ድለ

Rally in Kyiv calls for return of Ukrainian prisoners of war Rally in Kyiv calls for return of Ukrainian prisoners of war  (ANSA)

ር. ሊ. ጳ. ፍራንቸስኮ እሱራት ውግእ ኪፍታሑ ስምዕታ ኣቕረቡ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣቓልቦኦም ናብቶም እሱራት ውግእ ምልስ ብምባል ናጻ ክወጹ ጸሎት ኣዕሪጎም፣ ነቲ ኣብ ለዕሊ ደቂ ሰባት ዝወርድ ዘሎ ስቓይ ድማ ኰነንዎ ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ድሕሪ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ኣብ ዘቕረብዎ ቃል ምሕጽንታ፣ ኣብተን ብውግእ እተጠቕዓ ሃገራት ናይ ውግእ እሱራት ዘሕለፍዎ ዘለው ዅነታት ኣዘኻኸሩ።

"ኣብዚ ህሞት እዚ ሓሳባትናን [መንፈስናን] ኵላትና ናብቶም ኣብ ውግእ ዘለዉ ህዝብታት ኢዩ ዝኸይድ ዘሎ" በሎ።

"ብዛዕባ እታ ኣብ እስራኤል እትርከብ ቅድስቲ መሬትን ፍልስጥኤምን ኢና እንሓስብ። ብዛዕባ እቲ ንዩክረይን ዘሳቕያ ዘሎ ኩነታ ኢና እንሓስብ። ብዛዕባ እቶም እሱራት ውግእ ኢና እንሓስብ..."

እንክብሉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እዞም ናይ ውግእ እሱፋት ሓራ ንኺወጹ ስምዕታ ኣቕረቡ፣ ከምዚ ውን በሉ “ዅሉ ሓራ ምእንቲ ኺወጽእ ጐይታ ንድሌታትና የንቀሳቕሶ" በሉ።

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ርእሲ እቲ ዘቕረብዎ ምሕጽንታ ብዛዕባ እቶም ስቓይ ዝወረዶም ዘሎ እሱራት ብፍሉይ ከም ዝዝክርዎም ውን ኣመልከቱ ።

"ስቓይ እሱራት ዘስካሕክሕ ነገር ኢዩ፣ እዚ ሰብኣውነት አይኮነን!" ብምባል ድማ ኮነንዎ - "ብዛዕባ እቲ ንኽብሪ ናይቲ ሰብ ዘቝስል ብዙሕ ዓይነታት ስቓይ ከምኡ ውን ብዛዕባ እቶም ብዙሕ ስቓይ ዝወረዶም ዘሎ ሰባት ኢዩ ዘተሓሳስበና ዘሎ።... ጐይታ ንዅሉ ይሓግዝ ንዅሉ ድማ ይባርኽ" በሉ።

17 April 2024, 17:28