ድለ

ር. ሊ. ጳ.፦ እምነትና ምክፋል ክሳዕ ክንደይ ሠናይ ከም ዝኾነ!

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብዛ ሳልሰይቲ ሰንበት በዓለ ትንሣኤ ኣብ ጸሎት ንግሥተ ሰማይ፣ ምእመናን ነቲ ምስ ጐይታ ዝገበርዎ ብሕታዊ ርክብ ክዝክሩን፣ ንእምነት ምምስካርን ምክፋልን ክሳዕ ክንደይ ሠናይ ምዃኑ ክሓስቡን ጻውዒት ኣቕረቡሎም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ጸሎት ንግሥተ ሰማይ ናይ ሳልሰይቲ ሰንበት በዓል ትንሳኤ ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ቃል ኣምላኽ፣ ምስ ጐይታ ምርኻብ ኽሳዕ ክንደይ ሠናይን ባህ ዜብልን ምዃኑን፣ ከማኡ ምስ ገበርና ኸኣ ነዚ ሓጐስ እዚ ምስ ካልኦት ክንካፈሎ ኣሎና ክብሉ ኣስተምሃሩ ።

ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ዘቕረብዎ ኣስተንትኖ ብመሰረት እቲ ናይ ዕለቱ ንባብ ቅዱስ ወንጌል እንካብ ውንጌል ሉቃስ ኣብ ዝተወስደ ንባብ ኢዮም ዘተኰሩ ።

እቲ ዘስተንተኑሉ ንባብ ድማ ሓዋርያት ኣብቲ ላዕለዋይ ክፋል ተኣኪቦም ከለዉ፣ ብፍላይ ከኣ እቶም ክልተ ደቀ መዛሙርቲ ናብ ኤማሁስ ክምለሱ እንከለዉ ምስ ኢየሱስ ከም እተራኸቡ ተሊሶም ከም ዝመስከሩሎም ዝገልጽ ክፍሊ ወንጌል ኢዩ ዝነበረ።

ቅዱስነቶም ኣስዕብ ኣቢሎም እዚ ህሞት እዚ ንህይወቶም ብኸመይ ከም ዝቐየሮን ምስ ኢየሱስ ምርኻብ ንኹሉ ኣማኒ ብኸመይ ከም ዘሓድሶን ኣስተምሃሩ።

ክንምስክሮ ዘሎና ኣዝዩ ሠናይ ዝኾነ ነገር

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዘነጸርዎ ምስ ጐይታ ምርኻብና ክሳብ ክንደይ ህይወት ዝቕይር ምዃኑን፣ ከምኡ ውን "ካብ ኵሉ ንላዕሊ ሰናይ ዝኾነ ነገር ምዃኑን" ወላ እኳ እንተገለጹ፣ ብዛዕባኡ ንምዝራብ ንምምስካርን ግን ብዙሕ ቃልሲ ከም ዘለዎ ኣጕልሑ።

"ነፍሲ ወከፍና ብዛዕባ እዚ ብዙሕ ክንዛረብ ንኽእል ኢና፣ እንተኾነ ግን ንኻልኦት ኣስተምህሮ ብምሃብ ዘይኰነስ ነቲ ንጐይታ ህያውን ቀረባናን ምዃኑ ዝረኣናሉን፣ ኣብ ልብና ሓጐስ ዝመልኣሉን ወይ ንብዓትና ዝደረዘሉን ከምኡ ውን እምነትን ምጽንናዕን ፡ብርታዐን ውዕዉዕ ስምዒትን፡ ወይ ይቕረታን ለውሃትን፡ ሰላምን ዝረኸብናሉ ፍሉይ ኣጋጣሚታት ብምክፋል ማለት ኢዩ ። "

ቅዱስ ኣቦና ኣስዒቦም ነዚ ኣብ ስድራቤትናን ንማሕበረሰብናን ከምኡውን ንፈተውትና ምክፋል ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣስተምሃሩ ።

ዝሓለፍናዮ ስጉምትታት ምዝካር

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስተንትኖኦም እንክቕጽሉ፣ ኣብቲ ናብ ቅድሚ ኣምላኽ ክንቀርብ እንከሎና ኣብ ዝገበርኖዮም ስጉምትታት እተሰምዓና ሓሳባትን ስምዒታትን ከምኡውን ብዛዕባ እቲ ንኽንርድኦን ኣብ መገዲ እምነትና ንኽንዓብን እንገብሮ ጻዕርን ድኻምን ክሳዕ ክንደይ ጽቡቕ ከም ዝዀነ ወትሩ ንሕሰቦን ንዘክሮን በሉ።

"ከምዚ እንተ ደአ ጌርና ኢየሱስ ከምቲ ኣብ ለይቲ ፋስካ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ዝገበሮ ከገርመናን፣ ምሳኡ ንምርኻብና ድማ ንከባቢናን ንህይወትናን ከኣ ዝያዳ ባህ ዜብል ኪገብሮ እዩ" በሉ።

ቅዱስነትም "ኵሉ ሰብ ምስ ጐይታ ዝተራኸበሉ እዋን ኣለዎ፣" ብምባል ይምስክሩ፣ ስለዚ ኵሉ ሰብ ብዛዕባ እዚ ርክብ እዚ ክሓስብ ከም ዘለዎ ድማ ጻውዒት ኣቕረቡ ።

'ጐይታ መዓስ እዩ ናባይ ዝቐረበ'

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም "ንጐይታ መዓስ እየ ዝረኸብክዎ? ጐይታ መዓስ እዩ ዝቐረበኒ?"

ነዚ ምስ ጐይታ እተራኸበሉ ኣጋጣሚ እንተ ደአ ኣስተውኢልናሉ ኮይና ይብሉ ቅዱስነቶም፣ ኣስዕብ ኣቢሎም ኸምዚ ክብሉ ይሓቱ - "ስለቲ ዘደንቕ ተመክሮ ዝረኸብናዮ ንኻልኦት ብምምስካር ንጐይታ ኽብሪ ሂብናዮ ዶ?

ብተመሳሳሊ መንገዲ ካልኦት ውን ብዛዕባ እቲ ምስ ክርስቶስ ዝተራኸቡሉ ኩነትን እዋንን ክምስክሩልና እንኸለዉ ጽን ኢልና ሰሚዕናዮም ዶ? ክብሉ ንምእመናን ሕቶ ኣቕረቡሎም ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ መደምደምታ ማሕበረሰብና ምስ ጐይታ ብዝያዳ እንራኸበሉ ባይታ ክኸውን ቅድስቲ ድንግል ማርያም ንእምነትና ከነካፍል ክትሕዘና ብምጽላይ ኣስተንትኖኦም ዛዘሙ።

15 April 2024, 13:14