ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ 'ካብ መወዳእታ ዘይብሉ ውግእ ዘተ ንሰላም ይበልጽ' ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ 'ካብ መወዳእታ ዘይብሉ ውግእ ዘተ ንሰላም ይበልጽ' 

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ 'ካብ መወዳእታ ዘይብሉ ውግእ ዘተ ንሰላም ይበልጽ'

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ሲቢኤስ እተሰምየ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ መደብር ራዲዮ - ተለቪዥን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፡ ኣብ ዩክሬን፡ ቓዛን ኣብ መላእ ዓለምን ዝካየድ ዘሎ ውግኣት ደው ክብል ጻውዒት ከም ዘቕረቡን፥ ሓደ ናይ ሰበኻ ካህን ተቐባሊ ክኸውን እንተደኣ ዘይከኣለ ካልእ ቦታ ክጥምት ከም ዝኽእል ኣመለኺቶም፥ “ኩሉ ግዜ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ንኹሉ ቦታ ኣሎ” ዝብል ሓሳብ ብኣጽንዖት የዘኻኽሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብፍላይ ኣብ ዩክሬን፣ ኣብ ቓዛን ካልኦት ንዓለምና ዘዕኑው ዘሎ ኩናት ብምጥቃስ " በጃኹም ኣብ ውግእ ዘለዋ ሃገራት ኩለን... ኩናት ደው የብላ። ንዘተ ይጠምታ፥ ሰላም ንድለይ። ዘተ ሰላም እዩ።" ካብ መወዳእታ ዘይብሉ ውግእ ይሓይሽ" ዝበሉ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣስዒቦም ኣብቲ ዕለት 24 ሚያዝያ ድሕሪ ቐትሪ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብዝ ርከብ መቐበል ኣጋይሽ ሓደ ሰዓት ኣብ ዝወሰደ ገለ ካብቲ ብኖራ ኦዶነል ዋና ኣሰናዳኢ "ሲቢኤስ ናይ ምሸት ኣገልግሎት ዜና”  ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ኩሉ ሰላም ክደሊ ጻውዒት ከም ዘቕረቡን ናይቲ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ምሉእ ትሕዝቶ ብምስማዐ ርእየት ኣገባብ ዕለት 19 ግንቦት ኣብ ዋዜማ እቲ ካብ ዕለት 25 - 26 ግንቦት ኣብ ሮማ ዝካየድ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ህጻናት ክመሓላለፍ ምዃኑ ኣቐዲምና ንሕብር።

ንኹለን ኣብ ውግእ ዘለዋ ሃገራት ነቲ ግጭታት ደው ከብላ ዝዓደሙ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ኣብ ቓዛ ተኹሲ ደው ክብል "ብዙሕ እጽሊ" ቢሎም፥ ምሸት ምሸት ሰዓት 7፡00 ድሕሪ ቀትሪ ናብታ ኣብ ውሽመጥ ቓዛ እትርከብ ካቶሊካዊት ሰበኻ ስልኪ ብምድዋል ሓበሬታ ዛዕባ ህልው ኩነታት እቲ ከባቢ ከም ዝሓቱ እውን ሓቢሮም፡ “ኣብኡ ኣስታት 600 ሰባት ከም ዘለዉን እንታይ ይኸውን ከምዘሎ ድማ ይሕብሩኒ። ብጣዕሚ ከቢድ ኩነታት እዩ ዘሎ። ኣዚዩ ከቢድ! ሰብኣዊ ሓገዝ ዝበጽሖም እኳ እንተኾነ፡ ነቲ ዝዕደል ሓገዝ ንምርካብ እውን ይቃለሱ። ኣዝዩ ከቢድ ኩነት እዩ ዘሎ” ይብሉ።

ቅዱስነቶም ብዛዕባ ሳዕቤን ወራር ሩስያ ኣብ ዩክሬን ምስ ተሓተቱ፥ "እቲ ኩናት ካብ ወጅሂ ህጻናት ፍሽኽታ ዘጥፈአ። ፍሽኽ ምባል ዘረሰዖም ኮይኑ ኣሎ። እዚ ድማ ሓደ ቆልዓ ፍሽኽ ናይ ምባል ባህርኡ ክርስዕ እንከሎ ኣዝዩ ከቢድ እዩ። ኣርዚንካ ክርአ ዘለዎ ጉዳይ እዩ" ከም ዝበሉን ቅድስ ኣቦና ኣብቲ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ብዛዕባ ምዝባዕ ከባቢ ኣየር እውን ተዛሪቦም እዮም፣ ካልእ ዝጠቐስዎ ጉዳይ ብዛዕባ ዓለማ ለኸ መዓልቲ ህጻናት ኮይኑ። ብዛዕባ እዚ ብዝምልከት "ቈልዑ ወትሩ መልእኽቲ እዮም፡ ንኹሉ ዘቕርብዎ መልኽቶ ዘለዎም እዮም። ትሑት ልቢ ክህልወና ዘዘኻኽር መልኽትን ትሑት ልቢ ክህልወና ዝገብርን ምዃኑ ገሊጾም ከምኡ እውን ብዛዕባ ጥዕናኦም ዝምልከት ንዝቐረበሎም ሕቶ ፍሽኽ እናበሉ "ደሓን እየ" እንክብሉ ይገልጹ።

ኣብ ቤተ - ክርስትያን ንዘለዉ ኵሎም ሰባት ቦታ ኸም ዘሎ ኽገልጹ እንከለዉ ድማ - "ኵሉ ግዜን ወትሩን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ንኹሉ ቦታ ኣሎ ኽብል እኽእል። ኣብ ሓደ ቁምስና ዘገልግል ኻህን ሓንጐፋይ ኢሉ ዘይቅበል እንተ መሲሉኒ ክርድኦ ይኽእል እዩ፣ ግናኸ ኪድ እሞ ረኣይ ኵሉ ሳዕ ንኹሉ ቦታ ኣሎ። ኣብ ቤተ-ክርስትያን ኩሉ ግዜ ቦታ ዘይብልካ ምዃን ኣይከኣልን። ቤተ-ክርስትያን ኣዝያ ዓባይ ኢያ። ቤተ መቕደስ ላብ ምዃን ንላዕሊ እያ። ... ካብኣ ክትሃድም ኣይከኣልን” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

25 April 2024, 16:15