ድለ

2024.04.18 Superiore e Delegate delle Carmelitane Scalze 2024.04.18 Superiore e Delegate delle Carmelitane Scalze  (Vatican Media)

ር. ሊ. ጳ. ንኣሓት ደናግል ዘቀርመሌዎስ 'ብፍቕሪ ኣምላኽ ክሰምራ' ተማሕጸንወን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንኣሓት ደናፍል እራቀ እግር ዘደብረ ቀርሜሌዎስ ብሓጐስን ብፍቕርን ምእንቲ ኽምላኣ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ቅድሚ ህላዌ ጐይታ ክጥሕላን ጻውዒት ኣቕረቡለን።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነተን ትማሊ ሓሙስ ዕለት 18 ሚያዝያ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዝተረኽባ ላዕለዎት ኣሕሉቕን ተወከልትን ኣሓት ደናግል እራቀ እግር ዘደብረ ቀርመሊዎስ ተቐቢሎም ኣብ ዝለገሱለን ቃለ ማዕዳን "ህይወት ኣስተንትኖን ተመስጦን ብባህሪኡ መገዲ ፍቕሪ እዩ" ክብሉ መዓድወን።

ቅዱስ ኣቦና ከም ዝገለጽዎ ኣገልግሎት "ናብ ኣምላኽ ዜልዕለና መሳልል" ኰይኑ፤ ኣስተንትኖ ድማ ካብ ዓለም ምፍላይ ዘይኰነስ እኳ ደአ ኣዕሚቝና ኣባኡ ከም እንኣቱ ዝገብረና ኢዩ በልወን ።

ንጸዋዕታ ጐይታ ምቕባል

ቅዱስነቶም ነቲ ንስርዓት ማሕበረን ንምሕዳስን ምትዕርራይን ዝገብርኦ ዝለዋ ጻዕሪ ኣብ ግምት ብምእታው "ዓብዪ ግዴታ ኢዩ" ብምባል ኣፍልጦ ሃቡሉ ። "ንባህርያዊ ድሌት ደቅሰብን ሃንደበታዊ ናብራ ማሕበረሰብን" ምላሽ ዝህብ ጥራይ ዘይኰነስ፣ ንጸሎትን ኣስተንትኖን ገዛእ ርእሰን ንምውፋይ እውን "ጽቡእ ኣጋጣሚ" ምዃኑ ገለጹለን።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዕብ ኣቢሎም "ንዕዮ መንፈስ ቅዱስ ብውሽጠን ክፉታት ብምዃን፣ ነቲ ጐይታ ንኽትቅበላኦ ዝጸውዓክን ናይ ኣስተንትኖ ህይወት ዝያዳ ሓይሊ ንምሃብ ብሓድሽ ቋንቋ፣ ብሓድሽ መገድታት ከምኡውን ብሓደስቲ መጋበሪታት ክትቅበላኦ ብድሆ ይዀነክን ኣሎ" በልወን።

በዚ ኸምዚ ቅዱስ ኣቦና ኣብ መደረኦም በቲ ውህበታት ናይ ማሕበረን ዘደብረ ቀርሜሎስ ኣቢለን "ንኽብሪ ኣምላኽን ንሰናይ ቤተ-ክርስትያንን ኣልባብ ብዙሓት ክማርኻ" ከም ዝኽእላ ኣመልከቱለን ።

ር.ሊ.ጳ. ምስ ኣሓት ደናግል እራቀ እግር ዘደብረ ቀልሜሎስ
ር.ሊ.ጳ. ምስ ኣሓት ደናግል እራቀ እግር ዘደብረ ቀልሜሎስ

ከምቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ታሪኸንን ሕሉፍ ጉዕዞ ህይወተንን ከም "ምንጪ ብልጽግና" ቢሎም ድሕሪ ምጥቓስ፣ ነተን ኣሓት ደናግል እውን "ንድራኸታት መንፈስ ክፉት ኰይነን ክቕጽላን፣ ነቲ ወትሩ ሓድሽ ኾይኑ ዝቐጽል ዘሎ ወንጌል ቅሩባት ክኾናን" ከምኡውን "ነቲ ጐይታ ኣብ ተመክሮ ህይወትን ኣብ ታሪኽ ብዘጋጥመና ብድሆታትን ዘርኣየና ምልክታት ተቐቢለን ክኽእላ" ኣተባብዕወን።

ብፍቕሪ ክርስቶስ ክምሰጣ

ቅዱስ ኣቦና ከም ዘመልከትዎ ከም ዕጽዋት ኣዴታት መጠን ኣብ መንጎ ካብ ዓለም ምፍልላይን ኣብኡ ምጥሓልን እተወሰነ "ውጥረት" ከም ዘሎ ገለጹለን፣ እዚ ድማ እቲ ንሰን ዝነብራኦ ዘለዋ ክውንነት "ካብ ውሳጣዊ መንፈሳዊ ምጽንናዕ ወይ ከአ ካብ ክውንነት ካብ ዝተፈልየ ጸሎት  ዝረሓቐ" ከም ምዃኑ ኣነጸሩለን።

እኳ ደአ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ በዚ ስለ እተደነቑ እዘን ኣሓት ዘደብረ ቀርሜሎስ "ብፍቕሪ ክርስቶስን ምስኡ ብዘለወን ሕብረትን ተወሃሂደን፣ ፍቕሩ ንብምሉኡ ህይወተን ምእንቲ ከማርኻ ኣብ ኵሉ እቲ ዝብልኦን ዝገብርኦን ነገራት ናይ ፍቕሩ መግለጺ ምእንቲ ክኾና" ኣተባብዕወን።

ወንጌል ዝርከብ ተስፋ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መግለጺኦም ሥርዓት ገዳማዊ ህይወተን ንምሕዳስን ንሓያሎ ጭቡጥ ጸገማተን ንምፍታሕ ዘድልየን ብርሃን እቲ "ካብ ወንጌል ዝርከብ ተስፋ ካብ ምዃን ሓሊፉ ኻልእ ከም ዘይኰነ" ገለጹ፣ እዚ ኸኣ ካብቲ ኣብ ቀመር ደቂሰባት እተመርኰሰ ሕልምታት እተፈልየ እዩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም ከምዚ በሉ - "እዚ ኸኣ ነቲ ንሱ ብዛዕባ መጻኢ ንኸነስተውዕል ዝህበና ምልክታት ምንባብ ማለት ርእስና ንኣምላኽ ኣሕሊፍና ምሃብ ዘጠቓልል ኢዩ።"

ቅዱስ ኣቦና ስለዚ "ኣብ ቅድሚ ህላዌ ኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ብምጥሓልክን ወትሩ ብሓጐስን በረኸትን ሕድሕዳዊ ፍቕርን ይምላእክን" ክብሉ መረቐወን።

ኣብ መወዳእታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነተን ኣሓት ደናግል ተስፋአንን ትውክልተንን ኣብ ኣምላኽ  ብምግባር ንቕድሚት ክጥምታ ብምትብባዕ መደረኦም ዛዘሙ ።

ር.ሊ.ጳ. ምስ ኣሓት ደናግል እራቀ እግር ዘደብረ ቀርሜሎስ
ር.ሊ.ጳ. ምስ ኣሓት ደናግል እራቀ እግር ዘደብረ ቀርሜሎስ
19 April 2024, 17:29