ድለ

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፥ ‘እምነት ቀዳማይ ህያብ ክርስትያናዊ ሕይወት"

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዛዕባ መንፈሳውያን ሓይላትን ክፉእ ኣመላትን ኣማእኪሎም ዘበገስዎ ተኸታታሊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ኣስዒቦም ዕለት 1 ግንቦት 2024 ዓ.ም. ኣብ እምነት ትኹረት ብምግባር እምነት ድማ ቀዳማይ ክፍሊ መንፈሳዊ ሓይላት ምዃኑ የስተብህሉ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብዘይ እቶም ሰለስተ መፍነሳዊ ሓይላት፥ “ኣብ ጸልማት እውን ዝረእያ ኣዒንቲ እውን ኣመይሃለወናን፣ ኣብ ዘይፍቀረሉ እዋን እውን ዘፍቅር ልቢ ኣመይሃለወናን፣ ኣንጻር ኩሉ ተስፋ ዝኸይድ ተስፋ ኣመይሃለወናን” ዝበሉ ቅዱስነቶም፥ ድሕሪ ኣብቲ ኣርባዕተ ኣዕኑድ ሓይላት ኣማእኪሎም ዝለገስዎ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ናብ ቲዮሎጊያዊ ሓይላት ወይ መንፈሳዊ ሓይላት ናብ ዝብል ኣርስቲ ብምምላስ ኣብታ ኣብ መፍንፈሳዊ ሓይላት ቀዳመይቲ ዝኾነት ‘እምነት’ መሰረት ገይሮም፥

ኣብነታት እምነት

ኣብነት ናይቲ ብትእዛዝ እግዚኣብሔር ቤቱ ሓዲጉ ናብታ ሓዳስ መሬት ዝኸደ ኣብርሃምን ብሰንኪ ኣብ እግዚኣብሔር ዝነበሮ እምነት ንይስሃቅ ወዱ ክስውእ ፍቓደይና ዝነበረን ጠቒሶም፡ ሙሴ እውን ናይ እምነት ሰብ እዩ ነይሩ፣ “ብእግዚኣብሔር ጸኒዑን ኣብኡ ብምውካልን፣ ነቶም ብዙሕ ግዜ እምነት ዝጐደሎም ህዝቢ እውን ከይተረፈ ይከላኸለሎም ነይሩ፥ ምስ በሉ፥ ናብ ቅድስት ድንግል ማርያም ምልስ ቢሎም፣ ንሳ ድማ “እንሆ ኣነ ኣገልጋሊት እግዚኣብሔር” ብምባል ነቲ እግዚኣብሔር ብገብርኤል መልኣኽ ኣቢሉ ንዘቕረብላ ጸዋዕታ ትውፈ። . . . “ልባ ብእምነት ኣብ እግዚኣብሔር ዝተመልአ” ቢሎም፥ ማርያም እቲ መገድን ዘለዎ ሓደጋታትን እውን ከይፈለጠት ንጉዕዞ ተበገሰት - ብእምነትን ኣብ እምነትን ምስ እምነትን።

. . . "ክርስትያን ምዃን ብቐዳምነት ባህሊ ምቕባል ዘይኰነስ " ምስ ኣምላኽ ብዛዕባ ዘሎካ ርክብ ስለ ዝዀነ "ክርስትያን ከም እትኸውን" ዝገብር እምነት እዩ።

ቀዳማይ ህያብ ክርስትያናዊ ሕይወት

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቲ ኢየሱስ ኣብ ባሕሪ ገሊላ ንዝነበረ ህቦብላ ከምዘህድኦ ዝገልጽ ጸብጻብ ወንጌል ብምዝካር፡ ፍርሒ ደቀ መዛሙርቲ ኣጉሊሖም፡ ጸላኢ እምነት ፍርሒ እምበር ርትዓውነት ወይ ብልሒ ከም ዘይኮነ ድማ ኣስተብሂሎም፥ በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እዩ እምነት "ኣብ ክርስትያናዊ ህይወት እንቕበሎ ናይ መጀመርታ ውህበት" ዝዀነ፣ እዚ ውህበት እዚ ወለዲ ኣብ ጥምቀት ንውሉዳቶም ኪወሃብ ዚልምንዎ እዩ" . . . "ውሉዶም ኣብ ፈተና ህይወት እኳ ብፍርሂ ኸም ዘይጥሕል" ስለ ዚፈልጡ ንደቆም ዚብህግዎ ውህበት እምነት ከም እተቐበሉ ይፈልጡ” . . .

‘ጐይታ እምነትና ኣዕብዮ’

ኣብ መወዳእታ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኵሉ ሰብ እምነት ከም ዘይብሉ፡ ክርስትያን ኢና ዝብሉ እውን ከይተረፉ እምነቶም ድኽምቲ ከም ዝዀነት ኣፍልጦ ሂቦም፡ ይኹን እምበር እምነት "እቲ ልዕሊ ዅሉ ዜሐጕስ ውህበት ቀዳማይ መንፈሳዊ ሓይላት ጥራይ ኢና ከነመሓላልፎ እንኽእል" ከመይሲ "ጸጋ ናባና የፍስስን ንኣእምሮና ምስጢር ኣምላኽ ስለ ዘርህወልናን እዩ።"

“ስለዚ ንሕና’ውን ከም ደቀ መዛሙርቲ ‘ጐይታ እምነትና ኣዕብዮ’ ኢልና ንጸሊ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

02 May 2024, 09:06