ድለ

ር. ሊ. ጳ.፦ ዘለኣለማዊ ህይወት ምእንቲ ክትወርስ ብእምነትን ተስፋን ፍቕርን ንበር

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፣ እምነትን ተስፋን ፍቕርን ንክርስቶስ ንኽንስዕቦ ኸም ዝሕግዘናን፣ ብሓባር ናብ ቅድስና ንኽንጐዓዝ ከም ዝድግፈናን፣ ከምኡ ውን ኣብ ዝወደቕናሉ ግዜ ከም ዘተንስኣናን ብምግላጽ ካብቶም ከስተምህርዎም ዝጸንሑ ብዛዕባ መንፈሳውያን ሓይላት ብምስጋር፣ ኣብዛ ሰሙን እዚኣ ውን ብዛዕባ እቶም መለኮታውያን ሓይላት ኣስተምሃሩ ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፣ ነቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝተረኽቡ ነገድያንን በጻሕትን፣ ብዛዕባ መንፈሳውያን ሓይላት  ከስተምህሩ ድሕሪ ምጽናሕ ናብ መለኮታውያን ሓይላት ሓሊፎም ብዛዕባ እምነትን ተስፋን ፍቕርን ትምህርተ ክርስቶስ ለጊሶም ።

ቅዱስነቶም ኣብ ኣስተምህሮኦም ኣምላኽ ንመለኮታውያን ሓይላት ብመንፈስ ቅዱስ ኣቢሉ ብምዕዳል  ብኣኣቶም ኣቢልና ናይ ዘለኣለም ህይወት ንኽንወርስ የሰናድወና በሉ።

ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዛዕባ መንፈሳውያን ሓይላትን ኣመላውያን ሓጢኣትን ከስተምህሩ ኢዮም ጸኒሖም። ኣቐዲሞም ብዛዕባ ኣመላውያን ሓጢኣት ድሕሪ ምስትምሃር ኣስዒቦም ድማ ብዛዕባ መንፈሳውያን ሓይላት ትዕግስትን ልቦናን ጽንዓትን ፍትሕን ኣስተምሃሩ።

ህይወትና ንዅሉ ስነ-ምግባራዊ ባይርያት ነወፊ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ፣ መዝገበ ሃይማኖት ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ነቶም መለኮታውያን ሓይላት ከም "መሰረት ናይ ክርስትናን ስነ-ምግባራዊ ተግባራትን" ኢዩ ዝገልጾም፣ እዚ ድማ "ንክርስቲያናዊ ህይወት ህያው ዝገብሮን፡ ፍሉይ መንፈሳዊ ባህርያት ዘልብሶምን ኢዩ" ከምኡውን "ንዅሉ ስነ-ምግባራዊ ባህርያትና ፍልጠትን ህይወት ኢዩ ዝህቦ" ይብሉ።

ኣስዕብ ቢሎም ውን ቅዱስ ኣቦና "ኣምላኽ ኣብ ነፍሳት እቶም ምእመናን ከም ደቁ መጠን ኪመላለሱን ዘለኣለማዊ ህይወት ክወርሱን ዘኽእሎም ኢዩ" በሉ ፣ ከመይሲ መለኮታውያን ሓይላት ንህላዌ መንፈስ ቅዱስ ዝገልጹን ኣብ ባህርያትና ተግባራቶም ዘንጸባርቑን ኢዮም ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነዞም መንፈሳውያን ሓይላት እዚኣቶም ብምድናቕ "ጀጋኑ" ዝኾኑ ሰብኡትን ኣንስትን ክፈጥሩ ከም ዝኽእሉ ገይሮም ገለጽዎም። ቅዱስነቶም ከም ዘጠንቐቕዎ ሓድሓደ ግዜ ነዞም መንፈሳውያን ሓይላት ነጺልካ ንበይኖም ምልምማዶም ዝነኣድ እኳ እንተ ኾነ፣ ግን ከኣ ግላውነትን ተነጽሎን ከኸትል ከም ዝኽእል ኣመልከቱ።

እቲ "ዓብዪ ውህበት" ናይ መለኮታውያን ሓይላት ግና "ኣብ መንፈስ ቅዱስ ዝንበር ህላወ" ከም ዘጥርየልና ኣስተምሃሩ።

በይንኻ ዘይምዃን

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ኣስተምህሮኦም ነቲ ካብዞ መንፈሳውያን ሓይላት እንወርሶ ኣድላዪን ምስ ማሕበረሰብ እተተሓሓዘን ስፍሓት ክርስትና ብምጕላሕ "ክርስትያን በይኑ ኣይኰነን" ድማ በሉ።

ክርስትያን ምእመናን ሰናይ ዝኾነ ተግባራት ዝገብሩ 'በቲ ዘለዎም ጽኑዕ ዝኾነ ተጸምዶን ጻዕርን ጥራይ ኣይኮኑን፣ እኳ ዳኣ ከም ትሑታት ወደቀ መዛሙርቲ መጠን ደድሕሪ ጐይታና ኢየሱስ ዝስዕቡ ብምዃኖም ' ኢዩ ክብሉ ገለጹ።

ስለዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ እቶም መለኮታውያን ሓይላት ዝበሃሉ "ነቲ ኣነ ርእሰይ ዝኸኣልኩ ኢየ ንዝብል ሕማም ጽቡቕ ፈውሲ ኢዮም" እንብሉ ኣመልከቱ።

"ክነደይ ሰባት ኢዮም ብስነ-ምግባርዊ ህይወቶም ምንም ኣበር ዘይብሎም ሰብኡትን ኣንስትን፡ ኣብ ቅድሚ እቶም ዚፈልጥዎም ሰባት ግን ታዕናናትን  ዕቡያትን ኮይኖም ዝረኣዩ?" እንክብሉ ዘለዎም ጓሂ ገለጹ።

ዕላማታት የገድሱ ኢዮም!

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዘስተምሃርዎ ቅዱስ ወንጌል በቲ "ብርቱዕ መርዚ" ዝኾነ ትዕቢት ከይንምራሕ የጠንቅቐና ኢዩ፣ እዚ ድማ "ሓንቲ ነጥቢ እውን ትኹን" ብምባል “ንኹሉ እቲ ሰናይ ዝኾነ ህይወትና ከም ዘበላሽዎ!” ኣጠንቀቑ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም "ሓደ ሰብ ብዙሕ ክንዲ እምባ ዝኸውን ሰናይ ግብሪ ገይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ፣ " ኸምኡውን "ክብርን ውዳሰን ረኺቡ ክኸውን ይኽእል እዩ፣" ይኹን እምበር " እዚ ዅሉ ዝገበረ ገዛእ ርእሱ ክብ ንምባል ጥራይ እንተ ደአ ዀይኑ ግና፣" ንገዛእ ርእሱ ሰናይ ሰብ ወይ ሕያዋይ ሰብ ኢሉ ክጽውዕ ኣይክእልን ኢዩ ክብሉ ኣጽኒዖም ኣጠንቀቑ።

ኣብ ዝወደቕናሉ እዋን የተንስኣና

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "ንዅሉ እዚ ሓድሓደ ግዜ ዘሻቕለና ዅነታት ንምእራም፣ እዞም መለኮታዉያን ሓይላት ብዙሕ ኢዮም ዝሕግዘና" ብምባል ገለጹ፣ ብፍላይ ከኣ "ኣብ እንወድቀሉ እንደኽመሉን" እዋናት እንትንስኣሎም ሓይሊ ኢዮም ዝኾኑና።

እምበርከስ ይብሉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ "ንመንፈስ ቅዱስ ልብና እንተ ደኣ ኸፊትናሉ ነቶም ኣባና ዘለዉ መለኮታውያን ሓይላት የሐድሶም እዩ" ብምባል ኣተባብዑ።

"እምነትና እንተ ኣጥፊእና ኣምላኽ ናብ እምነት ከም ብሓድሽ የቕርበና፣ ተስፋ እንተ ቘሪጽና ኣምላኽ ኣባና ተስፋ ከም ዝዝራእ ኢዩ ዚገብረልና፣ "ልብና ተሪሩ እንተ ደኣ ደሪቑና ከኣ ኣምላኽ ብፍቕሩ የለስልሰልና" ክብሉ ኣስተምህሮኦም ዛዘሙ።

24 April 2024, 18:28