ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 8 ግንቦት መደብ '24 ሰዓታት ንጎይታ' ክመርሑ እዮም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 8 ግንቦት መደብ '24 ሰዓታት ንጎይታ' ክመርሑ እዮም 

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 8 ግንቦት መደብ '24 ሰዓታት ንጎይታ' ክመርሑ እዮም

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኩሉ ኣብ ናይ ዓቢይ ጾም ተበግሶታት ጸሎትን ምስጢረ ንስሓን ስርዓት ክጽንበር ኣብ ዝዕድምሉ ዘለዉ እዋን፡ ዕለት 8 መጋቢት ኣብ ሰበካ ሮማ ቁምስና ቅዱስ ፒዮስ ሓምሻይ ሓውጾተ ኖልዎ ብምክያድ ‘24 ሰዓታት ንጐይታ’ ብዝብል መርሕ ቃል ብምኽንያት ዓቢይ ጾም ዝቐርብ ስነ ስርዓት ጸሎት ክመርሑ እዮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ዓርቢ ዕለት 8 መጋቢት ብምኽንያት ዓቢይ ጾም ’24 ሰዓት ምስ ጎይታ’ ዝብል መደብ ኣብ ሰበኻ ሮማ ኣብ ዝካየድ መፍንሳዊ ስነ ስረዓት ኣብ ቁምስና ቅዱስ ፒዮስ ሓምሻይ ሓውጾተ ኖልዎ ብምክያድ መበል ዓሰርተ ሓደ ሕታም ‘24 ሰዓታት ንጐይታ’ ብወግዒ ከበግሱ ምዃኖም ስብከተ ወንጌል ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት መግለጺ ኣፍሊጡ።

ዓመታዊ ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ዝርከቡ ሃገረ ስብከታት ኣብ ዋዜማ ራብዓይ ሰንበት ዓቢይ ጾም ዝኽበር ንጸሎትን ዕርቅን ዝውፈይ ተበግሶ፥ ናይ ለምዘበን ካብ መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ሮሜ. 6 ብዝተወስደ “ብሓድሽ ህይወት ምጉዓዝ" ብዝብል ቃል ዝምራሕ ምዃኑ ዝሓበረ ናይ ኣስፍሆተ ወንጌል ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት መግለጺ ኣስዒቡ፥ በዚ መደብ ምኽንያት ድማ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 8  መጋቢት ዓርቢ ሰዓት 16፡40 ኣብ ሰበኻ ሮማ ቁስምና ቅዱስ ፒዮስ ሓምሻይ ነቲ መደብ ጸሎትን ስነ ስርዓት ምስጢረ ንስሓን ክመርሑ ከም ዝኾኑ ኣፍሊጡ።

ምሉእ ለይቲ መዓጹ ኣቢያተ ክርስቲያን ክፉት ክኸውን እዩ

ንበዓለ ፋሲካ ንምድላው ካብ ዕለት 8 መጋቢት ዓርቢ ክሳብ ቀዳም ዕለት 9 መጋቢት ምእመናን ኣብ ዝኾነ እዋን ክናዘዙን ኣብ ኣምልኾ ከዛእ ርእሶም ከቕርቡን ዕድል ንኽህልዎም፡ ኩለን ኣቢያተ ክርስቲያን ምሉእ ለይቲ ኣብዚ ኣገልግሎት እዚ ክዋፈራ ከም ዝኾናን ቅዱስ ኣቦና፣ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሮም፣ ኣብ ውሽጢ ርእሰ ከተማ ሮማ ኣብ ዝርከብ ዝተፈላለየ ቤተ ክርስቲያን መደብ ‘24 ሰዓታት ንጐይታ’ ክካየድን ኣብዚ መደብ እዚ እውን ኣብ ዝተፈላለያ ቁምስናታት ተረኺቦም ነቲ ስነ ስርዓት ከም ዝመርሑን ኩለን ኣብ መላእ ዓለም ዝርከባ ሰብኻታት እውን ኣብዚ መደብ ክዋስኣ ከም ዘተባብዑ ዜና ቫቲካን የዘኻኽሩ።

ከመይ ጌርና ንዳሎ

እቲ ናይ ኣስፍሆተ ወንጌል ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ዝርከባ ሰበኻታት ነቲ ናይ ጸሎትን ይቕሬታን ህሞት ከብዕላ ከም ዝኾናን እዚ እውን ኣብቲ ኣብ ቀረባ እዋን ብር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ 2024 ዓ.ም. ኣብ ዝኣወጅዎ ዓመተ ጸሎት ዝካየድ ብምዃኑ እቲ ላዕልዋይ ቤት ጽሕፈት ዝተፈላለዩ መደባት ጉስነት ከም እተዳለወ ኣፍሊጡ።

05 March 2024, 16:26