ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንኣባላት ካቶሊካዊ ተግባ፥ ንሓድሕድ ምትሕቑቓፍ ውግእ ከይህሉ ይሕግዝ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ንናይ ኢጣሊያ ማሕበር ካቶሊካዊ ተግባር ኣባላት ተቐቢሎም፥ ብዛዕባ እቲ ኣብዚ እዋን እዚ ዕሽሽ ዝበሃል፡ ምድሓንን ህይወት ዝቕይርን ሕቑፊ ብዝምልከት ሰፊሕ ኣስተንትኖ ብምቕራብ ንኻልኦት ምሕቋፍ ኣገዳሲ ምዃኑ የጉልሑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንኣስታት 50 ሽሕ ኣባላት ካቶሊካዊ ተግባር ኢጣልያ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዕለት 25 ሚያዝያ  ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ተቐቢሎም ኣብ መንጎ ወለድን ኣቦ ሓጎታትን ኣደ ሓጎታትን ደቂ ደቆምን ኣብ ዝካየድ ርክብ ንኽሳትፉ ኣብ ዝተኣከቡሉ እዋን ሰላምታ ኣቕሪቦም።

ቅዱነቶም ኣብቲ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ "ምትሕቑቓፍ ሓደ ካብቶም ባህርያዊ መግለጺታት ተመኩሮ ደቂ ሰባት ምዃኑ" ገሊጾም እዚ ድማ ሕይወት ብሕቑፊ ከም ዝጅምር ዘመላኽት ምዃኑ ኣብሪሆም። በዚ መሰረት ሰለስተ ናይ ኣስተንትኖ ነጥብታት ብምቕራብ ሎሚ ዝዝንጋዕ ዘሎ ሕቑፊ፡ ዘድሕን ሕቑፊ፡ ህይወት ዝቕይር ሕቑፊ እንክብሉ ድማ ኣመላኺቶም፥

እቲ ዝጎደለ ወይ ዝርሳዕ ሕቑፊ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዛዕባ እቲ ዝጠፍአ ሕቝፊ ክዛረቡ እንከለዉ፥ ሓድሓደ ግዜ "እቲ ሎሚ ብሓጐስ እትገልጾ ውዕዉዕ ስምዒት ‘ሕቑፊ’ ኣብ ዓለምና ተቐባልነት ዘይብሉ ኮይኑ ከምዘሎ” ገሊጾም፡ ሓድሓደ ግዜ "ምዕጻውን ተጻራርነትን የጓንፎ፡ ሕውነት ዘለዓዕል ዘይኰነስ ዓመጽ ዘስዕብ ኣሉታዊ ተግባራ፥”

መብዛሕትኡ ግዜ "ውግእ ካብ ዝጠፍአ ሕቝፊ ኢዩ ዝምንጭው" ቢሎም፡ እዚ ኸኣ ናብ ጽልእን ጉጉይ ምርዳእን ኢዩ ዝመርሕ፡ ንኻልእ ከም ጸላኢ ገይርካ ከም እትርእዮ ይገብረካ። እዚ ኣብ መላእ ዓለም ንርእዮ ዘሎና ተግባር እኳ እንተኾነ "ብህላወኹምን ብዕዮኹምን መገዲ ሕቝፍ ኣቢልኩም ሕቑፊ መገዲ ህይወት ምዃኑ ንዅሉ ኽትምስክሩ ትኽእሉ ኢኹም" እንክብሉ ንኹሎም ኣባላት ማሕበር ካቶሊካዊ ተግባር ከም ዘተባብዑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

እቲ ዘድሕን ምሕቋፍ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዛዕባ እቲ ዘድሕን ሕቝፊ ክዛረቡ እለዉ፥ "ሰብኣዊ ምሕቋፍ ክበሃል እንከሎ ከም ፍቕሪ ኣኽብሮት እምነት ምትብባዕ ከምኡውን ዕርቂ ዝኣመሰለ እወታውን መምርሕን ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ምግላጽ ማለት ኢዩ።” እንተዀነ ግን እዚ "ኣብ ስፍሓት እምነት ዝንበር ምስ ዝኸውን ዝያዳ ኣገዳሲ ከም ዝኾነ ተስተውዕል።” ኣብ ማእከል ህላወና ዘድሕን ምሕቋፍ እግዚኣብሔር "ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ዝንጸባረቕ ብክርስቶስ ኢየሱስ ዝተገልጸ ሕቑፊ ሕያዋይ ኣቦ" ከምዘሎ ኣመልኪቶም። ነዚ ዝገለጸልና ድማ "ንሕና'ውን ብግዴና ከምኡ ክንገብር ምእንቲ ክንመሃር" እዩ እንክብሉ ዘስተብሃሉ ቅዱሰነቶም ኣስዒቦም፡ ብጎይታ ክንሕቆፍ ንፍቀደሉ . . . ኣብ ሕቑፊ ጎይታ ንኻልኦት ምሕቋፍ ንመሃር" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

እቲ ህይወት ዝቕይር ሕቑፊ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ቀጺሎም ብዛዕባ እቲ ሳልሳይ ሕቝፊ ማለት ብዛዕባ እቲ ህይወት ዝቕይር ሕቝፊ ክዛረቡ እንከለዉ ናብ ቅዱሳን ምልስ ቢሎም፥ ህይወቶም "ብሕቒፊ ምልኩት ዝኾነ" ኢዩ። እዚ ንዓታቶም ዚበቅዕ እንተ ዀይኑ ንዓና እውን ዝበቅዕ ሕቑፊ እዩ" ምስ በሉ ኣስዒቦም ንዅሎም እቶም ተኣኪቦም ዝነበሩ ኣባላት ካቶሊካዊ ተግባር ንሳቶም ንባዕሎም ህላወ ክርስቶስ ከም ዝዀኑን ምንቲ እዚ እውን "ንዅሎም ስኡናት ብምሕረትን ብርህራሀን ኣጽዋር ብኸመይ ከም እትሓቖፉን ከም እተደገፉን ንገርዎም። በዚ ኸምዚ ጭቡጥ ምልክታት ለውጢ ከተህልዉ ትኽሉ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ሲኖዶስ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዛዕባ እቲ ዘቕረብዎ ሰለስተ ዓይነት ሕቑፊ ኣስተንትኖ ዛዚሞም፥ ኣብ መወዳእታ ብዛዕባ ሲኖዶስ ንሱ ድማ ሲኖዳውነት ከስተንትኑ ከም ዝመረጹን፥ "ኩልኹም ኣብዚ ብሓባር ምርኣየይ ንሲኖዶስን ሲኖዳውነትን የዘኻኽረኒ" . . . ኣብ ሲኖዳውነት ንምስጓም "ብመንፈስ ቅዱስ ዝተቐርጹ ሰባት የድልዩ እዮም"፡ በዚ ምኽንያት ድማ "ኣብተን እትኣትውወን ሃገረ ስብከታትን ቁምስናታትን፡ ናይቲ... ንሲኖዳውነት ምሉእ ብምሉእ ኣብ ግብሪ ምእንቲ ከተውዕልዎ ስፖርተይናታትን መዐቀኒታትን ሲኖዳውነት ክትኰኑ እዕድመኩም ኣለኹ” ምስ በሉ ኣብ መወዳእታ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ወትሩ ምሳታቶም ክትጓዓዝ ቅድሚ ምምሕጻኖም ንነፍሲ ወከፎም ስለቲ ዘለዎም "እንታይ" ምዃኖምን ዝገበርዎ ነገራትን ኩሉ ምስጋናኦም ከም ዘቕረቡ ኣፍሊጡ።

25 April 2024, 16:30