ድለ

ቬሮና ዕለት 18 ግንቦት ንር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከተአንግድ ትጽበይ ቬሮና ዕለት 18 ግንቦት ንር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከተአንግድ ትጽበይ 

ቬሮና ዕለት 18 ግንቦት ንር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከተአንግድ ትጽበይ

ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቤት ጽሕፈት፥ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 18 ግንቦት ኣብ ከተማ ቨሮና ንኸካይድዎ ናይ ዝተወሰነ ሓዎጾተ ኖልዎ ዝርዝር መደባቱ ዕለት 29 ሚያዝያ ወግዓዊ ከም ዝገበረን፡ ቅዱሰንቶም ኣብቲ ዘካይድዎ ሓውጾተ ኖልዎ ምስ ናይቲ ከባቢ ማሕበርሰብ ክርስቲያንን ህጻናትን መንሰያትን ከምኡ እውን ኣብ ቤት ማሕቡስ ምስ እሱራት ክራኸቡ ምዃኖም የመላኽት።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቀዳም ዕለት 18 ግንቦት ኣብ ዋዜማ በዓለ ጴንጠቆስጠ፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሰሜናዊ ኢጣልያ እትርከብ ከተማ ቨሮና ናይ ሓደ መዓልቲ ሓውጾተ ኖልዎ ከካይዱ ከም ዝኾኑን ናይቲ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ ዑደቱ መርሕ ቃል "ፍትሕን ሰላምን ተሓቛቖፋ" ዝብል ካብ መዝሙረ ዳዊት ምዕ. 85 ዝተወስደ ምዃኑ መግለጺ ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር ኣፍሊጡ።

ካህናትን ኣባላት ሰብ ውፉይ ህይወትን መንእሰያትን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 18 ግንቦት ሰዓት 06.30 ሃገረ ቫቲካን ካብ ዝርከብ መዓፍርፎ ሄሊኮፖተር ናብ ከተማ ቨሮና ክነቕሉ ከም ዝኾነን ኣብ ከተማ ቨሮና ብናይታ ከተማ ጳጳስ ዶመኒኮ ፖምፒሊ ናይ ቨነቶ ርእሰ ዞባ ሉካ ዛያን ኣብታ ከተማ ናይ ማእከላይ መንግስቲ ወኪል ደመትሪዮ ማርቲኖ ናይ ከተማ ቨሮና ከንቲባ ዳሚያኖ ቶማሲን ኣቀባብላ ክገብሩሎም ከም ዝኾነን ድሕሪ እቲ ዝግበረሎን ወግዓዊ ኣቀባብላ ቅዱስነቶም ናብ ባዚሊካ ቅዱስ ዜኖ ዘ ቨሮና ብምኻድ ምስ ካህናትን ኣባላት ሰብ ውፉይ ህይወትን ተመሃሮ ዘርኣ ክህነትን ክራኸቡን ኣብኡ እውን ቃለ ምዕዳን ክልግሱን ድሕሪ እዚ መደብ እዚ ኣብቲ ናይቲ ባዚሊካ ቅርዓት ምስ ሕጻናትን መንሰያትን ክራኸቡን ቃለ ምዕዳን እውን ክልግሱ ምዃኖም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ምግለጺ ይሕብር።

‘ቅርዓት ሰላምን’ ከምኡ’ውን ዑደት ኣብ ቤት ማሕቡስን

ሰዓት 10.15 ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ “ቅርዓት ቨሮና’ ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ስፍራ ክበጽሑን ኣብኡ ድማ "ቅርዓት ሰላም - ፍትሕን ሰላምን ተሓቛቖፋ" ብዝብል ካብ መዝሙረ ዳዊት ምዕ. 85 ብዝተወስደ መርሕ ቃል ዝካየድ ዓውደ ርክብ ከመርሑን ኣብቲ መደብ ካብ ተጋባእያን ንዝቐርበሎም ሕቶታት ድማ መልሲ ክህቡ ምዃኖም ዝሓበረ ናይ ቀድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥ እቲ ዓውደ ርክብ ኣብቲ ቅርዓት ቨሮና ተባሂሉ ዝጽዋዕ ብጉጅለታት ኣቢያተ ክርስቲያንን በርገሳውያን ማሕበራትን ካብ 1986 ዓ.ም. እትሒዙ በቢ ዓመቱ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ብዝተፈለየ መርሕ ቃል ተሰንዩ ዝውደብ ከም ዝኾነ ኣዘኻኺሩ፡ እቲ ቅዱስነቶም ኣብ ቨሮና ዘካይድዎ ሓውጾተ ኖልዎ መርሕ ቃል እውን፥ “ፍትሕን (ጽድቅን) ሰላምን ተሓቛቖፋ” ዝብል ምዃኑ የመላኽት።

ድሕሪ እቲ ዓውደ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብማኪና ናብ ቤት ማሕቡስ ሞንቶርዮ ክጓዓዙን ኣብኡ ድማ ምስቶም ናይቲ ቤት ማሕቡስ ክፍሊ ምሕደራን ኣባላት ጸጥታን ኣብኡ ምስ ዘገልግሉ ወለንተይናታትን እሱራትን ሰላምታ ምስ ተለዋወጡ መደረ ከስምዕ እዮም።

ምስቶም እሱራት ናይ ምሳሕ መኣዲ ተቛዲሶም ምስ ኣብቅዑ ልክዕ ሰዓት 14.30 ካብቲ ቤት ማሕቡስ ተፋንዮም ኣብቲ ናይ ከተማ ቨሮና ቤንተጎዲ እተሰምየ ዓቢይ ናይ ስፖርት ሜዳ ብመኪና ተጓዒዞም ኣብኡ ልክዕ ሰዓት 15.00 ብዘዕርገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ እቲ ኣብ ከተማ ቨሮማ ዘካይድዎ ሓውጾተ ኖልዎ ዛዚሞም ልክዕ ሰዓት 16.45 ብሄሊኮፕተር ናብ ሃገረ ቫቲካን ክብገሱ ምዃኖም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

30 April 2024, 17:13