ድለ

2024.04.13 Membri del Consiglio Nazionale dell'Associazione Italiana Adulti Scout Cattolici (MASCI) 2024.04.13 Membri del Consiglio Nazionale dell'Associazione Italiana Adulti Scout Cattolici (MASCI)  (Vatican Media)

ር. ሊ. ጳ. ንኢጣልያውያን ኣባላት ማሕበር ስካውት 'ንኽብሪ ዅሉ ሰብኣዊ ህይወት ክንጣበቕ ኣሎና'

ናይ ኢጣልያ ካቶሊካዊ ምንቅስቓስ ዓበይቲ ስካውት መበል 70 ዓመት ምስረታኡ ኣብ ዝዝክረሉ ዘሎ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ መሰረታዊ ክብርታት ማሕበሮም ዝኾነ ትምህርትን፡ ኣገልግሎትን፡ ክንክን ሰብኣዊ ህይወትን ከምኡ ውን ክንክን ሓባራዊ ቤትናን ዝኽነት ምድርን ጸኒዖም ኪመላለሱ ኣተባብዕም ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዝሓለፈ ቀዳም ዕለት 13 ሚያዝያ ንኣባላት ናይ ኢጣልያ ካቶሊካዊ ምንቅስቓስ ዓበይቲ ስካውት (MASCI) ንመበል 70 ዓመት መሰረታ ማሕበሮም ኣመልኪቶም ንክብሪ ዅሉ ሰብኣዊ ህይወት ብምግልጋልን ሓባራዊ ቤትና ብምሕላውን ሓላዪ ማሕበረሰብ ኰይኑ ክቕጽል ጻውዒት ኣቕረበሉ።

ቅዱስነትም ምስ 150 ዝዀኑ ኣባላት ቦርድ ናይቲ ብ1954 እተመስረት ምንቅስቓስ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝተራኸቡሉ "ኣብ መገድኹም ጽንዑ" ክብሉ መዓድዎም።

"ብዙሕ ሕይወት ምእንቲ ህይወት"

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ጽርሓ ጉባኤ ቀለሜንቶስ ምስ እዞም ኣባላት ተራኺቦም ኣብ ዝለገስዉሎም ቃለ ማዕዳን ነቲ ዝኽሪ ዓመት ንምብዓል እተመርጸ ፍረ ነገር “ብዙሕ ሕይወት ምእንቲ ሕይወት” ንዝበልዎ ነኣድዎ፣ እዚ ድማ ነቲ ምንቅስቓስ ስካውት ኢጣልያ ኣብዚ ዓመት እዚ ኽፍጽሞ ዝመደቦ ሰለስተ ኣገዳሲ ውጥናት ዘነቓቕሖን መንፈስ ቅዱስ ዘሰወጠሎምን ምዃኑ ገለጹ ። እዚ ድማ ንኣገልግሎት ቀዳማይ ረድኤትን ንኣብ ኢጣልያዊ ደሴት ላምፓዱሳ ዝርከብ ማእከል ስደተይናታት ኣብ ግዜ ሃሩን ቁርን ዘገልግል ኮቦርታታት ምልጋስን፣ ኣብ ዛምብያ መራኽብ ባሕሪ ምህናጽ፣ ኣብ ሰሜናዊ ኢጣልያ ሓድሽ ዱር ምዝራእ ዘጠቐላለለ ውጥናት ኢዩ።

ቅዱስ ኣቦና እዚ ሰለስተ ውጥናት ኣብ ሰለስተ ኣገዳሲ ክርስትያናዊ ስርዓታት ዝተመርኰሰ ምዃኑ ውን ገለጹ።

ፍቕሪ ህይወት ዓለም ሓቆፍ ኢዩ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ እቲ ዝልግስዎ ኮቦርታታት ኣብዚ ቁጽሪ ሕዝቢ እናነከየ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፣ ብፍላይ ከኣ ኣብ ኢጣልያ ብገምጋም ትዛማዲ ዕድመ ህዝቢ ናብ 46 ኣብ ዝደየበሉ፣ ንህይወት ክፉታት ምዃን ዘመልክት ኢዩ በሉ ።  ቅዱስነቶም ኣስዒቦም ኣብ ክንዳኡስ ሓንቲ ኮቦርታ ንሓደ ቘልዓ ኣብ ዓለም ኪውለድ ከሎ ዜምጽኦ ሓጐስ እተመልክት እያ፣ ኣብ ናብራ ስድራ ቤት ከኣ "ንቘልዑ ባህ ዘብሎምን ድሕንነት ዘለዎ ሰፈርን ከምኡውን ኣብ ኵሉ ደረጃታት ንህይወት ዝከናኸኖም ሽፋን" ኢዩ ዘመልክተልና።

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ብምቕጻል እቲ ንስደተይናታት እተወፈየ ከአ ናብ ማእከል ተቐበልቲ ስደተይናታት እተመደበ ምዃኑ በዚ መዳይ እዚ እውን ኣገዳስነት ከም ዘለዎ ገለጹ - "ንህይወት ዘሎና ፍቕሪ ወትሩ ግልጽን ኣድማሳውን ምዃኑን፣ መበቈል ወይ ዝዀነ ይኹን ካልእ ኵነታት ብዘየገድስ ንዅሎም ሰባት ጽቡቕ ነገር ከም እትምነ ኢዩ ዘጉልሕ።" ክብሉ መስከሩሎም።

ናይ ሞት ዘይኰነ ሠናይ መሳርሒታት ምህናጽ

ድሕርዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብዛዕባ እቲ ኣብ ዛምብያ ዘካይድዎ ህንጸት ናይ ባሕሪ መራኽብ ውን ጠቐሱ ። ጽርበት ዕንጸይቲ ንክርስትያን ፍሉይ ምሳልያዊ ትርጕም ከም ዘለዎ ኣመልከቱ፣ ከመይሲ እቲ ጸራቢ በዓል ናዝሬት 'ብሰብኣዊ ኣእዳው ብትሕትና ይዓዪ' ኸም ዝነበረ ብንጹር ኢዩ ዘዘኻኽረና።

"ኣብዛ ውግእ ንምእዋጅ ብዛዕባ ኣጽዋር ምፍራይ ብዙሕ ዝዝረበላ ዘሎ ዓለም፣ እዚ ነቲ ወድሰብ ንውህበት ኣምላኽ ናብ መሳርሒ ሞት ዘይኰነስ ናብ መሳርሒ ሰናይ ንምቕያር ዘለዎ መሰረታዊ ጸዋዕታ ኢዩ ዘዘኻኽረና " ክብሉ ኣዘኻኸርዎም።

"ሎሚ እቲ ልዕሊ ዅሉ መኽሰብ ዝርከቦ ወፍሪ እቲ ኣብ መፍረ ኣጽዋር ዝግበር ወፍሪ ኢዩ፣ እዚ ኸኣ ንጥፍኣት ዘውፍሩን ካብ ዕንወት ዝኸስቡ ምዃኖም ኢዩ!"

ንኣውያት ምድርን ንድኻታትን ምስማዕ

ኣብ መወዳእታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብዛዕባ እቲ ሓድሽ ጫካ ንምትካል እተገብረ ሳልሳይ ውጥን ብምጥቃስ ነቲ ኣምላኽ ዝሃበና ሓባራዊ ቤት ዘሎና ሓላፍነት ከም ዜዘኻኽረና ገለጹ ። እዚ ወትሩ ኣገዳሲ መዳይ ማሕበር ስካውት ጥራይ ዝምልከት ዘይኰነስ እንተዀነ ግን ነቲ "ሓላፍነት ዘይስምዖን ኣርሒቕካ ዘይምርኣይን ዘስዕቦ ናይ ምድርና" ዘሰንብድ ሳዕቤን ማለት ኣነባብራን ስስዐ ዝመልኦ ጠባያትን ኣብ ርእሲ እዚ ውን ንኣውያት ናይ ምድሪ "ስምዒት ኣልቦ" ምዃን ከምኡውን ንድምጺ ብዙሓት ኣሕዋትን ኣሓትን ብዘይፍትሓዊ መገዲ እተገለሉን፣ ካብ ግቡእ ዝርጋሐ ሃብቲ እተገለሉን ብምዃኖም ኽንድግፎ ከም ዘሎና መሰረታዊ ሓባራዊ ጽዋዕታና ኢዩ።

ክፉትን ሓላዪን ማሕበረሰብ ምዃን ቀጽሉ

ስለዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ አብ መወዳእታ መደረኦም ነቶም ኣባላት ናይ ኢጣልያ ካቶሊካዊ ምንቅስቃስ እስካውት "ወንጌል ብትብዓት ኣብ ምእዋጅ ነቢያዊ ጽዋዕታኦም ክዋጹን" ከምኡውን ምስ ካልኦት ንምርኻብ ህንጡያት ክዀኑን፣ ነቶም እተገለሉ ናይ ዘመና መሳኪን ጽን ኢሎም ዝከታተሉን ሓንጐፋይ ኢሎም ዝቕበልዎምን ክዀኑ ኣተባብዕዎም።

15 April 2024, 12:54