ድለ

2024.04.20 ር.ሊ.ጳ. ንመጻኢ ካህናት: ጓሶት ብፍቕሪ ልቢ ክርስቶስ ኩኑ! 2024.04.20 ር.ሊ.ጳ. ንመጻኢ ካህናት: ጓሶት ብፍቕሪ ልቢ ክርስቶስ ኩኑ!  (Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ. ንመጻኢ ካህናት: ጓሶት ብፍቕሪ ልቢ ክርስቶስ ኩኑ!

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዋዜማ ዕለት 21 ሚያዝያ ዝበዓል ዓመታዊ ክብረ በዓል ሕያዋይ ጓሳ - ዓለም ለኸ መዓልቲ ጸሎት ምእንቲ ጸዋዕታ ዕለት 20 ሚያዝያ ኣብ ስጳይና ናይ ሰበኻ ሲቪሊያ ተመሃሮ ዘርኣ ክህነትን ሓነጽቲ ካህናትን ተቐቢሎም “ብፍቕራዊ ልቢ ክርስቶስ፡ ብኽፉት ኣእዳውን ብፍሽኽታን ንህዝብኹም ጓሶት ኩኑ” ዝብል ሓሳብ ዘስመሩሉ ቃለ ምዕዳን ከም ዝለገሱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጥ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

"ልብኹም ኣብ ኣምላኽ ገርኩም፡ ብኽፉት ኣእዳውኩም፡ ብዓቢ ፍሽኽታ ድማ ንኹሎም እትራኸብዎም ሓጎስ ወንጌል ኣካፍሉ” እንክብሉ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንተመሃሮ ዘርኣ ክህነት ሰበኻ ሲቪሊያ ዕለት 20 ሚያዝያ ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ኣተሓሳሲቦም፥ ጓሶት ክኾኑ፣ ብለውሃት ንህዝቦም ዝሓልዩ፣ ብልብን ብፍቕርን ክርስቶስ ዝግደሱ፥ ክኾኑ ከም እተላበዉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ቅዱስነቶም ዕለት 20 ሚያዝያ ዋዜማ እቲ ዕለት 21 ሚያዝያ ዝበዓል ዓመታዊ ክብረ በዓል ሕያዋይ ጓሳ -  ዓለም ለኸ መዓልቲ ጸሎት ምእንቲ ጸዋዕታ ምዃኑ ብምዝኽኻር ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከም ዘበገሱ የመላኽት።

ብጐይታ ምስ ተጸዋዕካ ነቲ ጸዋዕታ ገዛእ ርእስኻ ምሃብ

"ንስኻትኩም ተመሃሮ ዘርኣ ክህነት ካብ ጎይታ ጸዋዕታ ዝተቐበልኩም" ብሓገዝ ሓነጽቲ ዘርኣ ክህነት ነቲ ልባዊ ኣብነት ጐይታ ብምስዓብ ጓሶት ክዀኑን መጻኢ ካህናት፡ ምሉእ ሓይሎም፡ ኣብ መንፈሳዊ ሕይወት፡ መጽናዕቲ፡ ማሕበራዊ ሕይወትን ሓዋርያዊ ኣገልግሎትን ከውዕሉ ኣተባቢዖም፥ ብሓቂ ካህን ንምዃን፡ "ንኣምላኽን ንኣሕዋትናን ምሉእ ብምሉእ ምውፋይ" ዝሓትት እዩ፡ ብፍላይ ነቶም ኣዝዮም ዝሳቐዩ ሰባት፡ እዚ ውህደት እዚ "ኣድላዪን ህጹጽ"ን እዩ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጥ።

ቅዱስ ጓሳ

ቅዱስ ኣቦና ብፍሉይ መንገዲ ኣብ ስፓይና ኣንዳሉሱያ ‘ቅዱስ ጓሳ’  ቤተ ክስቲያን ብጽእና ዝኣወጀትሉ ካርዲናል ማርሴሎ ስፒኖላ ዪ ማስትረ ዝተባህለ መምህር፥ ነቶም ካህናት ክኾኑ ዝመሃሩ ሰብ ጸዋዕታ ኣብ ጽቡቕ ባህርን ፍልጠትን ክህነጹ ከም ዘለዎም ይምዕድ ከም ዝነበረ ዘኪሮም ኣተሓሒዞም ድማ፣ ‘ፍልጠት ብዘይ ጽቡቕ ባህሪ፣ ንትዕቢት ይዳረግ፣ ጽቡቕ ግብሪ ድማ ብዘይ ፍልጠት ትነድቕ እምበር ኣይትሃንጽን፣ ስለዚ ክልቲኡ ተማሊኡ ክኸይድ ከም ዘለዎ ብኣጽንዖት ኣተሓሳሲቦም፥ ኣብ ካህን ጸሎትን መጽናዕቲን ሕውነትን ተልእኾን ውህደት ክህልዎ ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ እዚ ማለት ድማ ቅዱስ ዝኾነ ሚዛን ክሕልዉ ከም ዘለዎም ዘመላኽት ኮይኑ፡ ተመሃሮ ዘርኣ ክህነት እቲ ኣብ ቤት ትምህርትን ቤት ዘርኣ ክህነት ዘሕልፍዎ ግዜ ብዝበለጸ ተጠቒሞም እምነቶም ብሓጎስ ከማዕብሉን ከካፍሉን ዝድርኾም ክኸውን ተላብዮም ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

20 April 2024, 17:23