ድለ

2024.04.20 Pellegrini della Diocesi di Cesena-Sarsina, Tivoli, Savona e Imola, im occasione del bicentenario della morte di Papa Pio VII 2024.04.20 Pellegrini della Diocesi di Cesena-Sarsina, Tivoli, Savona e Imola, im occasione del bicentenario della morte di Papa Pio VII  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ር. ሊ. ጳ. ንፒዮስ ሻውዓይ እቲ ኣብ ጽንኩር እዋናት ናይ ሓድነት ሰብ ዝኾነ ኣብነታዊ ክብሉ ዘከርዎ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቶም ካብ ሰበኻታት ቸሰና-ሳርሲና፡ ሳቮና፡ ኢሞላን ከምኡውን ካብ ሰበኻ ቲቮሊ ዝመጹ ኢጣልያውያን ነጋድያን ተቀቢሎም ኣብ ዝለገሱሎም ቃለ ማዕዳን፣ ነቶም ኣብ ግዜ ቓልስን ምክፍፋልን ብትብዓት ምስክር ወንጌል ዝነበሩ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ፒዮስ ሻውዓይ ዝሓደግዎ መንፈሳዊ ውርሻ ክወርስዎ ጻውዒት ኣቕረቡሎም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዝሓለፈ ቀዳም ዕለት 20 ሚያዝያ፣ ነቶም ብ1800 ኣብ ሓደ ኻብቲ ብሰውራ ፈረንሳን ብግዝኣት ናፖልዮንን ዝልለ እዋን፣ ኣዝዩ ህውከት ዝመልኦ ታሪኽ ኣውሮጳን ቤተ-ክርስትያንን፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እተመርጹ ኣገልጋሊ እግዚአብሔር ፒዮስ ሻውዓይ (1742-1823) ዘርኣይዎ ነቕ ዘይብል እምነትን ተወፋይነትን ብኣድናቖት ዘኪሮም ።

ፒዮስ ሻውዓይ ሓደ በነዲክትያዊ ፈላሲ፣ ውሩይ ናይ ስነ መለኮት ምሁርን፣ ብ ኒኮሎ ባርናባ ማሪያ ሉዊጂ ኪያራሞንቲ ዝጽዋዕ ዝነበረ ኢዩ፣ ምስቶም ቅድሚኦም ዝነብሩ ፒየስ ሻድሻይ ብምዃን ነቲ ናፖልዮን ብ1809 ማእሰርትን ዓመጻን ዘስዓበሎም፣ ቤተ-ክርስትያን ንምቍጽጻር ኣብ ዝገበሮ ጻዕሪ ዘየቋርጽ ተቓውሞ ብምክያዶም ኢዮም ዝዝከሩ።

"ኣይግባእን፣ ኣይንኽእልን፣ ኣይንገብርን"

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ምስቶም ካብ ሰበኻታት ኢጣልያዊ ቸሰና-ሳርሲና፡ ሳቮና፡ ኢሞላን ከምኡ ውን ካብ ሰበኻ ቲቮሎ ምስ ዝመጹ ነጋድያን ተራኺቦም፣ ቅድስነቶም ነቲ ፒዮስ ሻውዐይ ዝተዓስሩሉ እዋን ብምዝካር፣ ኣብቲ ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ኣብ ዝኣተወሉ እዋን እውን ከይተረፈ እቲ ፒየስ ሻውዓይ "ንኣምላኽን ንቤተ-ክርስትያንን ዝነበሮም ተወፋይነት" ዘይነቓነቕ ምንባሩ ኣዘኻኸርዎም።  “ኣይግባእን፣ ኣይንኽእልን፤ ኣይንገብርን” ክብሉ ነቲ ዝነበረ ሥርዓት ከም እተቓወምዎ ውን ዘርከሩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ታሪኽ ህይወት ናይዞም ኣገልጋሊ እግዚአብሔር ብምትኳር ነቲ ኣብ ብሕታውን ማሕበረሰብን እነበሮም ናይ እምነት ጕዕዞ ኣድላዪ ዝዀነ ሰለስተ ቐንዲ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ብኸመይ ከም ዘርኣዩና ገለጹ።

ጽኑዕ ደጋፍን ተጣባቒ ሕብረትን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፒዮስ ሻውዓይ ኣብ እዋን ብርቱዕ ቃልሲ ከምኡ ውን ምክፍፋላት "ብህድኣትን ብብርቱዕ ጽንዓትን ንሓድነት ኣብ ምጥባቕ ዘርኣይዎ ጽንዓትን፣ ንትዕቢት እቶም ንቤተ-ክርስትያን ናይ ተወፋይነትን ፍቕርን መልእኽቲ እንደገና ንኸየመሓላልፉ ኣጋጣሚ ክህብዎም ዘይፈልዩ ዝነበሩ ሰባት ብህዱእን ደኺመ ብዘይብል ተጸምዶን ክስዕርዎ ክኢሎም ኢዮም" በሉ።  ነዚ ድማ ህዝቢ ኣምላኽ ብውዕዉዕ ስምዒት ምላሽ ሃቡሉ ። ከም ውጽኢት ናይዚ ኸኣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብስጋዊ መዳይ ዝደኸየ ብስነ - ምግባር ግን ዝያዳ ሓድነት ዘለዎ ድልዱል ከምኡዝ ውን ትውክልቲ ዘለዎ ማሕበረሰብ ክፈጥሩ ምኽኣሎም ገለጹ ። "

ስለዚ እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብነቶም ሎሚ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ሓድነት ክንሓንጽ የተባብዓና ኢዩ፣ እዚ ኸኣ "ሕብረት ምግባር ምትዕራቕ ይቕረ ምብህሃል ሰላም ምድንፋዕ ኣብ ግብረ-ሰናይ ምብርታዕ ንሓቂ እሙን ምዃን" ዝብል ኣብነት ኢዩ ዝኾነና ።

"ሓደ ኻብቲ ሓድነት ንምሕላው ዚሕግዝ ነገር ብኸመይ ጽቡቕ ከም እትዛረብ ምፍላጥ እዩ። ሕሜትን ሕማቕ ዘረባን ኣብ ክንዳኡስ ንሓድነት ኢዩ ዘዕኑ። ብዛዕባ ኻልእ ሕማቕ ክትዛረብ እኳ እንተ ተገዲድካ ልሳንካ ንኸስ፣ ኣብቲ ማሕበረሰብካ ድማ ንሓድነትን ጽቡቕ ስራሕን ክትሰርሕ ኢኻ።"

ተባዕ ሰባኺ ወንጌል

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ቀጺሎም ፒዮስ ሻውዓይ ብቓላቶምን ብህይወቶምን "ተባዕ ሰባኺ ወንጌል" ኢዮም ዝነበሩ ። እዚ ኸኣ ኣብቲ ናይ መጀመርታ መደርኦም ከም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስ ተመርጹ፣ ነቶም መረጽቲ ካርዲናላት ኣብ ዘቅረብዎ ቃል ተረጋጊጹ ኢዩ፣ ኣብቲ ግዜ እቲ "ናይ ሓቂ ስፍሓት ቤተ-ክርስትያን ንምዕቃብ "ብትሕትና ብጥቅውነት ብትዕግስቲ ኣብ ግብረ-ሰናይ ከምኡውን ኣብ ኵሉ ናይ ጉስነት ግዴታ" ኣብነት ክኾኑ ከም ዘለዎም ኣጕልሑ።

ነዚ ክርስትያናዊ ትንቢት እዚ ድማ ኣብ ምሉእ ህይወቶም "ብኽብርን ጽንዓትን" ነቢሮሞ ኢዮም፣ ኣብ ጽቡቕ ይኹን ሕማቕ ግዜ ድማ ብብሕታውን ኣቕላሲያውን ደረጃ  ነዚ ህይወቶም ብምግባር ይነብርዎ ነበሩ። እዚ ድማ ምስቶም ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበሩ ሓያላት ከም ዝጋጨውን ዘይሰማምዑን ጌርዎም ኢዩ።

ተጣባቂ ማሕበረሰብኣዊ ተሓድሶ

ኣብ መወዳእታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንፒዮስ ሻውዓይ ኣብ ዘመነ ግዝኣት ናፖልዮን ጸገማት እኳ እንተ ኣጋጠሞም፣ በቲ ንስኡናት ዝገብርዎ ፍሉይ ቈላሕታን፣ ንድኻታት ዘጽደቑሎም ፍሉይ መሰላትን፣ ንስቓይ ዘፍረሰ ሰፊሕ ማሕበራዊ ተሓድሶ ኸም ዝገብሩ ዘከሩ።

እኳ ደአ ነቶም ዘሳድድዎም ዝነብሩ እውን ከይተረፈ ተመሳሳሊ ምሕረት ኣርኣይዎም - "ጌጋታቶምን ማህሰይቶምን ብዘየማትእ መገዲ እኳ እንተ ኰነኖዎ፣ ምሳታቶም ዘተ ከካይዱ ፈቲኖም፣ ልዕሊ ዅሉ ድማ ኵሉ ሳዕ ይቕረታ ይገብሩሎም ነበሩ።"

ንሓቂ ምፍቃርን ንዘተ ፍቓደይና ምዃንን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ መደምደምታ መደረኦም ነቶም ኢጣልያውያን ነጋድያን ብዛዕባ እቲ ተዘክሮ ናይዞም ኣገልጋሊ እግዚአብሔር ዝኾኑ ኣብ ኣእምሮና ዘትረፍዎ ብዙሕ ስነ - ምግባራዊ ስርዓታት፡ “ንሓቂ ምፍቃር፡ ሓድነት፡ ዘተ፡ ነቶም ዝተረስዑ ምስዝካር፡ ምሕረት፡ ብርቱዕ ጻዕሪ ንሰላም” ኣብ ዝብሉ ሓሳባት ከስተንትኑ ዓደምዎም ። ነዚኣቶም ድማ ናትና ንግበሮም በዚ ኸምዚ ድማ መሰኻኽር ክንከውን ንኽል ኢና ክብሉ ድማ መደረኦም ዛዘሙ።

22 April 2024, 18:19