ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቓዛ ተኹሲ ደው ክብል ጻውዒት ኣቕሪቦም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቓዛ ተኹሲ ደው ክብል ጻውዒት ኣቕሪቦም  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቓዛ ተኹሲ ደው ክብል ጻውዒት ኣቕሪቦም

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ዕለት 3 ሚያዝያ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ድሕሪ ዝለገስዎ ረቡዓዊ ኣስተምህሮ ትምህረ ክርስቶስ፡ ህልው ኩነታት ማእከላይ ምብራቕ ዘኪሮም ኣብ ቓዛ ተኹሲ ደው ክብል ደጊሞም ብርቱዕ ጻውዒት ከም ዘቕረቡን ብፍላይ ድማ ምእንቲ እቲ "ብብርቱዕ ዝሳቐ ዘሎ ሰላማዊ ህዝቢ" እቲ ኩናት ደው ንምባል ዘይሕለል ጻዕሪ ክግበር ጻውዒት የቕርቡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ተኹሲ ደው ክብል ዘቕረብዎ ጻውዒት ደጊሞም ማሕበረሰብ ዓለም ነቲ ሞትን ዕንወትን ዝኾነ ተግባር ክቋረጽ ኣበሪቲዑ ክዓዪ ዓዲሞም፡ እቲ ኣብ ቅድስቲ መሬት ዝካየድ ዘሎ ኲናት ከስተንትኑ እከለዉ፡ ነቲ ካብ ማእከላይ ምብራቕ ዝመጽእ ዘሎ ዘሕዝን ሓበሬታ ክሳብ ክንደይ ሓዘን ከም ዝፈጥረሎም ድማ ገሊጾም፥ "ኣብ ውሽመጥ ቓዛ ብቕልጡፍ ተኹሲ ደው ክብል ጽኑዕ ሕቶይ ደጊመ አቕርብ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካ የመላኽት።

ቀጺሎም እውን ኣብ ቓዛ ኣብ ምዕዳል ሰብኣዊ ሓገዝ ተዋፊሮም እንከለዉ ዝተቐትሉ ወለንተይናታት "ዓሚቝን ብርቱዕን ሓዘን" ከምዝፈጠረሎም ገሊጾም፡ ነቶም ዝተቐትሉ ወለንተይናታት ግብረ ሰናይን ስድራ ቤቶምን ድማ ጸሎቶምን ቅርበቶም ኣረጋጊጾም።

ኣብ ድኻምን ስቓይን ዝርከብ ሰላማዊ ህዝቢ

ኣስዒቦም "ነቶም ዝደኸሙን ዝሳቐዩን ሰላማውያን ሰባት እናሓሰቡ፥

"ነቶም ዝደኸሙን ዝሳቐዩን ሰላማውያን ሰባት ናይ ግብረ - ሰናይ ረድኤት ክረኽቡ ከምኡውን እቶም ጅሆ ዝተታሃዙ ሰባት ብቕልጡፍ ክፍትሑ ዘቕረብክዎ ጻውዒት አሐድስ።"

ቢሎም "ኣብቲ ዞባ ዘሎ ግጭት ንምዕባይ ዝግበር ዝኾነ ይኹን ዘይሓላፍነታዊ ፈተነታት ንእለዮ" እንክብሉ ወሲኾም፡ "እዝን ካልኦት ኣብ ብዙሕ ክፋላት ዓለም ሞትን ስቓይን ዘምጽኡ ዘለዉ ውግኣት ደው ንምባል ከይተሓለልና ክንሰርሕ" ጻውዒት ኣቕሪቦም፥ ምእመናን ኣብቲ ምእንቲ ሰላም ዘቕርብዎ ጸሎት ክሓብሩ ዓዲሞም፥ “ኣጽዋር ውግእ ክዕበስን ሰላም ክምለስን ከይተሓለልና ሓደራ ንስራሕ” ቢሎም፥  

 ነቲ ኣብ በዓለ ፋሲካ ሰንበት ፍርቂ መዓልቲ ካብ ሰገነት ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ንሮማ መላእ ዓለም ክባርኹ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ዘቕረብዎ ጻውዒት ቶኽሲ ደው ምባል ደጊሞም ብውዕዉዕ ስምዒት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

03 April 2024, 17:45