ድለ

US-ISRRAEL-PALESTINIAN-CONFLICT-PROTEST US-ISRRAEL-PALESTINIAN-CONFLICT-PROTEST  (AFP or licensors)

ር. ሊ. ጳ. ኣብ ፍልስጥኤምን እስራኤልን ሰላም ምእንቲ ክሰፍንን ጸልዮም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቲ ውግእ ዜምጽኦ ኣዕናዊ ሳዕቤናት ብምጕላሕን፣ ንከም ዩክረይንን ፍልስጥኤምን እስራኤልን ምያንማርን ዝኣመሰላ ብውግእ ዝዓንዋ ዘለዋ ሃገራት ጸሎት ክግበር ብምምጻን፣ ናይ ሰላም ዘተታትን ውሳነታትን ዕርቅን ክግበር ብምትብባዕን ዓለምለኻዊ ሰላም ኪህሉ ጻውዒት ኣቕረቡ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ሰላም ክግበር ዝቐረበ ምሕጽንታ - ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ፣ ነቲ ኣብ መላእ ዓለም ዘሎ ደጋጊሞም  ሰሙናዊ ሰላም ክሰፍን ዘቕርብዎ ዘለዉ ምሕጽንታታት ሎሚ ውን ዳግም ኣቕረብዎ። ሎሚ ረቡዕ ዕለት 24 ሚያዝያ ኣብ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ዘቕረቡሎም ምህጽንታ ውን ካብቲ ዝቐደመ ዝፈለ ኣይነበረን።

"ውግእ ወትሩ ስዕረት ኢዩ!" ብምባል ቅዱስነቶም ዘለዎም ተዘክሮ ገለጹ። እቶም ካብዚ ዘሕዝን ፍጻመታት እዚ መኽሰብ ዝረኽቡ ዘለዉ ኣፍረይቲ ኣጽዋር ምዃኖም ድማ ደጊሞም ኣጕልሑ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም በጃኹም "ምእንቲ ሰላም ንጸሊ" ክብሉ ምሕጽንታ ኣቕሪቦም። ኣብቲ ዘቕረብዎ ምሕጽንታ ምእንቲ እታ "ኣዝያ እተሳቐ ዘላ ዩክረይን" ከምኡውን "እታ መንእሰያት ወተሃደራት ዝሞቱላ" ዘለዉ ሃገር ከም ምዃና ጸሎትን ምህለላን ክግበር ጻውዒት ኣቕሪቦም።

ብተመሳሳሊ መንገዲ ድማ ምእንቲ ማእከላይ ምብራቕን፣ ብፍላይ ከኣ ምእንቲ እቲ ኣብ ቃዛ ዘሎ "ኣዝዩ ኣሰቃቒ ዝኾነ ኩነታ" ብፍሉይ ጸሎት ክግበር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ተማሕጺኖም።

ኣብ መወዳእታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መንጎ ፍልስጥኤምን እስራኤልን ሰላም ክሰፍን ጸልዮም፣ በዚ ኸምዚ ድማ ናጻን ጽቡቕ ርክብ ዘለወን ክልተ መንግስትታት ኪዀና ውን ዘለዎም ምንዮም ገሊጾም ።

"ሰላም ክሰፍን በጃኹም ንጸሊ" ቢሎም ድማ መደረኦም ዛዘሙ ።

24 April 2024, 18:31