ድለ

C9OK01 - Archivio - Sessione del C9 C9OK01 - Archivio - Sessione del C9 

ጉባኤ ካርዲናላት ሲ9፡ ብዛዕባ ዓለምለኻዊ ዅነታትን፡ ሲኖዶስን፡ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ቤተ-ክርስትያን

ጉባኤ ተሰዓቱ ካርዲናላት መማኽርተ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ 15-16 ሚያዝያ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዚርከብ ቅድስቲ ማርታ ዝተሰምየ ማሕደር ኣጋይሽ ተኻዪዱ ። ኣብቲ ዘካየድዎ ጉባኤ ኣብ እተፈላለየ ጉዳያት እንተላይ ኣብ ዓለምለኻዊ ህልዉ ዅነታትን፣ ብዛዕባ እቲ ኣብ እተፈላለየ ኽፍልታት ዓለም ብፍላይ ከኣ ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ዩክረይንን ዝቕጽል ዘሎ ግጭታት መወዳእታ ምእንቲ ክግበረሉ ኣብ ዚግበር መደባት ጸሎት ዘተኰረ ውን ኢዩ ዝነበረ ። እዞም ጉባኤ ካርድናላት ሲ9 ኣብቲ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዘካየድዎ ኣኼባ ኣብቲ ንሰላም ዝግበር ውዕላትን መገድታትን ንምርካብ ዝግበር ኩሉ ጻዕርታት ጽኑዕ ተስፋ ከም ዘለዎም ውን ገለጹ ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ዝሓለፈ ሰኑይ ዕለት 15 ሚያዝያ ዝጀመረ ጉባኤ ተስዓቱ ካርዲናላት መማኽርተ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ፣ ንጽብሒቱ ሰሉስ ድሕሪ ቐትሪ ውን ኣብቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዝርከብ ቅድስቲ ማርታ ዝተሰምየ ማሕደተ ኣጋሽ ብምቕጻል ተዛዘመ ። ኣብቲ ሰሉስ ዝነበሮም መርሓ ግበር በቲ ብፁዕ ካርዲናል ማሪዮ ግሬችን ክብር የኔታ ፒዮ ኮዳን ብዛዕባ እቲ ኣብ መስርሕ ኪደት ዘሎ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ጳጳሳ ብዘቕረብዎ  ጸብጻባት ኢዩ ጀሚሩ ። ኣብቲ ጉባኤ "ብዛዕባ ትግባሬ ሓዋርያዊ ቅዋም ‘ወንጌል ስበኹ’  ኣብ ደረጃ ሰበኻዊ ቤትምኽርታት ድሕሪ ምዝታይ፣ ከምኡውን ነፍሲ ወከፍ ካርዲናል ብዛዕባ ማሕበራውን ፖለቲካውን ኣቅላሲያውን ኵነታት እተፈላለዩ መበቆላዊ ዞባታት ጸብጻብ ድሕሪ ምሃብ" ተዛዘመ ። ኣብ ዘካየድዎ ናይ ጉባኤ ዘተታት ኣብ እተፈላለየ ኽፍልታት ዓለም "ብፍላይ ምእንቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ዩክረይንን” ከምኡ ውን ምእንቲ ውግእን ግጭታትን ዝርከበሎም  ከባቢታት ዝካየድ ብዛዕባ ናይ ጸሎት ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጋጣሚታት ክግበር ዘለዎ መወከሲታትን ዘማዕከለ ዘተ ውን ኣካዪዶም ኢዮም ።

ኣባላት እቲ ጉባኤ ካርዲናላትን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን "ብዛዕባ እቲ ዝካየድ ዘሎ ኩነታትን ከምኡ ውን ብዛዕባ ንሰላም ዝግበሩ ውዕላትን መገድታትን ንምርካብ ኣብ ዝግበር ጻዕርታት ዘለዎም ጽኑዕ ተስፋ ከም ዘለዎም ውን ገለጹ።"

ክፍለ ግዜ ናይ ዕለት 15 ሚያዝያ

ሰኑይ ዕለት 15 ሚያዝያ ኣብ ዝተኻየደ ጉባኤ ተስዓቱ ካርዲናላት መማኽርተ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ብዛዕባ "ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ዘለወን ግደን ኣበርክቶን" ኣመልኪቶም ተመያየጡ፣ ብክብርቲ እናቴ ረጂና ዳ ኮስታ ፔድሮ ኣባል ማሕበር ልኡካት ወንጌል ዘንጹሕ ጽንሰታ ዘቕረባኦ ብዛዕባ “ህያው ታሪኽ ህይወትን ናይ ብዙሓት ብራዚላውያን ደቂ ኣንስትዮ ኣምራትን” ኣስተንትኖ ውን ተኻፈሉ፣ ከምኡ ውን ኣብ ግረጎሪያን ጳጳሳዊ መንበረ ጥበብ  መምህር ስነ-መለኮት ዝኾና ክብርቲ ፕሮፌሰር ስቴላ ሞራ ዘቕረባኦ ብዛዕባ ኣብ እተፈላለየ ባህልታት ነቲ ደቂ ኣንስትዮ ዘለወን ግደ ብኸመይ ብዝተፈላለዩ መንገድታት ከም ዘሞግስዎን ገለጻ ።

ጉባኤ ካርዲናላት

ጉባኤ ብጹፁዓን ካርዲናልት ሲ9 ኣብቲ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዘካየድዎ መርሓ ግበር ዝተሳተፉ እቶም ኣባላት ናይቲዚ ጉባኤ ዝኾኑ ካርዲናላት - ብፁዕ ካርዲናል ፒትሮ ፓሮሊን ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበርን፣ ብፁዕ ካርዲናል ፈርናንዶ ቬርገዝ ኣልዛጋ ኣቦ መንበት ጳጳሳቲ ኮሚሽን ሃገረ ቫቲካንን ኣመሓዳሪ ከተማ ቫቲካን፣ ብፁዕ ካርዲናል ፍሪዶሊን ኣምቦንጎ በሱንጉ ሊቀ-ጳጳሳት ኪንሻሳ፣ ብፁዕ ካርዲናል ኦስቫልድ ግራስያስ ሊቀ-ጳጳሳት ቦምበይን፣ ብፁዕ ካርዲናል ሾን ፓትሪክ ኦማለይ ሊቀ ጳጳሳት ቦስተን ፣ ብፁዕ ካርዲናል ዃን ሆሴ ኦሜላ ኦሜላ ሊቀ-ጳጳሳት ባርሴሎናን፣ ብፁዕ ካርዲናል ዠራልድ ላክሮይስ ሊቀ ጳጳሳት ኲበክን፣ ብፁዕ ካርዲናል ዣን-ክሎድ ሆለሪኽ ሊቀ-ጳጳሳት ላክሰምበርግን፣ ብፁዕ ብካርዲናል ሰርጆ ዳ ሮቻ ሊቀ ጳጳሳት ሳን ሳልቫዶር ደ ባሃያን፣ ከምኡውን ጸሓፊ ቤት ምኽሪ ብፁዓን ካርዲናላት ዝኾኑ ብፁዕ ኣቡን ማርኮ መሊኖ ስዩም ጳጳስ ክረሲማ ኢዮም ዝነበሩ ።

እዚ ጉባኤ ተስዓቱ ብፁዓን ካርዲናላት መማኽርተ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዝመጽዕ ወርሒ ሰነ እንደገና ኺእከብ ኢዩ።

18 April 2024, 15:22