ድለ

2024.04.25 S.E. il Signor Tamas Sulyok, Presidente della Repubblica di Ungheria 2024.04.25 S.E. il Signor Tamas Sulyok, Presidente della Repubblica di Ungheria  (Vatican Media)

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንርእሰ ብሔር ሃገረ ሃንጋሪ ተቐቢሎም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንርእሰ ብሔር ሃገረ ሃንጋሪ ታማያስ ሱልዮክ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ብብሕቲ ተቐቢሎም ኣዘራረብዎ ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ትማሊ ሓሙስ ዕለት 25 ሚያዝያ ንርእሰ ብሔር ሪፓብሊካዊት ሃገረ ሃንጋሪ  ታማስ ሱልዮክ ኣብ ሓዋርያዊ ህንጻ ሃገረ ቫቲካን ተቐቢሎም ።

ብመሰረት እቲ ካብ ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተም ቅድስቲ መንበረ ዝወጸ መግለጺ ርእሰ ብሔር ሱልዮክ ኣስዒቦም ውን ምስ ጸሓፊ ጉዳያ ናይ ወጻኢ ርክባትን ናይ ኣህጉራዊ ውድባትን ቅድስቲ መንበር ብፁዕ ሊቀ-ጳጳሳት ፖል ሪቻርድ ጋለገርን ምስ ምስ ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መነብረ ብፁዕ ካርዲናል ፔትሮ ፓሮሊን ተራኺቡ።

ኣብቲ ኣብ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር እተኻየደ ርክቦም ኣብ መንጎ ቅድስቲ መነብርን ሃገረ ሃንጋሪን ጽቡቕን ድልዱልን ርክብ ዘማዕብልን ካቶሊካዊት ቤተ - ክርስትያን ኣብ ህንጸት ማሕበረሰብ ሃንጋሪ ዝገበረቶ ቘራጽነት ድማ ብሞሳ እተገልጸሉ ኣጋጣሚ ኢዩ ዝነበረ።

እቲ ካብ ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር ዝወጸ መግለጺ ከም ዘመልከቶ፣ ኣብቲ ግዜ እቲ ንስድራ ቤታትን መንእሰያትን ከምኡ ውን ነቶም ኣብ ዓለም ዘለዉ ብቐሊሉ ዝጥቅዑ ክርስትያን ኣሕዋትን ኣሓትን ኣቓልቦ ብምግባር ገለ ሓባራዊ ጕዳያት ኣብ ግምት ከም ዝኣትዉ ሓቢሩ ።

ድሕርዚ ብዛዕባ እቲ ኣብ ዩክረይን ዝቕጽል ዘሎ ውግእ ብፍላይ ከኣ ብዛዕባ ዘስዓቦ ሰብኣዊ ቅልውላውን ሰላም ንምድንፋዕ ዝግበር ዘሎ ጻዕርታትን ውን ተጠቒሶም ከም ዝዘተዩ ዜና ቫቲካን የመላኽት ።

26 April 2024, 17:58