ድለ

2024.04.20 S.E. il Signor Johnny Briceno, Primo Ministro del Belize 2024.04.20 S.E. il Signor Johnny Briceno, Primo Ministro del Belize  (Vatican Media)

ር. ሊ. ጳ. ፍራንቸስኮ ንመራሒ መንግስቲ ሃገረ በሊዝ ተቐቢሎም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዝሓለፈ ቀዳም ዕለት 20 ሚያዝያ ኣብ ቫቲካን ምብጻሕ ንዘካየዱ መራሒ መንግስቲ ሃገረ በሊዝ ተቐቢሎም ኣዘራዚቦም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ዝሓለፈ ቀዳም ንግሆ ዕለት 20 ሚያዝያ 2024 ኣብ ኣብ ሓዋርያዊ ህንጻ ሃገረ ቫቲካን ንመራሒ መንግስቲ ሃገር በሊዝ ጆን ብሪሰንዮ ተቐቢሎም። ድሕሪ እዚ ምስ ርእስ ሊቃነ ጳጳሳት ዘካየድዎ ርክብ ድማ ምስቶም ጸሓፊ ናይ ወጻኢ ርክባትን ኣህጉራውያን ውድባትን ቅድስቲ መንበር ምስ ዝዀኑ ብፁዕ ሊቀ-ጳጳሳት ፖል ሪቻርድ ጋለገር ውን ተራኺቡ።

ኣብቲ ኣብ ኣብ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ዘካየድዎ ርክብ በቲ ኣብ መንጎ በሊዝን ቅድስቲ መንበርን ዘሎ ጽቡቕ ርክብ ዕግበት ተራእዩ ኢዩ። እዞም ክልተ ኣካላት ብፍላይ ኣብቲ ቅድስቲ ቤተ-ክርስትያን ኣብ ዓውዲ ትምህርትን ክንክንን ስደተኛታት ዝገበረቶ ቘራጽነት ኣተኲሮም ሰፊሕ ዘተ ኣካዪዶም ።

ድሕርዚ ኣቓልቦኦም ናብቲ ኣብ ገለ ኻብቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ማሕበረሰብኣውን ፖለቲካውን ጕዳያት ብምጕላሕ፣ እቶም ካብ ማሕበረተሰብ በሊዝ ዝኾኑ ኣባልት ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያንን ብክርስትያናዊ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ንጥቕሚ ህዝቢ ከወፈይዎ ዝኽእሉ ኣበርክቶ ውን ከም ዝዘተዩ ካብ ቤትጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር ዝወጸ መግለጺ ኣፍሊጡ ።

22 April 2024, 18:21