ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሃይቲን ኩለን ብኲናት ዝተሃስያ ሃገራትን ሰላምን ምርግጋእን ክዓስለን ይጽል ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሃይቲን ኩለን ብኲናት ዝተሃስያ ሃገራትን ሰላምን ምርግጋእን ክዓስለን ይጽል  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሃይቲን ኩለን ብኲናት ዝተሃስያ ሃገራትን ሰላምን ምርግጋእን ክዓስለን ይጽል

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ድሕሪ ጸሎተ ንግስተ ሰማይ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ኣቓልቦኦም ናብታ ሓድሽ መራሔ መንግስቲ ንኸቅውም እቲ ናይታ ሃገር ግዚያዊ ህዝባዊ ባይቶ ዝሕተተላ ዘሎ ሃገረ ሃይትን ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ብዙሕ ስቓይን እግዚኣብሔር ክኣልዮ ነማላድነት ቅድስቲ ድንግል ማርያም የቕርቡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንኣዋርሕ ዝጸንሐ ፖለቲካዊ ዕግርግርን ስፍሕ ዝበለ ገበናትን ምፍራስ መሰረተ ልምዓትን ጸጥታን ስዒቡ ሰላምን ምርግጋእን ኣዝዩ ዘድልዮ ህዝቢ ሃይቲ ጸሎት ክግበረሉ ምስ ሓተቱ ንፓትርያርክ ቨነዚያን ነቶም እቲ ናይ ሓደ መዓልቲ ኣብታ ከተማ ንዝከየድዎ ሓውጾተ ኖልዎ ክኡል ክኸውን ንዝጸዓሩን ኣብዚ መዳይ እዚ ንዘገልገሉን ከም ዘመስገኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ጸሎት ንሃይቲ

"ብዛዕባ እታ ብሰንኪ ምፍራስ መሰረተ ልምዓትን ክንክን ጥዕናን ሕጽረት ምግቢ ከምኡውን ብሰንኪ እቲ ንሰባት ክስደዱን ክመዛበሉን ዝገብሮም ዓመጽን ህጹጽ ኵነታት ዝዓብለላ ብዝሒ ህዝባ ተስፋ ዝቘረጸላን ሃይቲ እሓስብ።

ከምኡ’ውን ኣብዚ ሰሙን’ዚ ጥራይ ኣብታ ደሴት ካሪብያን እትርከብ ሃገር መሰጋገሪ መንግስቲ ቃለ መሓላ ከም ዝገበረ ዝዘከሩ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንስራሕ ናይቲ ጉባኤ ንጐይታ ኣሕሊፎም ብምሃብ ደገፍ ማሕበረሰብ ዓለም ከይፈለዮ ድማ ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ “እቲ ዝሓለፈ ሓሙስ ኣብ ፖርት ኦ ፕሪንስ ስልጣን ዝተረከበ ሓድሽ መሰጋገሪ ርእሰ ብሔራዊ ቤት ምኽሪ ሃይቲ ንጐይታ ኣሕሊፍና ንሃብ፣ ምእንቲ ብሓድሽ ደገፍ ማሕበረሰብ ዓለም፣ እታ ሃገር ነቲ ኣዝዩ ዘድልያ ሰላምን ምርግጋእን ክትበጽሕ ዝመርሓ ክኸውን መታን” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ዩክሬን፡ ፍልስጤም፡ እስራኤል፡ ሚያንማር

ቅዱስ ኣቦና ከምቲ ወትሩ ዝገብርዎ ድማ ሓሳባቶምን ጸሎቶምን ናብ ካልኦት ብግርጭት ዝተሃስዩ ሃገራትን ህዝብታትን ገይሮም፥ "ብዛዕባ "እተን ዝሳቐያ ዘለዋ ዩክሬን፡ ፍልስጤም፡ እስራኤል፡ ሮሂንጋን ብዙሓት ብኲናትን ዓመጽን ዝሳቐዩ ህዝብታትን እሓስብ ድሌት ዘተን ዕርቅን ኣብ ኩሉ ክዓቢ ኣምላኽ ሰላም ንልቢ ሰባትን መንግስታትን የብርህ” ከም ዝበሉ የመላኽት።።

29 April 2024, 16:36