ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ጻድቃንን ቅኑዓትን ሕይወትን ክብርን ክረኽቡ እዮም!

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ዕለት 3 ሚያዝያ ኣብ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ብዛዕባ መንፈሳዊ ሓይላትን ኣመላውያን ሓጢኣትን ርእሰ ጉዳይ ዘበገስዎ ተኸታታሊ ኣስተምህሮ ብምቕጻል፣ ኣብ መንፈሳን ሓይላት ብምትኳር ድሕሪ ዘቕረብዎ ቀዳማይ ኣስተምህሮ ሎሚ፥ ሓደ ካብቲ መንፈሳዊ ሓይላት ዝኾነ ፍትሒ ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ የማእክሉ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም "ብዘይ ፍትሒ ሰላም የለን" እንክብሉ ኣብቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ መንፈሳውያን ነጋዶ ኣብ ዝተረኽብሉ ኣብ ዝለገስዎ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ገሊጾም፥ ቅድም ኣቢሎም ር.ሊ.ጳ. ድሕሪ እቲ ንኣዋርሕ ኣብ ኣመላውያን ሓጢኣት ኣተኩይሮም ዘቕረብዎ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ዛዕባ ክቡራት ዋጋታት ወይ ሰናይ ባህርያትን ናብ መንፈሳዊ ሓይላት ብምስግጋር ድሕሪ ትዕግስቲ ዝብል ኣርእስቲ ዕለት 3 ሚያዝያ ፍትሒ ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ የተኩሩ።

መዝገበ ሃይማኖት ትምህርተ ክርስቶስ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ፍቕዲ 1807 ነቲ ካልኣይ ካብቶም መፍነሳዊ ሓይላት ተባሂሎም ዝግለጹ ንፍትሒ፥ “ንእግዚኣብሔርን ንብጻይካን ዘዝግብኦም ንምሃብ ቀጻልን ጽኑዕን ዝኾነ ድላይ እተርየሉ ግብረ ገባዊ ሓይሊ ርትዒ (ፍትሒ) ይበሃል” እንክብል ከም ዝገልጾ ኣዘኻኺሮም፥ እቲ ጽቡቕ ባህሪ ብውልቂ ክዝውተር ዘለዎ ጥራይ ዘይኰነስ ልዕሊ ዅሉ ማሕበራዊ ሰብኣዊ ሓይሊ ምዃኑ ኣጕሊሖም፥ ከመይሲ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ብመሰረት ኑባሬኣዊ ክብሩ ክንክን ዝረኽበሉ ወይ ብኽብሪ ዝተሓዘሉ ማሕበረሰብ ንምፍጣር ዝቐንዐ እዩ። ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ቅዱስነቶም ፍትሒ መሰረት ሰላም ምዃኑ የረድኡ።

ፍትሒ ኣብ ሕብረተሰብ ንሰላማዊ ሓባራዊ ናብራ መሰረት እዩ

ፍትሒ ኣብ ሕብረተሰብ ንሰላማዊ ሓባራዊ ናብራ መሰረት ምዃኑ ደጊሞም ዘረጋገጹ ቅዱሰንቶም፥

"መሰላት ዘኽብር ሕጊ ዘይብላ ዓለም፡ ክትነብረላ ዘይከኣል ዓለም ምኾነት፤ ዱር ምመሰለት . . . ብዘይ ፍትሒ ሰላም የለን፡ "ፍትሒ ኣብ ዘይከበረሉ ድማ ግርጭታት ይፍጠሩ . . . ብዘይ ፍትሒ ሕጊ እቶም ሓያላት ኣብ ልዕሊ ድኹማት ሱር ይሰድድ” እንክብሉ የጠንቅቑ።

ፍትሒ መለለዪ መዓልታዊ ህይወት እዩ

ፍትሒ ብዓቢይን ንእሽቶን ደረጃ ተግባራዊ ዝኾነ ጽቡቕ ባህሪ ምዃኑ ኣጉሊሖም፡ "ንቤት ፍርዲ ጥራይ ዘይኮነስ ንመዓልታዊ ህይወትና ዝገልጽ ስነ-ምግባር" ዝጥምት እውን ምዃኑ ኣነጺሮም፡ ፍትሒ ምስ ካልኦት ቅንዕና ዘለዎ ዝምድና ዝፈጥር ምዃኑን፡ "ጻድቕ ሰብ ቅኑዕን ገርሀይናን ጽኑዕን እዩ" ከምኡ'ውን፥ ጉልቡብ ወጅሂ ዘይብሉ እዩ . . . መንነቱ ብጋህዲ ዘቕርብ ሓቂ ዝዛረብን እዩ” ኢሎም፡ ሓደ ጻድቕ ሰብ ብብቕዓቱ ዘይኮነስ ኣምላኽ ቀዲሙ ብዘይ ቅድመ ኩነት ከም ዘፍቅሮ ዘስተውዕልን ብመንፈስ "ዕዳ" ተደሪኹ ድማ ንጐረባብቱ ፍቕሪ ዘርእይ ምዃኑ ይሕብሩ።

ጻድቕ ሰብ

ር.ሊ.ጳ. ቀጺሎም ሓያሎ ባህርያት ናይቶም ጻድቃን እክሕብሩ እንከለዉ፥ "ጻድቕ ሰብ፡ ነቶም መከላኸሊ ዘይብሎም ካብ ምልኪ ሓያላት ዝከላኸል ምዃኑ ፈሊጡ ንሕግታት የኽብርን ይሕልውን . . . ከምኡ'ውን ብዛዕባ ናይ ገዛእ ርእሱ ውልቃዊ ጽቡቕ ሂወት ጥራይ ኣይሓስብን፡ ብሓፈሻ ንናይ ሕብረተሰብ ሰናይ ይምነ።"

እቲ ቅኑዕ ሰብ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ጥራይ ክሓስብን ንጉዳያቱ ክከናኸንን ንዝመጽእ ፈተና ኢዱ ከምዘይህብ ኣዘኻኺሮም ፣ "ብዘየገድስ ሕጋውያን ይኹኑ፣ ኣብ ዓለም ንሱ ጥራይ ጻድቕ ከም ዘይኮነ እውን የስተውዕል።”

"ሰብኣዊ ሓይሊ ፍትሒ ብንጹር ይገልጽ - ነዚ ድሌት ድማ ኣብ ልቡ የቐምጦ - ካልእ እንተድኣ ጽቡቕ ዘየለ ገዛእ ርእሱ ብውልቁ ኣብ ጽቡቕ ከም ዘይህሉ ይፈልጥ።”

ናይ ገዛእ ርእሱ ኣካይዳ ይምርምር ስለዚ ድማ እንተተጋግዩ ይቕረታ ይሓትት። ኣብ ገለ ኩነታት ክሳብ ምእንቲ ካልኦት ክረብሑ - ምእንቲ ሓባራዊ ጥቕሚውልቃዊ ረብሓታቱ ይስውእ።"

ፍቱን ፈውሲ ንምግባረ ብልሽውና

ኣብ ርእሲ እዚ እውን ይብሉ ቅዱሰንቶም ፍትሓዊ ሰብ "ሓላፍነት ይፈቱ ንሕጋውነት ኣብ ምድንፋዕ ድማ ኣብነታዊ ኮይኑ ይርከብ! ፍትሒ ‘ፍቱን ፈውሲ ምግባረ ብልሽውና’ ምዃኑ ድማ ገሊጾም፥ ከምዚ ስለ ዝኾነ "ንሰባት ብፍላይ ከኣ ንመንእሰያት ብዛዕባ ሕጋውነት ምምሃር ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ይኸውን" እክብሉ የጒልሑ። ካብዚ ሓሊፉ ጻድቕ ሰብ ከም ጸለመ፡ ናይ ሓሶት ምስክር፡ ምትላል፡ ሓራጣን፡ ላግጽን ዘይቅንዕናን ካብ ዝኣመሰሉ ጎዳእቲ ባህርያት ከም ዝርሕቕን "ቃሉ ዘየዕብር እውን እዩ” እንክብሉ የመላኽቱ።

ጽድቂ ዝስዕቡ ቅኑዓት ሰባት

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ቀጺሎም ኣብ ልዕሊ ገዛእ ርእሶምን ኣብታ ዝነብሩላ ዓለምን ጸጋን በረኸትን ዝስሕቡ ሰባት ብምንኣድ "ምስቶም "ተንኮለይናታትን ርእሰ ምእኩላት ጎራሓትን" ክነጻጸሩ ከለዉ ከሰርቲ ኣይኮኑን።

መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዝብሎ “እቲ ንጽድቅን ፍትሕን ዝስዕብ፡ ህይወትን ጽድቅን ክብረትን ይረክብ።”

"ፍትሓውያን" ምዃን "ሕጉሳት ክገብረና እዩ” ቢሎም ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ሎሚ ፍትሒ ዝስዕቡ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን የድልዩና እንክብሉ ዝለገስዎ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ዛዚሞም።

03 April 2024, 17:41