ድለ

2024.04.18 Global Christian Forum (Accra, 15-20 aprile 2024) 2024.04.18 Global Christian Forum (Accra, 15-20 aprile 2024) 

ር. ሊ. ጳ. ክርስትያናዊ ሓድነት ኣብ ህንጸት እምነትን ምትሕብባርን ኬደልድሉ የተባብዑ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ናብቲ ኣብ ኣክራ ጋና ዝካየድ ዘሎ ራብዓይ ዓለምለኻዊ ጉባኤ ክርስትያናዊ መጋባእያ ንተሳተፍቲ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ሰላምታ፣ ኵሎም ምእመናን እምነቶም ኼደልድሉን ንፍቕሪ ኣሕዋት ዳግም ከበራብረዎን ኣተባብዖም። እዚ ድማ ክርስትያን ምእመናን ብዛዕባ እቲ ንዓለምለኻዊ ማሕበረሰብ ክርስትና ዜጋጥሞም ዘሎ ብድሆታት ኣብ ዝመያየጡሉ ዘለዉ ክለብስዎ ንዘለዎም ሓድነት ዜንጸባርቕ ክኸውን ኣለዎ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ናብቲ ካብ ዕለት 15 ክሳዕ ዕለት 20 ሚያዝያ ኣብ ኣክራ ጋና ዝካየድ ዘሎ ራብዓይ ዓለምለኻዊ ኢቁመናዊ ጉባኤ ንተሳተፍቲ ናይ ሰላምታ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም ። እዚ ዓለምለኻዊ ኢቁመናዊ ጉባኤ ነቶም ካብ እተፈላለያ ኣብያተ ክርስቲያንን ማሕበራትን ዝመጹ ምእመናን ፍሉይ ናይ ጸሎትን ኣምልኾን ዘተን ስብከተ ወንጌልን ግዜ ንምሕላፍ ዘሕብሮም ኢዩ።

እቲ "ዓለም ምእንቲ ክትፈልጥ!" ኣብ ዝብል ቅዉም ሓሳብ ዝካየድ ዘሎ ጉባኤ፣ ኣብዛ ሎሚ ዘላ ዓለም ብዛዕባ ፍቕርን ሓቅን ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንኣህዛብ ብዝሓሸ መገዲ ንምእዋጅ፣ ንክርስቶስ ብኸመይ ከም ዝምስክሩሎም ከስተንትኑ ዘዓለመ ኮይኑ፣ ከምኡ ከኣ "ሓቢሮም ንኽብሪ ኣምላኽ ክብሉ ንለውጢ ምጽዓር፣" ዝብል ሰናይ ሓሳብ ዝሓዘለ ኢዩ።

ሰናይ ናይ እምነት ኣይቆና

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መልእኽቶም ንዅሎም እቶም ተጋባእቲ "ልባዊ ሰላምታ" ድሕሪ ምቕራብ እቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ፍልልያይና ነቲ "ኣብዚ ግዜና ዘሎ ጽቡቕ ምስሊ ክርስትና" ዜንጸባርቕን፣ ከም ሰዓብቲ ኢየሱስ ክርስቶስ መጠን ሓባራዊ መንነትና ዘርኢ ብምዃኑ ነኣድዎም።

እቶም ጸሓፊ ናይቲ ብዛዕባ ክርስትያናዊ ሓድነት ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ዝኾኑ ስዩም ሊቀ-ጳጳሳት ፍላቪዮ ፓቸ፣ ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ድሕሪ ምንባብ ኣስዒቦም ድማ ከም ተሳታፊ ናይቲ ጉባኤ መጠን ናይ ባዕሎም መደረ ውን ኣካፈልዎም።

ናብ ሓድነትን ፍቕርን እተጸውዑ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ "ዓለም ምእንቲ ኽትፈልጥ" (ዮሃንስ 17፡23ለ) ዝብል ኣርእስቲ ብምጥቃስ ክርስትያን ምእመናን "ነታ ብሰንኪ ምክፍፋልን ውድድርን በሰላ ወሪድዋ ዘሎ ዓለም ኣብ ብሕታውን ኣቅላሲያዊ ህይወቶም ሓድነትን ፍቕርን ስሉስ ኣምላኽ ምእንቲ ኽምስክሩ" ከም እተጸውዑ ገለጹሎም።

ብተልእኾ ወንጌል እተጠምረ ኤቁምና

 

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ ሓድነት "ራእይ መንግስቲ ኣምላኽ ንምቕባል" ኣገዳሲ መፍትሕ ኢዩ፣ እዚ ኸኣ "ኣብ መንጎ ኤቁመናዊ ሕብረት ክርስትናን ተልእኾን ዘሎ ማእሰር" ዝሓትት ምዃኑ ውን ኣጕልሑ። ቅዱስነቶም ኣስዒቦም እቲ ዓለምለኻዊ ክርስትያናዊ ጉባኤ ኣብዚ ውሽጢ 25 ዓመታት ዝገበሮ ዓብዪ ኣበርክቶ ብምግላጽ ንኣባላት ናይ ዝተፈላለዩ ታሪኻዊ መግለጺታት ክርስትያናዊ እምነት "ኣብ ክርስቶስ ብምርኻብ ኣብ ሓባራዊ ምክብባርን ሓድነትን ኪዓብዩ" ዚኽእሉሉ ባይታ ፈጢሮም ምህላዎም ገለጹ።

ኣብ መደምደምታ ቅዱስ ኣቦና እቲ ኣኼባ ዅሉ ሰብ ንእምነቱ ዘዕሙቐሉን ብሓባር ኣብ ዝጽልዩሉ ከአ ሕውነታዊ ፍቕሪ ዘበራብሩሉን፣ ብዛዕባ እቲ ንዓለምለኻዊ ማሕበረሰብ ክርስትና ዜጋጥሞም ዘሎ ብድሆታት ዝመያየቱሉን ክኾነሎም ጸልዮም።

4ይ ዓለም ለኻዊ ኤቁመናዊ ጉባኤ
4ይ ዓለም ለኻዊ ኤቁመናዊ ጉባኤ

"በረኸት እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ንዅላትኩም እምህለል ኣለኹ፣ እዚ ጉባኤ ነቲ ኣብ መንጎ ዅሎም ማሕበራት ክርስቲያን ዝርአ ሓድነት ኬደንፍዕ ድማ እጽሊ፣" በሉ። ስዩም ሊቀ-ጳጳሳት ፓቸ ንመልእኽቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ድሕሪ ምንባቦም፣ ኣስዒቦም ድማ ነቶም ተሳተፍቲ ብተራኦም መደረ ኣቕረቡሎም። ነቶም ኣብቲ ጉባኤ ማሕበራቶም ወኪሎም ዝተረኽቡ ካብ "ኦርቶዶክስ፡ ካቶሊክ፡ ፕሮተስታንት፡ ወንጌላዊት ቤተ-ክርስትያን፡ ጰንጠቈስጥን፡ ካልኦት ፍሉያት ኣብያተ-ክርስትያንን ከምኡውን ኤቁመናውያን ማሕበራትን ዝኣመሰሉ ንዝመጹ" ኩሎም ነኣድዎም። ሊቀ-ጳጳሳት ፓቸ ከም ዝገለጽዎ እቲ ዓለምለኻዊ ክርስትያናዊ ጉባኤ ኣብ ምክፋል "ህያው እምነት" ነቲ ኣብ መንጎ መራሕቲ ኣብያተ ክርስቲያን ንዘሎ ርክብ ኣብ ምድንፋዕን ዘተኰረ ምዃኑ፣ ኣብ ርእሲ እቲ ንሰረተ-እምነታዊ ፍልልያት ዝኸውን መፍትሒ ምርካብ ናይ እምነት ተመክሮታት ምልውዋጥን፣ ንሓባራዊ ምርድዳእን ከምኡውን ሓድነት ኣብ ምድልዳልን "ንኽቡር ኤቁመናዊ ጕዕዞ መሳርሒ" ኰይንኩም ኣሎኹም በልዎም።

ብፁዕነቶም ኣስዒቦም እውን ክርስትያናዊ ምስክርነት ብሓባር "ወንጌላዊ ናይ ምትዕራቕ ሓይሊ" ብኸመይ ከም ዝገልጽን ከምኡውን በዚ ሓድነት "ካብ ሰብኣዊ ፍልልያት ዝበልጽ ክርስትያናዊ እምነት ኣብ ሕውነታዊ ፍቕርን ሓባራዊ ኣኽብሮትን ሓባራዊ ዕላማን እተመስረተ ህያው ማሕበረሰብ ኣሕዋትን ኣሓትን ከቝሙ" ዘኽእል ምኹኑ ኣጕልሑ።

ኣብ መደምደምታ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ኣብ ዘይፈልጥ መስርሕ ናይ ሲኖዶስ ተጸሚዳ ከም ዘላ ውን ዘከሩ ። እዚ መስርሕ እዚ "ሲኖዳውነት ቤተ-ክርስትያን ንተሳትፎ ስብከተ ወንጌል" ዝብል ኰይኑ፣ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ እተገብረ ናይ መጀመርታ መርሓ ግበር እተሳተፉ ወከልቲ እተፈላለዩ ክርስቲያናዊ ማሕበራት ዝሓቘፈ ምንባሩ ውን ጠቐሱ። ኣብ ሲኖዶስ ስለቲ ዝገበርዎ ተሳትፎ ድሕሪ ምምስጋን ከአ፣ ሲኖዶስ "ብሓድነት እምነትን ህያባት ኣብ ምልውዋጥን ሓቢሮም ኪጐዓዙ ኸም ዚደልዩ ንጹርን ዜተኣማምንን ምልክት ከም ዝፈጠረሎም" ገለጹ። እዚ ድማ "እቲ ንክርስትያናዊ ሓድነት ከም ዚህልዎም ዝገብር ካብቲ ዚኸፋፍሎም ነገራት ከም ዝዓብን ዝዓምቝን እዩ ዘርእየና" በሉ።

እዚ ኣብ ሃገረ ጋና ዝካየድ ዘሎ ጉባኤ ድማ "ብመንፈስ ሲኖዶሳዊ ኣተሓሳስባ እተለዓዓለ ኢዩ" ብምባል፣ ወሲኾም ድማ "ብሓባር ብምጽላይን ብምዕያይን፣ ሓባራዊ ብድሆታትና ንምፍታሕን፣ ስብከተ ወንጌል ብሓባር ንምድንፋዕን፣ ጥሪትናን ተውህቦታትና ምስትውዓልናን ከነጣምር ንኽእል ኢና" እክብሉ መደረኦም ዛዘሙ።

4ይ ዓለም ለኻዊ ኤቁመናዊ ጉባኤ ኣብ ኣክራ ጋና
4ይ ዓለም ለኻዊ ኤቁመናዊ ጉባኤ ኣብ ኣክራ ጋና
19 April 2024, 17:34