ድለ

ናይ ር.ሊ.ጳ. ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ናይ ጸሎት ሓሳብ፥ 'ንተራ ደቂ ኣንስትዮ!’

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 2024 ዓ.ም. ኣብ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ምእንቲ ደቂ ኣንስትዮ ክጽለ ዓዲሞም፥ እቲ ናይ ጸሎት ሓሳብ ድማ ንተራ ደቂ ኣንስትዮ ዘማእከለ ክኸውን ከም ዘተሓሳሰቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከምቲ ልሙድ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ዘቕርብዎ ናይ ጸሎት ሓሳብ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 2024 ዓ.ም. ናይቲ ዘቕረብዎ ናይ ጸሎት ሓሳብ ዕላማ "ንተራ ደቂ ኣንስትዮ" ዝምልከት ኮይኑ፥ ምእንቲ እዚ ክጽለ ኣብቲ ብዓለም ሓቆፍ መረብታዊ ማሕበር ንናይ ር.ሊ.ጳ. ጸሎት፥ ኣብ ዝተዘርገሐ ናይ ምስማዐ ርእየት መልኽቶም ንኵላዊት ቤተ ክርስቲያንን ምእመናንን ከም ዝዓደሙን ኣብቲ ቅዱሰንቶ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ፥ ናይ ሎሚ ሕብረተሰብ ክወስዶ ዘለዎ ስጉምትታት ብኣጽንዖት ብምምልካት፡ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ኣብቲ ናይ ጸሎት ሓዳብ ክሓብር ድማ ሓቲቶም፥ “ክብርን ዋጋን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ባህሊ ኣፍልጦ ክረክብ፡ ከምኡ’ውን ነቲ ኣብ ዝተፈላለየ ክፋላት ዓለም ዝርአ ኣብ ልዕሌአን ዝፍጸምን ዝገጥመንን ኣድልዎ ከብቅዕ” ክንጽልን ኣብዚ መዳይ እዚ ድማ ንኽንተግህን ይላበዉ።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝፍጸም ኣድልዎ ይኹንኑ

ቅዱስነቶም ኣብቲ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልኽቲ፥ ኣብ መንጎ ዝተኣወጀ መትከላትን ጭቡጥ ተግባርን ዘሎ ዓቢ ጋግ ዘኪሮም፥ “ከም ሓሳብ፡ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ከም ሰባት ሓደ ዓይነት ክብሪ ከም ዘለዎም ኩላትና ንሰማማዕ ኢና። እዚ ብዙሕ ግዜ ኣብ ተግባር ዘይትርጎም ኮይኑ እዩ ዝተርፍ" እንክብሉ የስተብህሉ።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ መልእኽቶም ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ግብሪ ዝውዕሉ ዘሎ “ኣድልዎ ዝፈጥሩ ሕግታት” ብምጥቃስ ጭቡጥ ኣብነታት የቕርቡ፡ ግዴታዊ ኣከዳድናታት፡ ንቐጻሊ ትምህርቲ ዝዕንቅፉ፡ ንዕድላት ስራሕ ዝኸውን ሓገዝ ምኽልካል። ከምኡ’ውን “ኣብ ብዙሓት ሃገራት ክሳዕ ሕጂ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝፍጸም ግብረ ምኽንሻብ” ዝኣመሰሉ ተግባራት ይዝክሩ።

በዚ ድማ “መንግስታት ነዚ ኣድልዎ ንምውጋድ ቃል ክኣትዉ . . . ከምኡ’ውን . . . ሰብኣዊ መሰላት ደቂ ኣንስትዮ ንምርግጋጽ ክሰርሑ ኣለዎም” ቢሎም፡ ኩላትና ንደቂ ኣንስትዮ ከነኽብር ድማ ሓቲቶም፣ ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ብዙሓት “ከም ዝግለላን” ከምኡውን ኣብ ሓያሎ ኽፍልታት ዓለም አረ ኣብተን ዝያዳ ዝማዕበላ ሃገራት ተባህሉ ዝንገረለን እውን ከይተረፈ ግዳያት ዓመጽን ህስያን ዝዀና ደቂ ኣንስትዮ ካብዚ ናጻ ኮይነን ከነኽብረንን ድማ ሓቲቶም፥ "[ንኣንስቲ] እንተ ዘየኽቢርናየን ከኣ ሕብረተሰብና ኣይኪዓቢን እዩ" ኢሎም።

ክሳብ ሕጂ ዝርአ ተጋራጫዊ ነገራት

ብመሰረት ዓለም ለኻ መበርብታዊ ማሕበር ንናይ ናይ ር.ሊ.ጳ. ጸሎት ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፥ ኣብ ናይ ሎሚ ዓለም ተጋራጫውነት ከም ዘሎን ኣብ ገለ ሃገራት ደቂ ኣንስትዮ ትምህርትን ስራሕን ክረኽባ እንከለዋ፡ ኣብ ትካላት ንግድን ካልኦት ትካላትን ናይ መሪሕነት ተራ ክሕዛ እንከለዋ፡ ብዙሓት ግን ክሳብ ሕጂ ከም ደቂ ተባዕትዮ ዕድላት ዘይብለን ከም ዝኾናን ኣብ ዕዳጋ ስራሕ፡ ደቂ ኣንስትዮ ካብ ደቂ ተባዕትዮ ብ23% ዝወሓደ ኣፍሊት ከም ዝረኽባን። ብዛዕባ ትምህርቲ እውን ክርአ እንከሎ፡ ኣብ ገለ ገለ ሃገራት ትምህርቲ ዝረኽባ ደቂ ኣንስትዮ ወይ ዝተማህራ ህዳጣን ከም ዝኾናን ብመሰረት ጸብጻብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ደቂ ኣንስትዮ፡ ክሳብ 2030 ዓ.ም. ኣብ ዘሎ ዓመታት ብ8% ኣብ መነባብሮ ከቢድ ድኽነት ክወድቃን 25% ደቂ ኣንስትዮ ድማ እኹል መግቢ ኣይክህልወንን እዩ።

ኣብ ኩሉ እዋንን ናይ ኩሉ ግዜን ዋዕሮታት

ኣህጉራዊ ማሕበር መርበብ ንናይ ር.ሊ.ጳ. ጸሎት ዋና ሓመሓዳሪ ኢየሱሳዊ ካህን ኣባ ፍረደሪክ ፎርኖስ፥ "ከምቲ ወንጌላት ዝምስክርዎ . . . ኣደ እኢሱስ ማርያም ኣብ መንጎ ሓዋርያትን ኣብቲ ቀዳሞት ማሕበረሰብን ፍሉይ ቦታ ነይርዋ"። ኢየሱስ ትንሳኤኡ ናይ ምእዋጅ ተልእኾ ንማርያም መግደላዊት ከም ዝሃባ እውን ተዓዚቦም፡ ኣብ ታሪኽ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ መንፈሳዊ ምንቅስቓስ ቤተ ክርስቲያን ዓቢይ ኣበርክቶ ገይረን እየን፣ ብፍሉይ መንገዲ ቅድስቲ ተረዛ ብዓል ኣቪላ፣ ቅድስቲ ካትሪና በዓልቲ ሲየናን ቅድስቲ ቴረዛ ዘሊዘን ኵለን እዚኣተን ዝተጠቕሳ ድማ ሊቃውንቲ ቤተ ክርስቲያን ተባሂለን ዝተኣወጀለን ምዃነን ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ የዘኻኽሩ።

ኣህጉራዊ መርበባዊ ማሕበር ንናይ ር.ሊ.ጳ. ጸሎት

ኣህጉራዊ መርበባዊ ማሕበር ንናይ ር.ሊ.ጳ. ጸሎት፥ ናይ ር.ሊ.ጳ. ወርሓዊ ናይ ጸሎት ሓሳብ ብናይ ምስማዐ ርእየት ኣገባብ ኣቢሉ ናይ ምዝርጋሕ ሓላፍነት ዘለዎ ክኸውን እንከሎ ካብ 2016 ዓ.ም. ኣትሒዙ ዝተቐበሎ ሓላፍነት እኳ እንተኾነ ካብ ጥንቲ ጀሚሩ “ሓዋርያዊ ጸሎት” ብዝብል መጸውዕ ምእንቲ ንናይ ር.ሊ.ጳ. ናይ ጸሎት ሓሳብ ኣብ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ጸሎት ይፍጸም ከም ዝነበረን ሎሚ እቲ በቲ ዓለም ለኻዊ ማሕበር ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ብምስማዐ ርእየት ኣገባብ ዝመሓላለፍ ወርሓዊ ናይ ር.ሊ.ጳ. ናይ ጸሎት ሓሳብ ልዕሊ 203 ሚሊዮን ተዓዘብቲ ከም ዘመዝግብን ብ 23 ቋንቋታት ዝትርጎምን ኣብ 114 ሃገራት ሽፋን ዝወሃቦ ክም ዝኾነ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

እቲ ዓለም ለኸ መርበባዊ ማሕበር ንናይ ር.ሊ.ጳ. ናይ ጸሎት ነቲ ንደቅሰብን ንተልእኾ ቤተ-ክርስትያንን ዘጋጥም ብድሆታት መልሲ ንምሃብ ብጸሎትን ስጕምትን ንካቶሊካውያን ናይ ምውዳብ ተልእኾ ዘለዎ ቫቲካናዊ ማሕበር ኮይኑ እዚ ብድሆታት እዚ በቲ ር.ሊ.ጳ. ንብምልእታ ቤተ-ክርስትያን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ብሕድሪ ዝህብዎ ናይ ጸሎት ሓሳብ ኣቢሉ ድማ የቕርብ።

03 April 2024, 17:38