ድለ

Objects are seen in the sky above Jerusalem after Iran launched drones and missiles towards Israel, in Jerusalem Objects are seen in the sky above Jerusalem after Iran launched drones and missiles towards Israel, in Jerusalem 

ር. ሊ. ጳ. ንሰላም ማእከላይ ምብራቕ ዘተ ንምክያድ ዝከኣል ዅሉ ኽግበር ጻውዒት ኣቕሪቦም

ድሕሪ ናይ ዕለተ ሰንበት ጸሎት ንግስተ ሰማይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝርአ ዘሎ ዓመጻ ደው ንምባል ከምኡ ውን ኵለን ሃገራት ነቶም ኣብ ቃዛ ዝሳቐዩ ንምሕጋዝን ንሰላም ዝግበር ውዕላት ንምድጋፍን ክጽዕሩ ልባዊ ምሕጽንታ ኣቕሪቦም ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ድሕሪ ናይ ሰንበት ጸሎት ንግስተ ሰማይ ነቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝቕጽል ዘሎን፣ ነቲ ዞባ ናብ ዝሰፍሐ ውግእ ከእትዎ ዝኽእል ዝዀነ ይኹን ተግባር ደው ከብልዎ ኣባታዊ ምሕጽንታ ኣቕሪቦም ። ቅዱስነትም ድሕርቲ ኣብ ኩነታት እስራኤልን ፍልስጤምን ኢራን ጣልቃ ድሕሪ ምእታዋ፣ ብዛዕባ እቲ ኣብ እስራኤል እናገደደ ዚኸይድ ዘሎ ዅነታት ዚገልጽ ዜና "ጸሎትን ሻቕሎትን ከም ዘለዎምን፣ ሕሉፍ ሓሊፉ እውን ብጓሂ" ይስዕብዎ ከም ዘለዉ ገሊጾም። ዋላ ሓደ ሰብ ንህላወ ኻልኦት ኣብ ሓደጋ ኼእትዎ ኸም ዘይብሉን፣ ኣብ ክንዳኡስ ኵለን ሃገራት ንእስራኤላውያንን ንፍልስጤማውያንን ብሓባር ዝነብሩ ክልተ መንግስትታት ንክኾኑ ብምሕጋዝ "ወገን ሰላም" ክኾኑ ከም ዘለዎም ኣጕልሑ። ወሲኾም ድማ "ዓሚቝን ሕጋውን ትምኒቶም እዩ ፣ መሰሎም ከኣ እዩ! ክልቲኣቶም ድማ ጐረባብቲ ሃገራት ኢዮም።" ክብሉ ኣመልከቱ።

ሰብኣዊ ናይ ግብረ - ሰናይ ህጹጽ ኵነታት

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ኣብ ቃዛ ዝቕጽል ዘሎ ውግእ ደው ንምባልን ንመገዲ ዘተን ውዕላትን "ብቘራጽነት" ንምስዓብን ንዘቕረብዎ ምሕጽንታ ዳግም ኣሐደስዎ። ስቓይ ናይቶም ኣብ ቃዛ ዝነበሩ ዘለዉ ተቐማጦ ብምዝካር ከአ "ኣብ ሰብኣዊ ቅልውላውን ዕንወት ወዲቖም ኣለዉ " ብምባል ነዚ ስቓዮም ንምቅላል ዝከል ዅሉ ኽገብር ጻውዒት ኣቕረቡ ። "እቶም ቅድሚ ኣዋርሕ እተጨውዩ ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ ክፍትሑ" ውን ጸሎት ኣዕረጉ ።

"ብዙሕ መከራ ኢዩ ዘሎ! በጃኹም ሰላም ክርከብ ንጸሊ ። ውግእ መጥቃዕቲ ዓመጻ ይኣክል! እወ ንዘተ እወ ንሰላም ንበል!"

ሓገዝ ነቶም ኣብ ዞባታት ውግእ ዘለዉ ህጻናት

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምእንቲ እቶም ኣብ መላእ ዓለም ብሰንኪ እቲ ኣብ ምድርና ዝቕጽል ዘሎ ብዙሕ ውግኣት ዝሳቐዩ ዘለዉ ህጻናት፣ ብፍላይ ከኣ ኣብ ዩክረይን፡ ፍልስጥኤም፡ እስራኤልን ምያንማርን ዘለዉ ብምጥቃስ ጸሎት ኣዕረጉ ። ኵሉ ሰብ ምእንታኦምን ምእንቲ ሰላም ዓለምን ክጽሊ ውን ጻውዒት ኣቕረቡ ።

ቅዱስነቶም ብዛዕባ እቲ ቘልዑን ህጻናትን ብሰንኪ ውግእ ዝወርዶም ዘሎ ከቢድ ጾር እንክምስክሩ ካብ 25-26 ግንቦት ቤተ-ክርስትያን ናይ መጀመርታ መዓልቲ ቘልዑን ህጻናትን ዓለም ከትኽብር ምዃና ኣዘኻኸሩ። ነቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝተረኽቡ ህጻናትን ነቶም ኣብ መላእ ዓለም  ዝከታተልዎም ዘለዉን ሰላምታ ድሕሪ ምቕራብ፣ ስለቲ ነዛ መዓልቲ እዚኣ ንምድንፋዕ ንዝተገብረ ጻዕሪ ኩሉ ኣመስገንዎም ከምኡ ውን ኣብቲ ነዛ ዕለት ዝግበር ምድላዋትን ናብቲ ኣጋጣሚ ኣብ ዝገብርዎ ጕዕዞን  ብጸሎቶም ከም ዘሰንይዎም ድማ ኣረጋገጸሎም። ይጽበይዎም ከም ዘለዉ ውን ገለጹሎም፣ ከምኡ ውን ሰላም ዘለዋ ዝሓሸት ዓለም ንምርካብ ዘለዎም ሓጐስን ባህግን ንኼካፍልዎም ከም ዘተባብዖም ውን ገለጹሎም።

15 April 2024, 13:17