራት ኣምላኽ ምዃንና ኣፍልጦ ስለ እንህበሉን ምስኡ ተሰማሚዕና ኽንነብር ስለ እንጽዕርን " ትሕትና ኣብ ክርስትያናዊ ህይወት ክሳዕ ክንደይ መሰረት ከም ዝዀነት ብምሳሌ ኣረድኡ።

ንኹሉ ብትሕትና ምሕዳስ

ትሕትና “ኣንጻር ናይቲ ዝለዓለ ሞራላዊ ሓጢኣት ትዕቢት” ኢያ ድሕሪ ቢሎም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ትዕቢትን ትምክሕትን ካባቲ ዝኾናዮ ንላዕሊ ከም ዝኾና ክንሓስብ ኢዩ ዝገብረ በሉ። "ትትሕትና ንዅሉ ናብ ቅኑዕ ስፍሓታ ትመልሶ - ዜደንቑ ፍጥረታት ኢና፣ ብባህርያትን ጕድለታትን ግን ድሩታት ኢና።" ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ ቅዱስ መጽሓፍ "ሓመድ ኢና ናብ ሓመድ ድማ ክንምለስ ኢና" ብምባል ብኸመይ ከም ዘዘኻኸረና መስከሩ፣ ካብቲ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ልቢ ወድሰብ ክለዓል ዝኽእል "ዅሉ ዝኽእል ኢየ ካብ ዝብል ብልሽውና" ድማ ክንጥንቀቕ ኣሎና በሉ።

ካብ ትዕቢት ሓራ ምውጻእ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ኣስተምህሮኦም ብዛዕባ እቲ ብኸዋኽብቲ ዝተሰለመ ሰማይ ክንሓስብ እንከሎና እቲ ምስጢራውን ግርማውን ፍጥረት ንገዛእ ርእስና ኻብ ትዕቢት ሓራ ኼውጽኣና ኸም ዚኽእል ገለጹ፣ ከመይሲ ከምቲ እቲ ጸሓፊ መዝሙር ዝብሎ ሰማያት ተግባር ኣእዳውካ ንወርሕን ንኸዋኽብትን ክርኢ ኸለኹ፣ ንስኻ እትሓስቦ ሰብ እንታይ እዩ? እቲ እትሓልየሉ ወዲ ሰብከ እንታይ እዩ?" (መዝሙ 8:3-4) ንዝብሎ ቃል ኣስተንተኑ።

ቅዱስ ኣቦና ኣስዒቦም ኣብቲ ዓንቀስ ብጹዓን ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ "ብመንፈስ ድኻታት መንግስተ ሰማያት ናታቶም ኢያ’ሞ ብጹኣን እዮም" (ማቴ 5 3) ብምባል ትሑታትን መሓርትን ሰብ ጽሩይ ልብን እና በለ ዘስተምሃሮ ሓቂ ኣዘኻኸሩ።

ኣብነት ኢየሱስን ማርያምን ምስዓብ

ህይወት ቅድስቲ ድንግል ማርያም በቲ ንፍቓድ ጐይታ ብሓጐስ እተቐበለትሉ ጥራይ ዘይኰነስ፣ ኣብቲ ንኤልሳቤጥ ጓል ሓትኖኣ ዝገበረቶ ግብረ-ሰናይ እውን ብትሕትና ከም ዘንጸባረቐ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣመልከቱ ። ኣብ ትሕቲ መስቀል ዝነበራ ጽንዓትን ትሕትናኣን ኣብ መንጎ ሓዋርያት ኣብ ላዕለዋይ ክፍሊ ብጸሎት ምሳኦም ብምንባራን መንፈስ ቅዱስ ክወርድ ክጽበዩ ኸለዉ ውን ተዓዚብና ኢና ።

[ ኣብነታን ሓያል ኣማላድነታን ክንዕበ ንዘጋጥመና ፈተናታት ንኽንዋጻእን ኣስኣሰር ኢየሱስ ብትሕትና ንኽንስዕብን ከምኡውን ብዛዕባ ሓጐስን ሰላምን መንግስቱ ንኽንምስክር ይሕግዘና ። ]

ኣብ መደምደምታ ቅዱስነቶም ትሕትና ኣብ ዓለምን ኣብ ቤተ-ክርስትያንን ሰላም ከም ዘምጽእን ኣብቲ ትሕትና ዝጎደሎ ኸኣ ውግእን ዘይምስምማዕን ምክፍፋልን ከም ዘሎ ኣጕልሑ። ኣምላኽ ምእንቲ ድሕነትናን ሓጐስናን ብጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስን ብድንግል ማርያምን ኣቢሉ ኣብነት ትሕትና ኸም ዝሃበና "ትሕትና ኸኣ ብልክዕ መገዲን ጐደናን ድሕነት እያ" በሉ።

23 May 2024, 10:16