ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ቅዱስ ፒዮስ ዓስራይ ንዝሳቐዩ ሰባት ቀረባ ዝነበረ ር.ሊ.ጳ. እዩ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ቅዱስ ፒዮስ ዓስራይ ንዝሳቐዩ ሰባት ቀረባ ዝነበረ ር.ሊ.ጳ. እዩ 

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ቅዱስ ፒዮስ ዓስራይ ንዝሳቐዩ ሰባት ቀረባ ዝነበረ ር.ሊ.ጳ. እዩ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብኣባ ሉቺዮ ቦኖራ ዝተደርሰት ብዛዕባ ር.ሊ.ጳ. ቅዱስ ፒዮስ መበል 10 ኣብ እተዘንተው መጽሓፍ ኣብ ዝደረስዎ መቕድም፥ ኣብ መባእታ 20 ክፍለ ዘመን ፒዮስ ዓስራይ ኣብ ዝለገስዎ ናይ ዕለተ. ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ነቲ ኣብቲ እዋን ዝተበገሰ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ዘስምዕዎ ናይ ተቓውሞ ቃል ይንእዱ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ፒዮስ ዓስራይ ብዘይ ቁርባንን ብዘይ ምውህሃድ ዝተገልጸ ሓቅታት እምነትን ውልቃዊ እምነት ከም ዝደክምን ከም ዝመውትን ንመላእ ቤተ ክርስቲያን ዘረድኡ ር.ሊ.ጳጳሳት እዮም” ር.ሊ.ጳ.ፍራንቸስኮስ ነዚ ቃለ እዚ ዘስመሩሉ ኣብታ ዛዕባ እቶም ኣብ ርሑቕ ዓመታት ቅድሜኦም ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝነበሩ ካብ 1903 – 1914 ዓ.ም. ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ዝመርሑ ብኣባ ሉቾ ቦኖራ “ክቡር ኣፍልጦ ንፒዮስ ታሽዓይ፥ እዋናውነት ተክለ ስብእናኦም” ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዝደረሰዎ መጽሓፍ ኣብ ዝደረስዎ መቕድም ክኸውን እንከሎ፡ ኣባ ቦኖራ ካህን ናይቲ ፒዮስ ዓስራይ ዝተወለድሉ ሰበኻ ቫረዘ ክኾኑ እንከለዉ ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ በዓል መዚ እዮም።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ቅዱስ ፒዮስ ዓስራይ ንዝሳቐዩ ሰባት ቀረባ ዝነበረ ር.ሊ.ጳ. እዩ
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ቅዱስ ፒዮስ ዓስራይ ንዝሳቐዩ ሰባት ቀረባ ዝነበረ ር.ሊ.ጳ. እዩ

ቅዱስ ር.ሊ.ጳ. ፒዮስ ዓስራይን ቀዳማይ ውግእ ዓለምን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብታ ታሪኽ ፒዮስ 10 እተዘንተው መጽሓፍ ዝደረስዎ መቕድም፡ ፒዮስ ዓስራይ ዕለት 21 ነሓሰ ኣብ ቦኖስ ኣይረስ ምስ መምሃራን ትምህርተ ክርስቶስ ዘካየድዎ ርክብ ዘኪሮም፡ ኣብቲ ርክብ እውን “ምስቶም ንህጻናትን ዓበይትን ብዛዕባ ሓቅታት እምነት ንምምሃር ውፉያት ዝኾኑ ሰባት ምርኻብ ደስ ይብለኒ እንክብሉ ኣብ ዘስምዕዎ ቃለ ምዕዳን ዝስመሩሉ ሓሳብ ዘኪሮም፡ ፒዮስ ዓስራ ድማ ወትሩ ር.ሊ.ጳ. ትምህርተ ክርስቶስ ተባሂሎም እውን ከም ዝጽውዑ” ዝሓበሩ ቅዱስ ኣቦና፥ ወሲኾም ፒዮስ 10 “ለዋህ ግን ከኣ ሓያል ትሑትን ንጹርን” እዮም ዝነበሩ እንክብሉ ገሊጾም፥ ቅዱስ ፒዮስ 10 ነቲ ኣብ ሮማ ዝተመሰረተ ብኢየሱሳውያን ማሕበር ዝመሓደር ጳጳሳዊ ተቕዋም ስነ መጽሓፍ ቅዱስ ይኹንታ ዝሃቡሉን፣ እዚ ውሳነ እዚ ኣብ ኢየሱሳውያ ማሕበር ኣዚዮም ፍቱው ክኾኑ ከም ዝገበሮም ገሊጾም . . . ር.ሊ.ጳ. ፒዮስ ዓስራይ “ኣብ ምጅማር ቀዳማይ ውግእ ዓለም ዝነቡዑ” ከምኡውን “ሓያላት ሃገራት ካብ ኲናት ክቑጠቡን ዕጥቆም ክፈትሑን” ብዓውታ ከም እተማሕጸኑ ኣዘኻኺሮም፡ ር.ሊ.ጳጳስና ፒዮስ 10 “ኣብዚ ኣብ ዘሕዝን ህሞት ዝርከብ ዘመናዊ እዋን ክሳብ ክንደይ ቀረባ ከም ዝኾኑ ይስምዓኒ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ናብ ዝሳቐ ሰብኣውነት ዝቐረበ

ብጀካ እዚ፡ ብተደጋጋሚ ምስ “ንኣሽቱ፡ ምስ ድኻታት፡ ምስ ስኡናት፡ ግዳያት ርእደ መሬት፡ ምስ ጽጉማትን ንኹሎም ብናይ ተፈጥሮ ሓደጋታት ንዝሳቐዩን” ዝነበሮም ቅርበት ናይ ታሪኽ ማህደሮም ዝሕብሮ ምዃኑ ዝገለጹ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዝደረስዎ መቕድም ኣስዒቦም፥ ፒዩስ 10 “ከምቲ ር.ሊ.ጳ. ፒዮስ 10 ቅዱስ ር.ሊ.ጳ. ዮሓንስ መበል 23 ኣብ ጽድያ 1959 ዓ.ም. ኣብ ቬነዚያ ባዚሊካ ቅዱስ ማርቆስ ናይ ፒዮስ 10 ዓጽሚ ክኽበር ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር እንክብሉ ኣብ ዝኣወጅሉ ሊጡርጊያ፥ “ሓወልቲ ግብረ ኖልዎ” እንክብሉ ከም ዝገለጽዎም ብምዝኽካር፡ የኔታ ቦኖራ ንዓመታት ኣብ ህይወት ፒዮስ መበል 10 ዝገበሮ መጽናዕቲ፡ ተወፋይነቱን ኒሕን ኣብቲ ዝደረስዎ መጽሓፍ ዝስተውዓል እዩ እንክብሉ ድማ ኣመስጊኖም፥

ናይ ቅዱስ ፒዮስ 10 ሓድጊ “ንናይ ሎሚ ቤተ ክርስቲያን” ከምኡ’ውን “ንናይ ኩሉ ዘመናት ምስጢረ ጥምቀት ዝተቐበሉ፣ ንወንጌልን ንጓሶትን እሙናት ክኾኑ ዝደልዩ”  ሕድሪ ገሊጾም፥ “ቅዱስ ፒዮስ መበል 10 ህልውን፡ ኣብ ልቢ ናይ ሎሚ ቤተ ክርስቲያን ድማ ብዕምቆት ህያው እዮም!” እንክብሉ ዝደረስዎ መቕድም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

18 April 2024, 16:23