ድለ

ር. ሊ. ጳ.፦ ምግታእ-ርእሲ ንሓጐስና ኣይሰርቆን እዩ፣ ኣብ ክንዳኡስ ብሓጐስ እዩ ዚመልኣና

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ብዛዕባ እቲ ራብዐይትን ናይ መወዳእታን መንፈሳዊ ሓይሊ ብዛዕባ ምግታእ ርእሲ ኣተኲሮም ኣስተምሃሩ ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ሰሙናዊ ናይ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ነቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴትሮስ ዝተረኽቡ ነጋድያንን በጻሕትን፦

ንርእስና ንክንመልኮን ንሚዛን ስምዒታትና ንኽንሕሉ ዘሎና ኽእለት ናብ ናይ ሓቂ ሓጐስ ኪመርሓና ይኽእል እዩ ። እንክብሉ ኣስተምህሮ ኣቕረቡሎም።

ኣብዛ ሰሙን እዚኣ ውን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ብዛዕባ መንፈሳውያን ሓይላትን ኣመላውያን ሓጢኣትን ዝገልጽ ተኸታታሊ ኣስተምህሮቶም ብምቕጻል ትምህርተ ክርስቶስ ለጊሶም ። ኣቐዲሞም ንገለ ኣዋርሕ ብዛዕባ ትምህተ ኣመላውያን ሓጢኣት ከስተምህሩ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ቀጺሎም ድማ ናብ መንፈሳውያን ሓይላት ውን ብምስጋር ብዛዕባ ኣእምሮን ትዕግስትን ፍትሕን ጽንዓትን ድሕሪ ኣስተምሂሮም ንሎሚ ብዛዕባ ምግታእ ርእሲ ሰፊሕ ኣስተንትኖ ኣቕሪቦም ።

ምስ ምቾትን ተድላን ዘሎና ርክብ ሚዛኑ ዝሓለወ ይገብሮ

መዝገበ ሃይማኖት ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስቲያንነቲ ንመንፈሳዊ ሓይሊ ምግታእ ርእሲ "ነቲ ምቾትን ተድላን ዘቅርበልና ስሕበት ዘመዓራትን ብዛዕባ ኣጠቓቕማ ቁሳዊ ነገራት ሚዛኑ ዝሓለወ ስነ-ምግባራዊ ውርዝና ከም ዝህልወና ዝገብር ኢዩ፣" ብምባል ይገልጹ።

ኣብ ርእሲ እዚውን መዝገበ ሃይማኖት ከም ዝገለጾ፣ ምግታእ ርእሲ "ንፍቓድ ኣብ ልዕሊ ባህረት ከም ዝገዝእ የረጋግጸልና፣ ንባህግታትና ድማ ካብቲ ክቡር ዝኾነ ደረት ከይሓለፈ ከም ዝቕጽል ይገብሮ። " እዚ ድማ ሓደ ርእሱ ገቲኡ ዝኽእል ሰብ "ነቲ ተኣፋፊ ዝኾነ ሸውሃት ናብ ጽቡቕ ነገራት ዝመርሖን፣ ጥዑይ ጥንቃቐ ዝገብርን፣ ነቲ ጥቓቅን ዝኾነ ባህግታት ዘይስዕብን ኮይኑ፣ የግዳስ ንሸውሃቱ ቀይዲ ክገብረሉ ዝኽእል ሰብ ኢዩ።"

እዚ መንፈሳዊ ሓይሊ እዚ ምስቲ ኻልእ ሰለስተ መለኮታውያን ሓይላት ብምስምማዕ  ካብ ጥንቲ ዝዝውተር ዝነበረን ናይ ክርስትና ጥራይ ዘይኰነ ኣምር ኢዩ።

ኣብ ልዕሊ ገዛእ ርእስኻ ስልጣን ምህላው

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ፍላስፋ ኣሪስቶትል ብዛዕባ ኢንክራቲያ  ዝገበሮ ኣስተንትኖ ይጠቕሱ፣ እዛ ኢንክራቲያ እትብል ናይ ግሪኽ ቃል "ኣብ ልዕሊ ገዛእ ርእስኻ ስልጣን ምህላው" ማለት ኢያ እተስምዕ፣ ከመይ እዚ ዓቢይ ፈላስፋ ብዛዕባ ሓጐስ ከስተንትን እንከሎ ብዛዕባ እዛ መንፈሳዊት ሓይሊ ብዙሕ መጽናዕቲ ኣካዪዱ ኢዩ ።

ር. ሊ. ጳ. ኣብ ናይ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህቶ ትምህርተ ክርስቶስ
ር. ሊ. ጳ. ኣብ ናይ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህቶ ትምህርተ ክርስቶስ

ቅዱስ ኣቦና ከም ዘዘኻኸርዎ ድማ ድሕሪ ግዜ እዚ ምግታእ ርእሲ "ገዛእ ርእስኻ መሊኽካ ምኽኣልን፣ ብዓለወይና ዝኾነ ፍትወት ንኸይትስኣር እትገብሮ ጥበብን ከምኡውን ከምቲ ማንዞኒ 'ሕምብርቲ ልቢ ሰብ' ክብል ዝሰምዮ ዓቐን ናይ ምቛም ክእለት" ጌርካ ይርአ ነበረ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ ምግታእ ርእሲ ቅኑዕ ዝኾነ መዓቀኒ ምህላው ማለት ኢዩ ።

ኣብ መንጐ ሰምዒታት ቅኑዕ ፍርዲ ምህላው

 

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ኣስተምህሮኦም ርእሱ ዝገትእ ሰብ ወትሩ ብጥንቃቐ ስጕምቲ ኸም ዚወስድ ገለጹ ።

ቅዱስነቶም ከምዚ በሉ - "እቲ ተድላን ምቾትን ንምርካብ ዘሎና ናጻ ድራኸታትን ጠቕላላ ፍቓድን ኣብ መወዳእታኡ ኣብ ልዕሌና ጽልዋ ስለ ዘሕድር ናብ ምስልካይ ገጹ ኢዩ ዝወስደና። ንኵሉ ነገር ኪፍትኑ ዚደልዩ ኽንደይ ሰባት እዮም? ነቲ ንዅሉ ነገራት ዝነበሮም ፍቕሪ ውን ዜጥፍኡ ክንደይ ኢዮም?"

ስለዚ ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ኩሉ ግዜ ብመጠን ኽንሕጐስን ክነብርን ከም ዘሎና ገለጹ ።

“ንኣብነት ጽቡቕ ወይኒ ንምስጥምቓር ብሒደት መጠን ምጥዓሙ ይሓይሽ፣ እምበር ንዅሉ ብሓንሳብ ምውሓጡ መቐረት ኣይህበካን ኢዩ" በሉ።

ቅኑዕ መለክዒ ምፍላጥ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ከም ዝገለጽዎ እቲ ርእሱ ዝገትእ ሰብ ንቓላት ብኸመይ ከም ዚመዝኖምን ብኸመይ ብግቡእ ከም ዝጥቀመሎምን ይፈልጥ እዩ ።

ምግታእ ርእሲ "ኣብ እዋን ቍጥዓ ነቲ ድሕሪ ግዜ ብጸገም ጥራይ ዳግም ክህነጽ ዝኽእል ርክባትን ዕርክነትን ከበላሽዎ ኣይፈቅድን ኢዩ። ብፍላይ ኣብ ስድራቤታዊ ሕይወት ገዛእ ርእስኻ ምግታእን ናጻ ኾይንካ ውስኔታት ምውሳድ ኣብ ዘይከአለሉ እዋናት ንቍጥዓ ንምቁጽጻር ኣጋጣሚ ይኸፍተልና ኢዩ።"

ቅዱስነቶም ከም ዘስተንተንዎ ምግታእ ርእሲ ነቲ ዘይስነ-ምግባራዊ ዝኾነ ተግባራቶም ብኸመይ ከም ዚቈጻጸርዎ እናፈለጡ ዚዛረቡሉን ስቕ ዚብሉሉን ግዜ ኸም ዚፈልጡ ኢዩ ዝገብሮም በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሓድሓደ ግዜ ቝጥዓ ኣድላዪ ምዃኑ እኳ እንተ ኣመልከቱ "እዚ ማለት ግን ወትሩ ብሰላምን ብናይ ፍሽኽታ ገጽን ንረኽቦ ኢና ማለት ግን ኣይኰነን" በሉ።

ሓድሓደ ግዜ መግናሕቲ ኻብ መሪርን ሕሱምን ስቕታ ንላዕሊ ጥዑይ ምዃኑ ኣመልከቱ። "ልኡም ሰብ ንኻልእ ሰብ ካብ ምእራም ንላዕሊ ዘሸግሮ ነገር ከም የብሉ፣ እንተዀነ ግን "ንእከይ ናጻ ግዝኣት ዘይምሃብን" ንምክልኻሉን ኣድላዪ ምዃኑ እውን ይፈልጥ ኢዩ።

ሕሉፍ ኣተሓሕዛ ጽንፈይናነት

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከምዚ በሉ - "ኣብ ገሊኡ ኣጋጣሚታት እቲ ሚዛኑ ዝሓለወ ሰብ ሕሉፍ ኣተሓሳስባ ኣብ ምሓዝ ይዕወት ኢዩ፣ ፍጹም ስርዓታት የረጋግጽ፣ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘይኣቱ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ውን ይምስክር፣ እንተዀነ ግን ንሰባት ብኸመይ ከም ዝርድኦምን ከም ዝድንግጸሎምን እውን ይፈልጥ ኢዩ።"

ቅዱስ ኣቦና ከም ዝገለጽዎ ተውህቦ ርእሱ ዝገትእ ሰብ "ሚዛናዊ " ምዃን ኢዩ፣ እዚ ከምዚ ዝመሰለ ሰብ ድማ ይብሉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ክቡርን ሳሕቲ ዝርከብን ሰብ ኢዩ ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም "ኣብ ዓለም ዘሎ ዅሉ ኻብ መጠን ንላዕሊ ምስ ዝሓልፍ" ርእስኻ ምግታእ  ግን "ምስ ከም እኒ ምስትውዓል፣ ትሕትና፣ መጠንካ ምፍላጥ፣ ይኣኽለኒ ምባል፣ ሕያውነት፣ ሚዛናዊ ምዃን ዝኣመሰሉ ወንጌላዊ ክብርታት ዚርከብ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ኣጸቢቑ ዝወሃሃድ እዩ" በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ እዚ ባህሪ እዚ ንሓደ ሰብ "ጸዋግን ዘይሕጐስን" ዝገብሮ ዘይኮነስ የግዳስ "ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ" ሓደ ሰብ ንናብራ ህይወቱ ብዝሓሸ መገዲ ኸም ዘስተማቕሮ" ኢዩ ዝገብሮ እክብሉ ኣስተምህሮኦም ዛዘሙ።

ር. ሊ. ጳ. አብ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሓፈሻዊ አስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ
ር. ሊ. ጳ. አብ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሓፈሻዊ አስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ
17 April 2024, 17:24