ድለ

Aftermath of Israeli strikes, in Rafah Aftermath of Israeli strikes, in Rafah 

ር. ሊ. ጳ. ብዛዕባ እቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝቕጽል ዘሎ ግጭታት ዘተ ክካየድ ጸለዮም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብዛዕባ እቲ ዝቕጽል ዘሎ ግጭት ዘተን ድርድርን ከካይዱ ስምዕታ ብምቕራብን፣ ነቲ ስቓይ ናይ እቶም እተጐድኡ ሰብት ብምዝካርን ምእንቲ ኣብ ፍልስጥኤም እስራኤል ከምኡ ውን ዩክረይን ሰላም ክሰፍን ልባዊ ጻውዒት ኣቕሪቦም ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ እንደገና ምእንቲ ሰላም ዓለም ጸሎት ኣዕሪጐም ። ደድሕሪ እቲ ኣብ ራብዐይቲ ሰንበት በዓል ትንሳኤ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዘዕረግዎ ጸሎት ንግሥተ ሰማይ፣ ቅዱስ ኣቦና ብዛዕባ ጉዳይ ማእከላይ ምብራቕ ዘተን ውዕላትን ክካየድ ከምኡ ውን ስነ-ሜላዊ ክልኤኣዊ ርክባት ክግበር ተስፋኦም ገለጹ ። በዚ ኸምዚ ድማ ኣብ "ኣመክንዮ ናይ ርትዓዊ ኣተሓሳስባ" ኸይንወድቕ ተማሕጸኑ።

"ነቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘሎ ዅነታት ብሻቕሎትን ብጓህን እከታተሎ ኣለኹ። ነቲ ውግእ ዝብል ኣተሓሳስባ ኣይቅበሎን፣ የግዳስ ነቲ ብዙሕ ኪዓምም ዚኽእል ዘተን ስነ-ሜላዊ ክልኤኣዊ ርክባት ቀዳምነት ይወሃቦ ንዝብል ሓሳብ ደጋጊመ እምሕጸነኩም ኣሎኹ ። እዞም ክልተ ህዝብታት እዚኣቶም ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ስቓዮም ከቋርጽ ተስፋ ብምግባር ኣብ ፍልስጥኤምን እስራኤልን ሰላም ክሰፍን መዓልታዊ እጽሊ ኣሎኹ፣" በሉ ቅዱስነቶም።

ዩክረይን

ድሕርዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቲ ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ቀጻሊ ውግእ እውን ዘከሩ ። ዓለም ነታ ብዙሕ ስቓይ ተሕልፍ ዘላ ግጭታት ዝበዝሓ ሃገረ ዩክረይን ከይርስዓ ድማ ምሕጽንታ ኣቕረቡ።

ድሕርዚ ቅዱስ ኣቦና ሓሳቦም ናብቶም ኣብ ኣይቮሪ ኮስት ን13 ዓመት ዝኣክል ዘገልገሉ እሞ፣ ብ18 ሚያዝያ ብሓደጋ ማኪና ዝሞቱ ክቡር ኣባ ማትዮ ፔቲናሪ ምልስ ብምባል ውን ዘከርዎም ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ ዝሃብዎ መዘኻከሪ እዚ ካህን እዚ "እቶም ዓሚቝ ውርሻን ለጋስ ኣገልግሎትን ዝሓደጉ ደኺመ ዘይበሉ ተባዕ ልኡኽ ወንጌል" ተባሂሎም ክዝከሩ ኢዮም ክብሉ ጠቐስዎም።

22 April 2024, 18:25