ድለ

2024.04.22 Partecipanti al Capitolo Generale dei Fratelli dell'Istruzione Cristiana 2024.04.22 Partecipanti al Capitolo Generale dei Fratelli dell'Istruzione Cristiana  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ር. ሊ. ጳ. ናብ ኣሕዋት ላ ሜናይስ ፦ ነቶም እተገልግልዎም ኣቦታት ኩንዎም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ጠቕላሊ ጉባኤ ናይ ማሕበር ኣሕዋት ክርስትያናዊ ተቕዋም ዘፕሎርመል ተባሂሎም ዝጽውዑ ሰብ ውፉይ ሕይወት "ፍቕራውን ርሕሩሕን ገጽ ኣምላኽ ዘንጸባርቑ ኣቦታት " ክዀኑ ተማሕጸንዎም ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቲ ብትምህርቲ ኣቢሎም ንቘልዑን ንመንእሰያትን ብዘለዎም ወንጌላዊ ተልእኾ ብምጕላሕ ምእንቲ ክዓዩ ንኣሕዋት ማሕበር ላ ሜናይስ "ነቶም ዘገልግልዎም ሰባት ኣቦታት ብምዃን ነቲ ፈቃርን ርሕሩሕን ገጽ ኣምላኽ ዘንጸባርቑ " ኣተባብዕዎም።

ናብ ምስትውዓል መስረትቲ ምምላስ

እቲ ብ2019 ዝዘከርዎ መበል 200 ዓመት ዝኽሪ ምስረታ ማሕበሮም "ናብ መሰረታዊ ዕላማታት" መስረትቶም ዝምለሱሉ ኣጋጣሚ ምንባሩ ብምጥቃስ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ትማሊ ሰኑይ ዕለት 22 ሚያዝያ  ምስቶም ኣብቲ ጥቕላሊ ጉባኤ ዝተሳተፉ ተጋባእቲ ረኺቦም ኣዘራረብዎም ።

ቅዱስ ኣቦና ብዛዕባኦም እንክገልጹ "ሎሚ ዕዮኦም ኣብ እተፈላለያ ሃገራት ዓለም ኢዩ ዘሎ ከመይሲ ነቶም ምሉእ ብምሉእ ንጐይታ ገዛእ ርእሶም ዝወፈዩን ከምኡ ውን ኣብ ምሉእ ሰብኣዊ ዕቤት ነፍሲ ወከፍ ሰብ ዝወፍሩን፣ ኵሉ ነገር ከም ዝከኣል ኢዮም ዝኣምኑ" ብምባል ኣመልከቱሎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሞያ ኣሕዋት ላ ሜናይስ "ናብቲ ኻልኦት ዘይከዱሉ ቦታ ምኻድ " ምዃኑ ገለጹ ፣ ነቶም ብውግእን ተነጽሎም ዚሳቐዩ ዘለዉ ሰባት ከኣ " ምንጪ ተስፋ ኪዀኑ " ተማሕጸንዎም ።

እዞም ውግእን ተነጽሎን ዘጋጠሞም ሰባት እዚኣቶም እውን ሕልምታት እኳ እንተ ኣለዎም መብዛሕትኡ ግዜ ግን ዝፈርስ ሕልምታት ከም ዘለዎም ኣጕልሑ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ "ሕልምታቶም ንኼሐድሱን ብእኡ ንኺኣምኑን ንኺፍጽምዎን ከም ትሕግዝዎም ይኹን" ድማ በልዎም።

ቅዱስ ኣቦና ብፍላይ ድማ እቶም ኣብ መንጎ ውግእ እውን ከይተረፈ ጸወታኦም ዝቕጽሉ ዘለዉ ቘልዑ ይዝክሩ፣ እንተዀነ ግን ፍሽኽ ናይ ምባል ክእለቶም ከም ዘጥፍኡ ስለዘስተውዓሉ ጓሂኦም ገለጹ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መደረኦም "ሓደ ኻብቲ ዜጨንቐኒ ነገር ቈልዑ ዩክረይን ናብ ሮማ ኣብ ዝመጹሉ ኩነታት ዝተዓዘብክዎ ኢዩ ። እዞም ቈልዑ እዚኣቶም ፍሽኽ ኣይብሉን ኢዮም፣ ነቲ ናይ ፍሽኽታ ባህሪኦም ኣጥፊኦምዎ ኢዮም።" በዚ ኸምዚ ድማ ነዞም ኣሕዋት ሰብ ውፉይ ሕይወት ንናይዞም ሕጻናት ፍሽኽታ ምእንቲ ዳግም ክመልሱ ቢሎም ክጽዕሩ ጻውዒት ኣቕረበሎም።

ቤተ-ክርስትያን ብሓባር እትዓዪ ስድራ ቤት እያ

ቅዱስ ኣቦና ብዛዕባ እቲ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ዘለዎም ቦታ ኺገልጹ እንከለዉ፣ ቤተ-ክርስትያን ነፍሲ ወከፍ ሰብ ንድሕነት ካልኦት በብዝተፈላለየ ኽእለቶምን ጸዋዕታኦምን ዝተሓባበሩላ ስድራቤት  ምዃና ገለጹ።

ቅዱስ ኣቦና ኣስዒቦም ናይ ኣሕዋት ሰብ ውፉይ ህይወት ኣብ ተልእኾ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘለዎም ተራ ኣብ "ሕወነታዊ ምትእምማን ትውክልትን" ከም ዚምርኰስ ገለጹ፣ ኣብቲ ተልእኾኦም ዚፍጽሙሉ ሰበኻታት ድማ ኪተሓባበሩ ኣተባብዕዎም።

እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ ድማ ካብ ትዕቢት ንምውጻእ ምፍላላይን ዘይምፍጣር ከምኡ ውን ካብ ሕሜት ኪርሕቁ ኣጠንቀቕዎም።

ኣብ መደምደምታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መወዳእታ ናይዚ ጠቕላላኢ ጉባኤ ማሕበሮም  ነቲ ናብ ንጹሕ ልቢ ማርያም ዝገበርዎ ወፈያ ከሐድሱ ዓደምዎም፣ "ንኸገልግሉ ዘለዎም ቅንኣት ንኸማዕብሉ ትሕትና ክውስኹሉ ኣብ ኣምላኽ ንኽውከሉ ከምኡውን ኣገልገልቲ ለውሓትን ምሕረት ኣምላኽ ብምዃን ንዝርከብ ሓጐስ ንኸማዕብሉ" ድማ ጸልዮም።

23 April 2024, 11:49