ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንበነዲክቶስ መበል 16 ‘ንዓይ ከም ኣቦ እዮም ነይሮም’ እንክብሉ ይዝክርዎም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንበነዲክቶስ መበል 16 ‘ንዓይ ከም ኣቦ እዮም ነይሮም’ እንክብሉ ይዝክርዎም  (Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንበነዲክቶስ መበል 16 ‘ንዓይ ከም ኣቦ እዮም ነይሮም’ እንክብሉ ይዝክርዎም

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብታ ብቓለ መሕትት መልክዕ ዝተደርሰት ሓዳሽ መጽሓፍ ምስቶም ቅድሚኦም ዝነበሩ በነዲክቶስ መበል 16 ዝነበሮም ርክብ ይዛረቡ፡ ብፍላይ ድማ፥ “ኩሉ ግዜ ይከላኸሉለይ ነይሮም፡ ኣብ ጉዳይ ር.ሊ.ጳጳሳት ኢዶም ኣእትዮም ኣይፈልጡን” እንክብሉ የረጋግጹ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

«በነዲክቶስ መበል 16 ዓቢ ሕያዋይ ሰብ እዮም ነይሮም። ኣብ ገሊኡ እዋናት፡ ገለ ሰባት ምናልባት ብዘይ ተንኮል ተጠቒሞምሎም፡ ምንቅስቓሳቶም ከም ዝደረቱን። እቲ ዘሕዝን ግን ብገለ መልክዑ በዞም ከምዚ ዝኣመሰሉ ሰባት ተኸቢቦም ምንባሮም እዩ። ኣዝዮም ረቂቕ ሰብ እኳ እንተነበሩ ድኹም ግን ኣይነበሩን፡ ሓያል እዮም ነይሮም። ትሑት ስለ ዝነበሩ ድማ ገዛእ ርእሶም ከም ጸቕጢ ከቕርቡ ኣይመረጹን። ስለዚ ብዙሕ ተሳቐየ።" እንክብሉ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቶም ቅድሚኦም ዝነበሩ በነዲክቶስ መበል 16 ኣብታ ምስ ጋዜጠይና ኻቪየር ማርቲነዝ - ብሮካል፣ “ተኸታሊ” ብዝብል ኣርእስቲ ብቤት ማሕተም ፕላኔት ኣብ ዝተሓትመትን ዕለት 3 ሚያዝያ ንንባብ ኣብ ዝበቐዐት መጽሓፊ ይዝክርዎም።

«ክዓቢ ዝገበሩኒ – በዓል ዓቕልን ትዕግስትን። ገለ ነገር ብንጹር እንተ ዘይተራኣዮም ድማ ቅድሚ ምሕባሮም ሰለስተ ኣርባዕተ ግዜ ዝሓስቡን ዘስተንትኑን እዮም። ክዓቢ ኣፍቂዶምለይ ውሳነታት ምሃብ ናጽነት ሂቦምንንን"። በነዲክቶስ መበል 16 ልሂቅ ኮይኖም ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ገዳመ እመ ቤተ ኣምላክ ይቕመጡ ከም ዝነበሩን ይኹን እምበር፥ ከም ር.ሊ.ጳ. ናጽነተይ ዘኸበሩን ኣብ ከም ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ኣገልግሎተይ ኢዶም ዘየእተዉን እዮም። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ንሶም ዘይተረድኦም ውሳነ ምስ ዝህሉ ብተፈጥሮኣዊ መንገዲ መብርሂ ይሓቱኒ ነይሮም። ንሶም ድማ "ርኣዮ እዚ ኣይርድኣንን እዩ እቲ ውሳነ ግን ኣብ ኢድካ እዩ" ይብሉኒ ነይሮም፡ . . . እቶም ቅድሚኦም ዝነበሩ በነዲክቶስ መበል 16 ንዝኾነ ውሳኔት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ተቓዊሞም ከም ዘይፈልጡ ፍራንቸስኮ ኣብታ መጽሓፍ ይገልጹ፡ «ደገፎም ካባይ ኣርሒቖመለይ ኣይፈልጡን። ምናልባት ዘይተሰማምዐሉ ነገር ነይሩ ይኸውን፡ ኣይሰማማዓሉን ዝብል ኢደ ኣታውነት ግን ፈጺሞም ዘይገበሩ . . . ተኽታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዘኽብሩ እዮም።"

በነዲክቶስ ረቡዕ ዕለት 28 ታሕሳስ 2022 ዓ.ም. ንመወዳእታ ግዜ ብህይወት ዝረኣይሉ እዋን እውን ዘኪሮም፥ “በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ዓራት እዮም ዝነበሩ ጻዕሪ እውን እንተነበሮም ሕልናኦም ግን ኣየዕረቡን ነይሮም፡ ክዛረቡ ግን ይኽእሉ ኣይነበሩን። ናባይ እናጠመቱ፡ ኢደይ እናጨበጡ፡ ዝበልክዎ ይርድኦም ከም ዝነበረ የመልክቱኒ ነይሮም፡ ሓንቲ ቃል ግን ከስምዑ ኣይከኣሉን . . . ዓይኖም እናጠምኩን ኢዶም ሒዘ ንውሑድ ግዜ ድማ ምስኦም ጸኒሐ። እተን ንጹሃት ኣዒንቶም ኣጸቢቐ እየ ዝዝክረን . . . ሒደት ቃላት ድማ እየ ዝተዛረብክዎም ባሪኸዮም። ከምዚ ኢልና ድማ ተፋነና"።

ኣብ መንጎ ር.ሊ.ጳ. ቀጻልነት ብዝምልከት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ “ኣብቶም ናይ መወዳእታ ር.ሊ.ጳ. ዝራእኽዎ... ኣብ ነፍሲ ወከፍ ተካኢ ኩሉ ግዜ ቐጻልነትን ፍልልይን ከም ዘሎ እዩ»፣ ምኽንያቱ “ኣብ ቀጻልነት ነፍሲ ወከፍ ውልቃዊ መንፈሳዊ ህያብ ስለ ዘሎ . . . ኩሉ ግዜ ግን ቀጻልነት እምበር ምብታኽ የለን።"

ቅዱስነቶም በነዲክቶስ መበል 16 ከም ዝተኸላኸሉሎም ብፍሉይ መገዲ የዘንትዉ። «ገለ ካርዲናላት በቲ ብዛዕባ መርዓ ዝምልከት ዝሃብክዎ ቃላት ተገሪሞም ክረኽብዎም ምስ ከዱን በዛዕባ እዚ ጉዳይ እዚ ድማ ደስ ዝብል ዕላል ኣካይደ፡ ንሶም ድማ ኣዝዮም ንጹር እዮም ዝነበሩ። ሓደ መዓልቲ ብተግባር ኣብ ፍርዲ ከእትዉኒ ኣብ ቤቶም ተራእዮም፡ ኣብ ቅድሚኦም ድማ ንሓዳር ሓደኣዊ ጾታ የስፋሕፍሕ ኣሎ እንክብሉ ከሲሶምኒ እዮም። በነዲክቶስ መበል 16 ኣነ ዝሓስቦ ፍጹም ስለ ዝፈልጡ ድማ ኣይተረበሹን። ንኹሎም በብሓደ ሰሚዖም ኣህዲኦምን ኩሉ ነገር ኣረዲኦሞም የፋንዉ ነይሮም። መርዓ ምስጢረ ተክሊል ስለ ዝኾነ፡ ንሓድኣዊ ጾታዊ ስምዒት ንዘለዎም መጻምድቲ ክውሃብ ኣይክእልን እዩ፡ ብገለ መንገዲ ግን ንኹነታት እዞም ሰባት ገለ ውሕስነት ወይ በርገሳዊ ሓለዋ ክወሃቦም ይግባእ። ኣብ ፈረንሳ "በርገሳዊ ውህደት" ዝብል ቀመር ኣሎ፡ እዚ ድማ ንመጀመርታ ግዜ ጽቡቕ ኣማራጺ ክኸውን ከም ዝኽእል ኣስተውዒለዮ እየ፡ ምኽንያቱ ኣብ ሓዳር ጥራይ ዝተሓጽረ ኣይኮነን። ንኣብነት - ሰለስተ ኣረጋውያን ጡረተይናታት ከተአንግድ ትኽእል ኢኻ፡ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና፡ ውርሻ፡ መንበሪ ገዛ ወዘተ ክካፈሉ ዘድልዮም። ንዓይ መሳጢ ፍታሕ ኮይኑ ድማ ተሰሚዑኒ። ገሊኦም ንበነዲክቶስ መናፍቕነት ይዛረብ ከም ዘለኹ ገይሮም የቕርቡኒ ነይሮም። ሰሚዑዎምን ብዓቢ ልዕልና ነገራት ንኽፈልዩ ሓጊዞምዎም እዮም . . . "እዚ መናፍቕነት ኣይኮነን" ቢሎም ኣፋንዮሞም እዮም። ብሓቂ ድማ ተኸላኺሎምለይ እዮም!... ኩሉ ግዜ ይከላኸለለይ ድማ ነይሩ።"

ብዛዕብ ካብዚ ዓለም ብሞት ምፍላይ በነዲክቶስ መበል 16 ዝምልከት ሕቶ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እንክምልሱ፥ “ብዙሕ ቃንዛ ኣስዒቡለይ እዩ!: ኣብ መዓልቲ ቀብሮም ዝወጸ ይመጽሓፍ ነይሩ ሓቂ ዘይኮነ ነገራት ዘዘትው፣ ኣዝዩ ዘሕዝን። ባህርያዊ እዩ ንዓይ ኣይጸልወንን፣ ዝተወሃቦ ትርጉም እውን እንተኾነ ኣይጸልወንን። በነዲክቶስ መበል 16 መጋበርያ ገይሩ ዝተጠቐመ ኣገባብ ብምንባሩ ግን ጐዲኡኒ። እታ መጽሓፍ ኣብ መዓልቲ ቀብሮም ዝተሓትመት ብምዃና ድማ ልዑል ክብርን ሰብኣውነትን ከም ዝጎደለ እየ ከስተውዕል ዝኸኣልኩ።

ኣብ መወዳእታ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቲ ቃለ መሕትት ዝገበረሎ ንኻቭየር ማርቲነዝ - ብሩካል ደሓር ተሓቲማ ንንባብ ኣብ ዝበቐዓት መጽሓፍ ብዛዕባ ስነ ስርዓት ቀብሪ ብሞት ዝፍለዩ ር.ሊ.ጳ. ኣብ ዝብል ጉዳይ እቲ ንበነዲክቶስ መበል 16 ዝተገብረ ኣዓይነት ኣገባብ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ንዝዓረፉ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ዝፍጸም ዝነበረ  ስነ ስርዓት ቅብሪ ድሮ ክቕየር ከም ዝኣዘዙን ር.ሊ.ጳ. ልክዕ ከም ዝዀነ ይኹን ወድን ጓልን ቤተክርስትያን ክም ኩሉ ክርስቲያን ክቕበር ኣለዎም ይብሉ።

03 April 2024, 17:33