ድለ

ር. ሊ. ጳ. ፦ ኢየሱስ እቲ ሕያዋይ ጓሳ ኣእዳዉ ዘርጊሑ ይጽበየና ኣሎ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍንቸስኮ ኣብ ናይ ዕለተ ሰንበት ጸሎት ንግሥተ ሰማይ በዓለ ሰንበት ሕያዋይ ጓሳ ኣብ ዝኸብረሉ ዕለት፣ ኢየሱስ ህይወቱ ኣብ ክንዳና ብምሃብ ብደረት ዘይብሉ ፍቕሪ ከም ዘፍቅረና ኣስተምሃሩ ። ምስ ጐይታ ኽንራኸብን 'እተን ፈቃራት ኣእዳው ሕያዋይ ጓሳና ሓንጐፋይ ቢለን ክቕበላናን ከተንስኣናን' ድማ ጸልዮም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካምን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ንጸሎት ንግሥተ ሰማይ ዝተረኽቡ ነጋድያንን በጻሕትን ልክዕ ፍርቂ መዓልቲ ምስ ኮነ ቅድሚ ጸሎት ንግሥተ ሰማይ ኣብ ዝለገስዎ ኣስተትንትኖ ቃል ኣምላኽ፣ ራብዐይቲ ሰንበት ናይ ዘመነ ትንሣኤ ንሕያዋይ ጓሳ እተወፈየት ከም ምዃና ብምዝካር፣ እንካብ ናይ ዕለቱ ንባብ ወንጌል ብምውሳድ ዓሚቑ ኣስተንትኖ ገበሩ።

ቅዱስነቶም ኣብ ኣስተንትኖኦም ከም ዝገልጽዎ፣ ጐይታ ሰለስተ ሳዕ "እቲ ሕያዋይ ጓሳ ህይወቱ ኣብ ክንዲ ኣባጊዑ ኣሕሊፉ ይህብ" እንክብል ብምድግጋሙ፣ ንነፍሲ ወከፍና ብዘይ ገደብ ከም ዘፍቅረናን ህይወቱ ኣብ ክንዳና መስዋእቲ ኸም ዝገበረን ኣጕልሑ ኣርኣየና ክብሉ ኣስተምሃሩ።

ኣብ ዘመን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝነበሩ ጓሶት ነተን ኣባጊዖም ኣብ መዓልቲ ንገለ ሰዓታት ጥራይ ዘይኰነስ ምሉእ መዓልትን ለይትን ኪከናኸን ግዜኦም ምስአን ከም ዘሕልፍዎ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ገለጹ ። እቲ ሕያዋይ ጓሳ ድማ ንነፍሲ ወከፍ ኣባጊዑ ይፈልጠንን ይከናኸነንን፣ እንተ ጠፊአን ይደልየን፣ ንድሕንነተንን ድማ የውሕስለን፣ ንዘድልየን ኩሉ ብምምላእ ድማ ክሕግዘን ኢዩ ዝነብር ።

ኢየሱስ ንህይወት እቲ መጓሰኡ ይካፈሎ ጥራይ ዘይኮነስ፣ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ብስሙ ይፈልጦ፣ ካባኡ ምስ እንርሕቕ ድማ ክሳዕ ዚረኽበና ይደልየና፣ ስለዚ ድማ ንሱ "ህይወቱ ኣብ ክንዳና መስዋእቲ ዝገበረን ብትንሳኤኡ መንፈሱ ዝሃበናን ሕያዋይ ጓሳና" እዩ በሉ ቅዱስነቶም።

ደረት ዘይብሉ ፍቕሪ

እዚ ምሳሌ ሕያዋይ ጓሳ ልዕሊ ዅሉ ጐይታ ብኸመይ መራሒና ርእሲ እተን መጓሰ ምዃኑ ጥራይ ዘይኾነስ ኣብ ክንድኡስ "ንነፍሲ ወከፍና ኸም ገዛእ ህይወቱ ገይሩ ኸም  ፍቕረናን ዝርእየናን" ኢዩ ዘጕልሕ፣ ከመይሲ ጐይታ ንነፍሲ ወከፍና "ኣገዳስን መተካእታ ብዘይብሉን ከም ዋጋ ህይወቱ" ገይሩ እዩ ዚርእየና። ኣስዒቦም ቅዱስ ኣቦና ከምዚ በሉ - "እዚ ግን ናይ ኣበሃህላ መልክዕ ጥራይ ኣይኰነን ጐይታ ብሓቂ ህይወቱ ኣብ ክንዳና ኣሕሊፉ ብምሃብ ሞይቱን ምእንታና ውን ተንሲኡ ኢዩ፣ ከመይሲ የፍቅረና ኢዩ፣ መብዛሕትኡ ግዜ ኣነ ንገዛእ ርእሰይ ዘይርእዮ ጽባቐ ንሱ ግን ኣባይ ይረኣዮ ኢዩ።"

ክግመት ዘይከኣል ዋጋ

ብዙሓት ሰባት ንገዛእ ርእሶም ኣብቲ ዝጨበጥዎ ዓወታት፣ ዓለም ብኸመይ ከም እትርእዮም፣ ወይ ኣብ ፍርዲ ኻልኦት ተመርኲሶም ከም ዘይብቝዓትን ወይ ጊጉያትን ገይሮም ንገዛእ ርእሶም ከም ዝርእይዋ ቅዱስ ኣቦና ገለጹ ። እንተዀነ ግን ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ቅድሚኡ ብዙሕ ዋጋ ኸም ዘሎናን ወትሩ ኣኽቢሩ ኸም ዝርእየናን ኣጕልሑ። ስለዚ ብሓቂ ንገዛእ ርእስና ንኽንረክባን፣ ሓጐስ ንኽንረክብን ኣብ ቅድሚ ህላዌ ጐይታ ንኽንርከብ ክንጽዕር ኣሎና፣ እዚ ድማ "ንገዛዕ ርእስና በቲ ፈቃር ሕቝፊ እቲ ሕያዋይ ጓሳና ክንሟሙቕን ልዕል ክንብልን ከነፍቅደሉ ኣሎና።"

ምስጢር ህይወት እንደገና ምምርማር

ድሕርዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንህይወትና ኽንምርምርን ነቲ ዋጋን ትርጕምን ዝህበና ደረት ኣልቦ ዝኾነ ፍቕሪ ጐይታ ብሓቂ  ንቕበሎን እንተ ደአ ዄንና ኽንምርምርን ሓሳባት ኣቕረቡ ። እዚ ኸኣ ብጸሎት ብውዳሰ ኣብ ፍቕራዊ ህላወ ጐይታ ንምርካብን ኣብኡ ንምንባርን ብምጽዓር ክግበር ከም ዝከአል ተላበዉ። ኣብ ህይወትና ኸምዚ ኽንገብር እንተ ደአ ተረኺባና ንምስጢር ህይወትና ከም ብሓድሽ ክንርድኦ ክንክእል ኢና፣ ኣብ መደምደምታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት - "ንዓኻትኩምን ምእንታኹምን ህይወቱ ኣብ ክንዳኹም ኣሕሊፉ ከም ዝሃበ ክትዝክሩ ኣሎኩም ። እዚ ኸኣ ንነፍሲ ወከፍና ኣገዳሲ እዩ"

"ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣዴና ነቲ ንሕይወት ኣገዳሲ ዝኾነ ነገረ ኣብ ኢየሱስ ንኽንረክቦ ትሓግዘና።" ክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ።

መዓልቲ ጸሎት ምእንቲ ጸዋዕታ

ካብ ጸሎት ንግሥተ ሰማይ ኣስዒቦም ርሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ሎሚ ነቲ "ዘርኢ ተስፋ ኽንዘርእን ሰላም ክንሃንጽን ተጸዊዕና ኢና” ኣብ ዝብል ቁዉም ሓሳብ ተዘኪሩ ዝውዕል ዘሎ ዓለም ለኻዊ መዓልቲ ጸሎት ንጸዋዕታ ንዝክር ከም ዘሎና ኣዘኻኸሩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እዚ ትማሊ ተዘኪሩ ዝወዓለ ዕለት ብኸመይ "ቤተ-ክርስትያን ከም ሓንቲ ኣብ ኣገልግሎት ተልእኾ ወንጌል ብናይ ውህደት ጸዋዕታታን ስምረት ተውህቦታት እተጸምደት ማሕበር ጌርና ከም እንርድኣ ጽቡቕ ኣጋጣሚ" ኸም ዝፈጠረልና ኣዘኻኸሩ ።

ድሕርዚ ቅዱስ ኣቦና ነቶም ዝሓለፈ ቀዳም ድሕሪ ቐትሪ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዝዓረገ መሥዋዕተ ቅዳሴ መዓርገ ክህነት እተቐበሉ ሓደስቲ ካህናት ሰበኻ ሮማ ሰላምታን ሰናይ ምንዮቶምን ድሕሪ ምግላጽ ኵሎም ምእመናን ምእንታኦም ክጽልዩ ድማ ተማሕጸንዎም።

22 April 2024, 18:23