ድለ

2024.04.24 S.E. il SIgnor Alhaji Mahamudu Bawumia, Vice Presidente della Repubblica del Ghana 2024.04.24 S.E. il SIgnor Alhaji Mahamudu Bawumia, Vice Presidente della Repubblica del Ghana  (Vatican Media)

ር. ሊ. ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ምክትል ፕረዚደንት ጋና ተራኺቦም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንምክትል ርእሰ ብሔር ሃገረ ጋና ዶ/ር ማሃሙዱ ባውሚያ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቀቐቢሎ ኣዛራሪቦም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ሎሚ ቅድሚ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ምክያዶም፣ ንምክትል ርእሰ ብሔር ሃገረ ጋና ዶ/ር ማሃሙዱ ባውሚያ ኣብቲ ጐድኒ ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ዝርከብ ንእሽቶይ ጽርሓ ጉባኤ ተቐቢሎም ከም ዘዘራረብዎ ካብ ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር ዝመጸ መግለጺ ኣፍሊጡ።

ዶ/ር ባውሚያ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ድሕሪ ምርኻቡ፣ ምስቶም ናይ ቅድስቲ መነብር ጸሓፊ ናይ ወጻኢ ርክባትን ኣህጉራዊ ውድባትን ዝዀነ ብፁዕ ሊቀ - ጳጳሳት ፖል ሪቻርድ ጋለገር ውን ተራኺቡ ።

ብመሰረት እቲ ካብ ቤትጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ዝወጸ መግለጺ፣ እቲ ኣብ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር እተገብረ ኣኼባ "ጽቡቕን" ከምኡውን "ኣብ መንጎ ቅድስቲ መንበርን ሃገረ ጋናን ዘሎ ዝምድና" ዘጕልሕ ኢዩ ዝነበረ።

ብፍላይ ኣብ ገሊኡ መዳያት ፖለቲካውን ማሕበራውን ቍጠባውን ኵነታት፣ ብዝበለጸ ድማ ኣብ ዓውዲ ትምህርትን ክንክን ጥዕናን ኣብ ዘሎ ምትሕብባር ከም ዘተኰረ እቲ መግለጺ የመላኽት።

ወሲኹ ድማ ኣብቲ ዝርርብ ብዛዕባ እቲ ኣብዚ እዋን እዚ ዘሎ ኣህጉራዊ ጕዳያት ብፍላይ ከኣ ብዛዕባ እቲ ንምዕራብ ኣፍሪቃን ወሽመጥ ጊኒን ዘጋጥሞም ዘሎ ናይ ድሕንነት ጸገማትን ናይ ኣተሓሳስባ ለውጥታትን ውን ዘጠቃለለ ኢዩ ዝነበረ።

24 April 2024, 18:26