ድለ

2024.04.25 Pellegrini dall'Ungheria 2024.04.25 Pellegrini dall'Ungheria  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ር. ሊ. ጳ. ንመንፈሳውያን ነገዶ ሃገረ ሃንጋሪ፦ 'ውህበት ሰላም ኣብ ልብና እዩ ዚጅምር'

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸራንቸስኮ ምስቶም ኣብ ሃገረ ቫቲካን መንፈሳዊ ንግደት ዘካየዱ ሃንጋሪውያን ብምርኻብ፣ ሰብኡትን ኣንስትን ንሰላም ክዀኑን ንክርስትያናዊ መንነቶም ከኣ ክሕልዉ ኣተባብዕዎም፣ ንቤተ-ክርስትያን ሃንጋሪ ድማ ነቶም ካብ ውግእ ዝሃደሙ ዩክረይናውያን ስደተይናታት ሓንጐፋይ ኢሎም ስለ እተቐበልዎም አመስግንዎም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ካብ ሃንጋሪ ዝመጹ 1,200 መንፈስውያን ነጋዶ ብሓያሎ ጳጳሳትን ብሰበ-ስልጣን ሃገረ ሃንጋሪን ተሰንዮም ትማሊ ሓሙስ ንግሆ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ፍሉይ ርክብ ንምክያድ ናብ ሃገረ ቫቲካን በጺሖም፣ እዚ ድማ ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናብ ሃገረ ሃንጋሪ ንምብጻሕ ዝገበርዎ ናይ ንመጀመርታ ጉዕዞ ዝኽሪ ሓደ ዓመት ንምኽባር ኢዪ ዝነበረ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ኣብ ርእሲ ኸተማ ሃገረ ሃንጋሪ ዝዀነት ቡዳፐስት እተገብረ መበል 52 ኣህጉራዊ ጉባኤ ቅዱስ ቍርባን ንምዕጻው፣ ብ12 መስከረም 2021 ናብ ስሎቫክያ ኣብ ዝገበርዎ ጕዕዞ ንሓጺር እዋን ኣላጊሶም እኳ እንተ ነበሩ፣ ብዕሊ ናብ ሃገረ ሃንጋሪ ካብ ዕለት 28-30 ሚያዝያ 2023 ኢዮም ምብጻሕ ኣካዪዶም።

ኣብቲ ንሰለስተ መዓልቲ ዝገበርዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ንበርገሳውያን ሰበ-ስልጣንን፣ በርገሳውያን ማሕበረሰብን ንዲፕሎማስያውያን ኣካላትን ረኺቦም ከም ዘዘራረብዎም ዝዝከር ኢዩ፣ ከምኡ ውን ምስ  መንእሰያት፣ ጳጳሳትን፣ ካህናት፣ ዲያቆናት፣ ሰብ ውፉይ ሕይወት፣ ተምሃርቲ ዘርኣ ክህነት፣ ከምኡ ውን ምስ ሰራሕተኛታት ሓዋርያዊ ተልእኾን፣ ተወከልቲ ትምህርታውን ባህላውን መዋቕራት ረኺቦም ቃለ ማዕዳን ከም ዝለገሱ ውን ዝዝከር ኢዩ። ምስ ስደተይናታትን ድኻታትን እውን ተራኺቦም፣ ንደቂ ብፁዕ ላሽሎ ባትያኒ-ስትራትማን ዝተሰምየ ተቕዋም ውን  በጺሖም።

"ምሳኻትኩም ክጽሊ ኣነ ንባዕለይ ነጋዲ እየ ነይረ። ምእንቲ ሰላም ኣውሮጳ ጸልዩ 'ሰላም ንምህናጽ ድሌልታት ክስንስን፣ ንመንእሰይ ወለዶታት መጻኢ ተስፋ ደኣ እምበር ውግእ ምእንቲ ኸይህቦም' ንጸሊ፣ ኣብ መጻኢ ቦምብታት ዘይኰነስ ፍቅን ምሕብሓብን ክንህቦም፣ ናይ መናድቓት ዘይኰነስ ናይ ሕውን ዓለም ክንሓንጽ'ንጸሊ።"

ሰላም ንምህናጽ ኣብነት ቅዱሳንኩምን ብፁዓንኩምን ስዓቡ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስ ሓድሽ ርእሰ ብሔር ታማስ ሱልዮክ ሓጺር ርክብ ድሕሪ ምክያዶም፣ ነቶም ኣብ ሃገረ ቫቲካብ ኣብ ዝርከብ ጳውሎስ ሻድሻይ እተሰምየ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ተኣካቢቦም ዝነበሩ ነጋድያን    ተቐበሎም ቃለ ማዕዳን ኣስምዑ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቶም ሃንጋሪውያን ነጋድያን ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ማዕዳን፣ ህያብ ሰላም "ኣብ ልቢ ነፍሲ ወከፍና ኢዩ ዝጅምር" ብምባል ኣዘኻኸርዎም፣ ኣስዒቦም ውን  ከምዚ በሉ - "ኣብ ጸሎት ኣብነት ናይቶም ካብ ህዝብኹም እተወልዱ ቕዱሳንን ብፁዓንን ንምስዓብ ወትሩ ብርታዐን ቈራጽነትን ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም።  ከቢድ እኳ እንተ ዀነ እዚ ንልበይ ብሓጐስ እዩ ዚመልኦ" ድማ በሉ።

በዚ ምኽንያት እዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንቤተ-ክርስትያን ሃንጋሪ ናብ ኣማላድነት እኖአ ቅድስቲ ድንግል ማርያምን፣ ናብቶም "ዓበይቲ ቅዱሳን ሃንጋሪን" ዝስመዩ ኣማላድነት ቅዱስ እስጢፋኖንስ፣ ቅዱስ  ላዲስላውስን፣ ቅድስቲ ኤሊዛቤጥን ከምኡ ውን ናይ ቅዱስ ኤመሪክ ኣይፈሌኹም ኣብ ህይወት ምስክርነት ውን የጽንዕኩም ከምኡ ውን ኣብ ሓጐስ ስብከተ መንጌል የበርትዕኩም ክብሉ መረቕዎም። 

ነቲ ኣምላኽ ዚቐርበሉን ዚርሕርሓሉን ኣገባብ ተቐበሎ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቶም ሃንጋሪውያን ምእመናን ካቶሊክ "ካብ ለውሃትን ምቅርራብን ድንጋጽን እተለዓለ" ኣረኣእያን ኣነባብራን ብምኽታል፣ ነሕዋቶምን ኣሓቶምን ክቕበልዎም ኣተባብዕዎም ንሶም ውን ብወገኖም ኣብ መንጎኦም ከም ዓቢ ሓው ብምዃን ፍቕርን ሓልዮትን ከርእይዎም ከም ዝመረጹ ኣመልከቱሎም።

"ባህሪ ኣምላኽ ለውሃትን ምቅርራብን ርሕራሐን ምዃኑ ኣይትረስዑ።" ድማ በልዎም።

ንክርስትያናዊ መበቈልኩም ዓቅብዎም

ኣብ መወዳእታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ናብ ሃገረ ሃንጋሪ ዝገበርዎ መገሻ ምሕዝነታዊ ከም ዝነበረ ዘከሩ። ብፍላይ ምስቶም "ንመጻኢ ድልዱል መሰረት" ንኼንጽፉ መበቈሎም ኪሕልዉ ዘተባብዖም ሃንጋሪውያን መንእሰያት ከም እተራኸቡ ውን  ዘከሩ።

ነቶም ተጋባእቲ ኸምዚ ዝስዕብ ብምባል ጻውዒት ኣቕረቡሎም - "ሰራውርኹም ብምሕላው ኣብቲ ህይወት ዝህብ ስነ - ምግባራዊ ስርዓታት ማለት ኣብ ስድራቤት ሓድነት ሰላም ብምትእምማን ክትጸንዑ ትኽእሉ ኢኹም ።" ክብሉ መዓድዎም።

ንስደተኛታት ዩክረይን ስለ እተቐበኩምዎም ዘሎና ምስጋና

ምስቶም ድኻታትን ኣብ ሃገረ ሃንጋሪ ዝርከቡ ስደተይናታትን ዝገበርዎ ምርኻብ ውን ብምዝካር ቤተ-ክርስትያን ሃንጋሪ ነቶም ካብ ውግእ ዚሃድሙ ስደተኛታት ዩክረይን ሓንጐፋይ ኢላ ስለ እተቐበለቶም፣ ኸምኡውን ነቶም ኣብ ሕድጋት ሕብረተሰብ ዚነብሩ ንምሕባር ዝገበረቶ ጻዕሪ ዘለዎም ሞሳ ገለጹ።

"ከም "ናይ ትንሳኤ" ሰብኡትን ኣንስትን ኴንና ብመገዲ ጐይታ ንመላለስ፣ መኣዲ ጐይታ ብምቝራስ ውን ኣብ ቅዱስ ቍርባን ንሳተፍ፣ ነቶም ዝጠመዩ መሳኪን ውን ነለልዮም"

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ዘቕረብዎ መደረ ነቶም ሃንጋሪውያን መንፈሳውያን ነጋዶ ስለቲ ንክርስቶስ ዘለዎም ተኣማንነት ኣመስገንዎም - "ኣብ ምስክርነት እምነትን ኣብ ናብራ ህይወትን ምስ ጐረባብትኹም ኣብ ዘሎ ርክብን ነቶም እተፈልዩን እተገለሉን እውን ከይተረፈ ሰብኣዊ ናይ ግብረ - ሰናይ ተግባር ኣብ ምግባር ንነፍሲ ወከፍ ሰብኣዊ ህይወትን ንኣከባቢያዊ  ሓላፍነት ኣብ ምክንኻንን ተራእዩ ኢዩ።" ክብሉ መደረኦም ዛዘሙ።

26 April 2024, 18:07