ድለ

At least five dead following stabbing attack at Sydney mall At least five dead following stabbing attack at Sydney mall  (ANSA)

ር. ሊ. ጳ. ፍራንቸስኮ ነቶም ግዳያት መጥቃዕቲ ሲድኒ ዝዀኑ ሰባት ኣጸናንዕዎም ጸሎት ውን ኣወፈዩሎም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብታ ብዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ፒትሮ ፓሮሊን ዝተኸተመት ናይ ቴለግራም መልእኽቲ፣ በቶም ኣብቲ ኣብ ከተማ ሲድኒ ኣውስትራልያ ዝርከብ ማእከል ዕዳጋ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ግዳያት ዝኾኑ ሽዱሽተ ሰባት "ኣዝዮም ከም ዝጐሃዩ" ገለጹ። ነቶም ግዳያት ጸሎት ከም ዘዕረጉን መንፈሳዊ ቅርበት ከም ዘለዎም ኣረጋገጹሎም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብታ ብዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ፒትሮ ፓሮሊን እተፈረመትን ናብቶም ናይ ሲድኒ ሊቀ - ጳጳሳት ኣንቶኒ ፊሸር ዝተላእከት ናይ ቴለግራም መልእኽቲ፣ ኣብታ ከተማ ኣብ ዝርከብ ማእከል ዕዳጋ ሽዱሽተ ሰባት ዓመጽ ወሪድዎም  ከም ዝሞቱ ምስ ሰምዑ ዝተሰምዖም ዓሚቝ ጓሂ ገለጹ ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "ንዅሎም እቶም በዚ ዕሽነት ዝመልኦ ዘሕዝን ፍጻመ እዚ እተጐድኡ ሰባትን ብፍላይ ከኣ ነቶም ብሞት ዘፍቅርዎም ሰባት ዝሓዝኑ ቤተሰቦምን ዘለዎም ቅርበት” ብምርግጋጽ፣ ምእንቲ እቶም ዝሞቱን ዝቖሰሉን ከምኡ ውን ምእንቲ እቶም ቀዳሞት ተሓተቲ እዚ ጉዳይ ኣብ ጸሎቶም ከም ዝዝክርዎም ኣመልከቱሎም። ኣብታ ዝተላእከት ናይ ቴለግራም መልእኽቲ ከኣ "ንህዝቢ ናይ ምጽንናዕን ብርታዐን መለኮታዊ ቡራኬ ክረኽሙ ጸልዮም።"

እቶም ግዳያት

ኣባላት ናይቲ ከባቢ ኣኽበርቲ ጸጥታን መራኸቢ ብዙሓን ኣውስትራልያን ናይቲ ኣብ ቦንዲ ጃንክሽን ዝርከብ ዌስትፊልድ ዝተሰምየ ማእከል ዕዳጋ ዝተፈጸመ ዓመጻ ግዳያት ዝኾኑ ሰባት ሓደ ሰብኣይን ሓሙሽተ ኣንስትን ሓንቲ ኣደ ትሸዓተ ወርሒ ህጻንን ሓዊስካ ምዃኖም ገሊጾም። ከምኡ ውን እቲ ህጻ ናብ ሆስፒታል ተወሲዱ ኣድላዪ ሕክብናዊ ደገፍ ይግገበረሉ ከም ዘሎን ኣመልኪቶም። እቲ ገበነኛ ናይዚ ዓመጻ ከምቲ ተፈሊጡ ዘሎ ወዲ 40 ዓመት ሰብኣይ ኮይኑ፣ ወግዓዊ መንነቱ ግና ብፖሊስ ክሳብ ዝግለጽ ኣብትጽቢት ኢዩ ዘሎ ። ኣኽበርቲ ሕጊ ግቡእ መርመራታት ክገብሩ ትጽቢት ዝግበረሉ ጉዳይ እኳ እንተ ዀነ፣ እቲ ተግባር ግና ብግብረ-ሽበራዊ ወይ ጽንፈይናዊ ዕላማ ተለዓዒሉ ዝተገብረ ዘይምዃኑ ኢዩ  ዝኣመን ዘሎ።

15 April 2024, 13:12