ድለ

2024.04.20 ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ናይ ስነ ታሪኽ ሊቃውንትን ክኢላታትን ኣገልገልቲ ሰብኣውነት ክኾኑ ይላበዉ 2024.04.20 ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ናይ ስነ ታሪኽ ሊቃውንትን ክኢላታትን ኣገልገልቲ ሰብኣውነት ክኾኑ ይላበዉ  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ናይ ስነ ታሪኽ ሊቃውንትን ክኢላታትን ኣገልገልቲ ሰብኣውነት ክኾኑ ይላበዉ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንኣባላት ጳጳሳዊ ሽማግለ ማሕበራዊ ስነ-ፍልጠት ኣብ መበል 70 ዓመት ምምስራት እቲ ጳጳሳዊ ሽማግለ ማሕበራዊ ስነ ፍልጠት ዕለት 20 ሚያዝያ ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ተቐቢሎም ቃለ ምዕዳን ከም ዝለገሱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 20 ሚያዝያ ንኣባላት ጳጳሳዊ ሽማግለ ማሕበራዊ ስነ ፍልጠት ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፥ ቅድሚኦም ዝነበሩ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ ብምጥቃስ፥ "ጸሓፍቲ ታሪኽ ኣብቲ ኣብ መንጎ ቤተ-ክርስትያንን ዘመናዊት ዓለምን ዝግበር ዘተ ፍልዩ ኣበርክቶ ዝገብሩ እያቶም” ቢሎም፥ እቲ ጳጳሳው ሽማግለ "ኣህጉራዊ ስፍሓትን እተፈላለየ ባህሊ ዘለዎ ምንቅስቓስን" ከም ዝኾነን ከምኡውን "ብዓለምለኻዊ ደረጃ ታሪኻዊ ሓቂ ንምርካብ ዝገብሮ ቘራጽነት" ኣጕሊሖም፥ እቲ ሽማግለ ዝጥቀመሉ "ምዕቡል" መቓርብ ስነ ፍልጠት ነቲ ቀጻሊ ዝዀነ ዓለምለኻዊ ግጭት ኣብ ግምት ብምእታው ዘለዎ ኣገዳስነት ገሊጾም፥ "ናይ ስነ መላዊ ክሌኣዊ ርክብ ባህሊ" ኣብ ምሕባር ኣበርክቶ ኽገብር ከም ዝኽእል ኣስተብሂሎም ንኣባላት እቲ ሽማግለ ድማ "ንናይ ወንጌል ተስፋ ብርሃን ብምቕራብ ናይ ዘተ ኣድማስ ንምርሃው" ዝኽእሉ ክኾኑ ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ናይ ርክብ ስልጣነ ምህናጽ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ መንጎ ጸሓፍቲ ታሪኽን ቤተ ክርስቲያንን ዘሎ “ቅርበት” ኣጉሊሖም፣ እዚ ድማ ኣብ ሓባራዊ ምድላይ ሓቅን ኣገልግሎት ንሓቅን ዝተመስረተ ቅርበት ምዃኑ ኣመላኺቶም፡ ንጳውሎስ ሻድሻይ ደጊሞም ብምጥቃስ “ቤተ ክርስቲያን ኣብ ታሪኽ ትመላለስ፣ ምስ ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዕድመ ምስ ዘለዉ፣ ናይ ዝኾነ ባህሊ እውን ኣይኮነትን፣ እንታይ ደኣ ልቢ ነፍሲ ወከፍ ባህሊ ብለዋህን ተባዕን ምስክርነት . . .  ወንጌል፡ ነቲ ናይ ርክብ ስልጣነ ብሓባር እትሃንጽ እያ” ቢሎም፥ እዚ ኣተሓሳስባ እዚ ነቲ ብነብሰ - ውከሳን ስነ ህልዩን ዝምገብ “ውግእ ሓድሕድ” ዝጻረር እዩ። ኣብ ገዛእ ርእሳ ዝተዓጽፈት ቤተ ክርስቲያን ካብ ምዃን ንጠንቀቕ ቢሎም፣ ተልእኾ ቤተ ክርስቲያን “ኣብ መንጎ መለኮታዊ መድሕንን ሰብኣውነትን ናይ ብሓቂ ትሑትን ብሉጽን መንጎይና” ዝብል ምዃኑ ኣዘኻኺሮም። ለምዘበን መበል 70 ዓመት ምስረታ እቲ ጳጳሳዊ ሽማግለ ዝጽምበል ምዃኑ ዘኪሮም፡ ንኹሎም ነቶም ጳጳሳዊ ሽማግለ ማሕበራዊ ስነ ፍልጠት ኣባላት፥ “ዕትዮታቶም ምስዚ ቃላት እዚ ከሰማምዑ” ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ ኣብ ታሪኽ ዝገበርዎ መጽናዕቲ ከም ቤተ ክርስቲያን “ክኢላታት ሰብኣውነትን ኣገልገልቲ ሰብኣውነትን ክገብሮም ከም ዝኽእል ተስፋኦም ገሊጾም ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

20 April 2024, 17:19