ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ መዓልቲ መሬት ናይ ሓባር ቤትና ሕጹጽ ሓላፍነት ክንወስድ ይላበዉ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ መዓልቲ መሬት ናይ ሓባር ቤትና ሕጹጽ ሓላፍነት ክንወስድ ይላበዉ  (AFP or licensors)

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ መዓልቲ መሬት ናይ ሓባር ቤትና ሕጹጽ ሓላፍነት ክንወስድ ይላበዉ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ መዓልቲ ምድሪ 2024 ዓ.ም. ዕለት 22 ሚያዝያ ሰብኣዊ ፍጥረት ንምድሪ ከከላኸልን ሰላም ክሕሉን ዘሎዎ ሓላፍነት የዘኻኽሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

22 ሚያዝያ ዓለም ለኸ መዓልቲ መሬት ኣብ ዘተባዕለሉ ዕለት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ምክንኻን ንሓባራዊ ቤትናን ንሰላምን ተባዕ ስጉምቲ ክንወስድ ህጹጽ ለበዋኦም ደጊሞም የቕርቡ፡ እዚ ኣህጉራዊ መዓልቲ ኣብ 1970 ዓ.ም. ዝተመስረተ ኮይኑ፡ ብዛዕባ እቶም ንምድሪ ዘጋጥም ዘሎ ወሳኒ ከባብያዊ ብድሆታት ንቕሓት ንምዕባይን፡ ንዕኡ ንምፍታሕ ጻዕርታት ንምውዳብን ሃቂኑ ዝተበገሰ ክኸውን እንከሎ፡ እቲ በዓል ውልቀሰባት፡ ማሕበረሰባት፡ ትካላትን መንግስታትን ብሓባር፡ ንመጻኢ ወለዶታት መሬት ንምዕቃብ፡ ስርዓተ ምህዳር ንምጽጋንን ንምፍዋስን፡ ንለውጢ ከባቢ ኣየር ንምምካትን ብዙሕነት ህይወት ንምዕቃብን ኣብ ዝሕግዙ ንጥፈታት ክዋፈሩ ዕድል ዝፈጥር እዩ።

ዓለም ውሑስ ምግባር

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ኣብ ኤክስ ማሕበራዊ በረብት ብዘሎ ኣድራሻኦም ኣቢሎም፥ ወለዶ ነቲ ዳሕረዋይ ወለዶታት ብዙሕ ሃብቲ ገንዘብ ከም ዘወረሰን እንተዀነ ግን ንምድሪ ንምዕቋብ ብዙሕ ከም ዘይገበረ ከም ዝገለጹን ኣብ መንጎ እዚ ሕጂ ዘሎ ኣከባብያዊ ግድላትን ኣብ መላእ ዓለም ዝካየድ ዘሎ ብዙሕ ግጭታትን ዝተኣሳሰረ ምዃኑ ይገልጹ።

"ወለዶና ብዙሕ ሃብቲ እኳ እንተ ወረሰ ንምድሪ ግን ከነዕቍባ ኣይከኣልናን ንሰላም እውን ኣይንሕልዋን ኢና ዘሎና። ኢደ ጥበበይናታትን ሓለውትን እታ "ናብ ጥፍኣት እትወድቕ ዘላ ምድሪ" ኽንከውን ተጸዊዕና እንክብሉ ዘመሓላለፍዎ መልኽቲ ነቲ ኣብ 2015 ዓ.ም. ስቡሕ ኣንተ ብዝብል እርስቲ ኣብ ዝለገስዎ ዓዋዲ መልኽቲ ዘንበርዎ ቓላት ዜቃልሕ፡ ንውልቀ ሰባትን ማሕበረሰባትን መንግስትታትን ተፈጥሮ ኺከናኸኑ ጻውዒት እዩ።

2024 ዓ.ም. መዓልቲ መሬት ነጻ ንዝኾነት ዓለም!

ዓመት መጸ መዓልቲ መሬት ኣብ ተኣፋፊ ጉዳያት ከባቢ ዓለም ለኻዊ ኣቓልቦ ንምስሓብ ፍሉይ መርሕ ቃል ዝወሃቦ ኮይኑ። ኣብ ትሕቲ "መሬት ኣንጻር ፕላስቲክስ" ዝብል ኮይኑ እዚ መለለዪ ናይ መበል 54 ሕታም እዚ ኣብ ብከላ መሬት ፕላስቲክ ዘለዎ ዝበረኸ ግደ ዘስተብህልን ከምኡውን ኣብ ኣጠቓቕማኡን ጎማዊ ፍርያትን ብህጹጽ ክንከይ ዘተሓሳስብ ኮይኑ፡ ምብዛሕ ጎማ ኣብ ርእሲ እቲ ንኣከባቢ ዘለዎ በካሊ ጽልዋ ኣብ ለውጢ ዅነታት ኣየር ዜምጽኦ ብድሆታት ንጥዕና ደቂ ሰብን ንብዝሓ ህይወት ኣብዛ ምድሪ እውን ዓብዪ ስግኣት ምዃኑ ዘመላኽት እዩ።

ዓመታዊ 400 ሚልዮን ሜትሪክ ቶን ጎማ ይፈሪ

ሰብኣዊ ፍጥረት ኣብ ዓመት ልዕሊ 400 ሚልዮን ሜትሪክ ቶን ፕላስቲክ ከም ዘፍርን እዚ ድማ ናይ ኩሉ ሓላፍነት እዩ። 9% ጥራይ እዮም ዳግማይ ዝጥቀሙሉ፡ ኣብ መላእ ዓለም ካብ ዘሎ ጐሓፍ ፕላስቲክ ኣስታት 22% ድማ ወይ ኣይእከብን፡ ብዘይግቡእ ይድርበ፡ ይጓሓፍን ፕላስቲክ ናብ ማይክሮፕላስቲክ እናተቀየረ መርዛም ንጥረ ነገር ናብ ምህዳር ይተፍእ፡ ንውቅያኖሳት (ኣብ ዓመት ልዕሊ 1 ሚልዮን ሜትሪክ ቶን)፡ ምንጪ መግብን ማይን ይብክል፡ ንኹሉ ዓይነት ህይወት ድማ ኣብ ሓደጋ የውድቖ።

ኣብ ከባብን ጥዕና ደቂ ሰባትን ዘስዕቦ ሃሳዪ ሳዕቤናት

እምበኣር ናይ ሎሚ ዓመት ወፍሪ፡ ብዛዕባ’ዚ ጎዳኢ ሳዕቤናት ንቕሓት ንምስፋሕ ቀዳምነት ይህብ። ንፕላስቲክ ምቅላዕ ዘስዕቦ ዛዕባ ጥዕና ዝምልከት ሳዕቤን መጽናዕቲ ክውስኽ ዝጽውዕ ኮይኑ፡ ርኽበታት ስነ ምርምር ምስ ህዝቢ ኣብ ምክፋል ግሉጽነት ክህሉ ይጣበቕ።

ቅጽበታዊ ዕላማ ናይቲ ወፍሪ፡ ኣብ 2030 ዓ.ም. ንሓደ ግዜ ጥራይ ዝጥቀሙ ፕላስቲክ ብቕልጡፍ ምውጋድን ነዚ ቃል ኪዳን ኣብ ውሽጢ ውዕል ብከላ ፕላስቲክ ሕቡራት ሃገራት 2024 ዓ.ም. ዝጠቓለል ኮይኑ፡ ነዚ ተኣፋፊ ጉዳይ ኣብ ምፍታሕ ዓለማዊ ምትሕብባር ምርግጋጽን ዝጠልብ እዩ። እቲ ናይ ነዊሕ ጥዕና ደቂ ሰባትን ከባብን ንምሕላው ዝብል ዕላማ፡ ክሳብ 2040 ዓ.ም. ምህርቲ ፕላስቲክ ብ60 ሚእታዊት ምንካይ ምስ ዝብል ዕማም ዝተሓሓዝ ኮይኑ። ነዚ ንምትግባር እቲ ወፍሪ፡ ካብ ፕላስቲክ ነጻ ዝኾነት ዓለም መንገዲ ንምኽፋት ኣብ ፈጠራዊ እደ ጥበባዊ ንዋት ወፍሪ ምግባር ኣገዳሲ ምዃኑ እውን ዘጒልሕ እዩ።

23 April 2024, 15:36