ድለ

2024.04.13 Sindaci delle Città Patrimonio dell'Umanità in Spagna 2024.04.13 Sindaci delle Città Patrimonio dell'Umanità in Spagna  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ር. ሊ. ጳ.፦ “ልክዕ ከም ከተማታትና ንመጻኢና ናብ ሕሉፍ ብምጥማት ኢና ንሃንጾ”

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ምስ ኣባላት ጕጅለ ስጳኛዊ ውርሻ ዓለም ኣብ ዝገበርዎ ኣኼባ፣ ሰባት ኣብ ኣምላኽ ብዘለዎም እምነት ምስ ታሪኻዊ ዅነታት ብምዝማድ ከተማታቶምን ባህሎምን ከም ዚሃንጹ ገለጹ ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዝሓለፈ ቀዳም ምስ ኣባላት እቲ ታሪኻውን ባህላውን ውርሻ ኸተማታቶም ንምጥባቕ ብ1993 እተመስረተ ጕጅለ እስጳኛዊ ውርሻ ዓለም ተራኺቦም።

ቅዱስ ኣቦና ንተወከልቲ እተፈላለያ ኸተማታት ስጳኛ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ሓንጐፋይ ኢሎም ብምቕባል፣ እታ ዝነኣሰት ሃገር ዓለም፣ ልክዕ ከምተን ከተማታት ንሶም ዓቀብቲ ብምዃን ዘገልግሉለን ዘለዉ፣  ሃብታም ዝኾነ ውርሻ ዓቂባ ትርከብ ኣላ ክብሉ ገለጹ ።

ቅዱስነቶም ኣብቲ ዝለገሱሎም መደረ፣ ደቅ-ሰባት ንባህላዊ ውርሻኦም ንምሕላው ዘለዎም ባህጊ፣ ንስነ-ጥበባዊ-ባህልን ከምኡውን "ምልኣተ ክብሪ ናይቲ ነዚ ውርሻ እዚ እተቐበለ ሰብን ናይቶም ነዚ ዘውርሱ ህዝብታትን" ዘጠቓልል ክኸውን ከም ዘለዎ ገለጹ።

" ታሪኻዊ ዅነታት — ምስ ኩሉ ብሩህን ደበንገረ ዝኾነ ክፍልታቱ — ብዛዕባ  እቶም ሰብ ሓቐኛ ስምዒታት ዝኾኑ ሰብኡትን ኣንስትን ናይ ህይወት ምህሮ ዝኾኑና ደኣ እምበር፣ ኣብ ቤተ - መዘክር ዝርከቡ ጭርምራም ነገራት ኣይኮኑን " ድማ በሉ ።

ካብ ሕሉፍ ምምሃር

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣምላኽ ነቶም ሓለውቲ ባህላዊ ውርሻ ከተማታት ስጳኛ ንጽባቐ "እምነን ተስፋን ፍቕርን ህዝቦም" ከንጸባርቁ ክሕግዞም ጸለዩሎም።

ከምዚ ድማ በሉ - "እቶም ኣብ ውሽጢ ነዊሕ ዘመናት ንኸተማታቶም ዝሃነጹ ሰባት ንነፍስወከፎም ንዝሰዓቦም ምትሕንፋጽ ባህልታትን ስልጣነታትን፣ ብሕለፍ ስቓይን ትምኒታትን ከምኡውን ብተፈጥሮኦም ኣብ ኣምላኽ ዝነበሮም እምነት ንልባቶም ብውዕዉዕ ስምዒት ከም ዝወቅዕ ጌርዎ ኢዩ፣ " ክብሉ መስከሩሎም።

ከተማታትን ባህላዊ ሓወልትታተንን ንተቐማጦን ንበጻሕትን ብዛዕባ ብርታዐን ብልሓትን እቶም ዝሃነጽዎም ሰባት ኪሓስቡ ይዕድሞም ኢዮም ።

"በቲ ነፍሲ ወከፍ ታሪኻዊ ዅነታት ዘመልክቶ ናይ ፍትሕን ገጸ-ባህርያትን ትምህርቲ ብድሆ ይኾኖም ኢዩ" ድማ በሉ።

ንመጻኢ ምጽዓር

ውርሻ ኸተማታት ነቲ ዝሓለፈ ኣብ ቤተ-መዘክር ኣብ ክንዲ ምዕጻው እኳ ደአ ሎሚ ንዘለዉ ሰባት ዝሓሸ መጻኢ ንኺሃንጹ ዝሕግዞም ክኸውን ኣለዎ።

ስለዚ ብዛዕባ ህዝብታት ብዛዕባ ሰባት ብዛዕባ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ጥራይ ዘይኰነስ ብዛዕባ እቲ ኣብ መጻኢ ክኸውን ዘሎዎ ታሪኽ ክንሓስብ ኣለና፣ እዚ ታሪኽ እዚ ኸኣ ወትሩ ናትና ተሳትፎ ዘለዎ ክኸውን ኣለዎ" ክብሉ ድማ መደረኦም ዛዘሙ።

15 April 2024, 12:49