ድለ

ር. ሊ. ጳ.፦ መንፈስ ቅዱስ ነቲ ቅርጺ ኣልቦ ዝነበረ ኣድማስ ቅርጺ የትሕዞ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ብዛዕባ "እቲ መንፈስን እታ መርዓትን፦ መንፈስ ቅዱስ ንህዝቢ ኣምላኽ ናብቲ ተስፋና ዝኾነ ኢየሱስ ይመርሓና " ዘርእስቱ ሓድሽ መደባዊ ተኸታታሊ ትምህርቲ ጀሚሮም ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ "እቲ መንፈስን እታ መርዓትን፦ መንፈስ ቅዱስ ንህዝቢ ኣምላኽ ናብቲ ተስፋና ዝኾነ ኢየሱስ ይመርሓና" ዘርእስቱ ተኸታታሊ ትምህርትታት ብምጅማር ሓድሽ ጕዕዞ ትምህርተ ክርስቶስ ጀሚሮም።

ቅዱስነቶም ኣብዚ ሰሙን እዚ ኣብ ዘበገስዎ ሓድሽ ተኸታታሊ ትምህርተ ክርስቶስ "ኣብዚ ኣስዒብና እንገብሮ ጕዕዞ በቲ ሰለስተ ዓበይቲ ደረጃታት ታሪኽ ድሕነት ማለት ብሉይ ኪዳን ሓድሽ ኪዳን ከምኡ ውን ዘመነ ቤተ-ክርስትያን ኣቢልና ወትሩ ኣብቲ ተስፋና ዝኾነ ኢየሱስ ኣተኲርና ክንቅጽል ኢና።" በሉ።

መንፈስ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ማያት ይዝንቢ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ካብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ናይ መጀመርታ ፍቕድታት ኣትሒዞም ብዛዕባ እቲ "ኣብ ልዕሊ ማያት ዝዝንቢ ዝነበረ መንፈስ ቅዱስ" ብምስትንታን ነቲ ናይ መጀመርታ ቅርጺ ኣልቦ ዝነበረ ፍጥረት ማለት "ቆዝሞስ" ናብ "ጽቡቕን ስርዓት ዘለዎ" ኣድማስ ቀይርዎ ኢዩ፣ ክብሉ ኣስተምሃሩ።

ጸኒሑ ድማ ቅዱስ መጽሓፍ ኣብቶም ድሒርና እንረኽቦም መጻሕፍቲ ንመንፈስ ቅዱስ ብዝያዳ ነቲ ፈጣሪ ዝኾነ ዕዮኡ ክእውጀልና ንረኽቦ፣ ብፍላይ ከኣ ኣብ ሓዲሽ ኪዳን "ናይ መንፈስ ቅዱስ ዕዮ ኣብ ምስንዳው ሓድሽ ፍጥረት" ከመይ ከም ዝነብረ ይነግረና ።

ካብ ኣምላኽ ምርሓቕ

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ እቲ ኣብ መንጎ መንፈስ ቅዱስን ፍጥረትን ዘሎ ርክብ ብሰንኪ እቲ "ንደቅሰብ ካብ ኣምላኽ ከም ዝርሓቁ ዝተበሮም ዝፈጸምዎ ሓጢኣትን ብልሽውናን" ተበላሽዩ ኢዩ።

ከምቲ ቅዱስ ሓዋርያ ጳውሎስ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ መልእኽቱ ከም ዝገለጾ "ሕጂ ውን እንተኾነ እዚ ሓቂ እዚ ከምኡ ኢሉ ኢዩ ዘሎ።"

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ኣስተምህሮኦም መፍትሒ ናይዚ ምፍልላይ እዚ ካብ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ብዓል ኣሲዚ ክርከብ ከም ዝኽእል እው ገለጹ ንሱ ድማ "መገዲ ኣስተንትኖን ውዳሰን" ስለዘርኣየና በሉ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም ንቅዱስ ጳውሎስ ብምጥቃስ "እቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ጸዋዕታና 'ንኽብሪ ኣምላኽ ምውዳስ' እዩ". . . ካብቲ ገለ ብምውናን ካብ ዚርከብ ሓጐስ ንላዕሊ፣ ኣስተንትኖ ዜምጽኣልና ሓጐስ ኣብሊጽካ ምርኣይ ኢዩ" ድማ በሉ።

'ንመንፈሰይ ኣብ ውሽጦም ክመልሰሎም እየ'

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ከም ዘስተምሃርዎ "እቲ ቅርጺ ኣልቦ ዝንበረ ኣድማስ ናብ ሥርዓትን ቅርጽን ዘለዎ ቆዝሞስ ዝቐየረ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ነዚ ለውጢ እዚ ንምምጻእ ይዓዪ ኸም ዘሎ" ውን ኣጕልሑ።

እቲ ኣብ ዓለም እንርእዮ ዘሎና ማሕበራዊ ይኹን ፖለቲካዊ ሕንፍሽፍሽ ነቲ ኣብ ልብና ዘሎ ውሽጣዊ ሕንፍሽፍሽ ከነሕውዮ እንተ ጀሚርና ጥራይ ክፍወስ ከም ዝኽእል ውን ኣመልከቱ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መደምታታ "እዚ ኣስተንትኖ እዚ ነቲ ፈጣሪ ዝኾነ መንፈስ ኣብ ውሽጥና ንኸነሕድር ባህጊ ይፈጥረልና ኢዩ" ክብሉ ድማ ኣስተምህሮኦም ዛዘሙ።

29 May 2024, 15:55