ድለ

2024.03.23 Dirigenti e Personale della Rai-Radiotelevisione Italiana 2024.03.23 Dirigenti e Personale della Rai-Radiotelevisione Italiana  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ር. ሊ. ጳ. ናብ ራይ ማእከን ዜና ፦ መደባት ህዝባዊ ፈነወ ኣብ አገልግሎት ሓባራዊ ረብሓ ክውዕል ኣለዎ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸኮ ምስ ኣካየድትን ሰራሕተይናታትን ናይቲ ኣብ ኢጣልያ ዝርከብ ብሔራዊ ትካል ማእከን ዜና ራኡ ተቐቢሎም፣ ብሉጽ ዝኾነ መደባት ብምቕራብ ንጥቕሚ ሓባራዊ ረብሓ ዝኸውን ኣድልዎ ዘይብሉ ሓበሬታን ብምድላው ንዜጋታት ናይ ምግልጋል ተልእኾ ከም ዘለዎም ኣጕልሑ።

ኣባ ተውልደወ መብራቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ቀንዲ ተልእኾ ህዝባዊ መደበር ፈነወ ንዜጋታት ሓቅን ቅኑዕን ዝኾነ ሓበሬታታትን ትምህርትን ብሉጽ መዘናግዒ መደባትን ብምቕራብ፣ ንሕብረተሰብ ምግልጋል ምዃኑ ገለጹ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንኣመሓደርትን ሰራሕተኛታትን ናይቲ ራይ ዝተሰመምየ ብሔራዊ መደብር ፈነወ ረድዮን ቴሌቪዥንን እተመስረተሉ መበል 100 ዓመት ዝኽሪ ምኽንያት ብምግባርን፣ ከምኡውን መበል 70 ዓመት ናይታ ናይ መጀመርታ ህዝባዊ መደበር ተለቪዥን ዝኾነት ኢጣልያዊት ትካል ማእከን ዜናን ሓበሬታን ምኽንያት ብምግባር መደረ ኣቕሪቦም ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ ዘቕረብዎ መደረ፣ ታሪኽ ናይዚ ማሕበር እዚ ምስቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት ኣብ ሕብረተሰብ ኢጣልያ እተገብረ ባህላዊ ለውጥታት ኣጸቢቑ እተኣሳሰረ ምዃኑ ውን ገለጹ፣ እዚ ኸኣ ብዙሕ ኣበርክቶ ገይሩ ኢዩ። "እወ መራኸቢ ብዙሓን ንመንነትና እንተ ንሕማቕ እንተ ንጽቡቅ ይጸልዎ እዩ" ድማ በሉ።

ስለዚ ብዛዕባ ኽልተ ቐንዲ ቓላት ተልእኾ ናይ ራይ ኣተኲሮም ኣስተንትኖ ኣቕሪቦም

"መርራኸቢ ብዙሓን ንማሕበረሰብ ውህበት እዩ።"

ሓቀኛን ንኹሉ ዘማእከለን ሓበሬታ ምሃብ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብዛዕባ እቲ ቐዳማይ ነጥቢ ኣብ ዓውዲ ሓበሬታ ምግልጋል ብመሰረቱ "ንዝርገሐ ናይ ሓሶት ዜና ብምቅዋም፣ ሓቂ ምድላይን ምድንፋዕን" ከምኡውን ንማሕበራዊ መዋቕር ዝርብሽ ብስነ-ምግባራዊ መረብ ምቍጽጻርን ምዃኑ ገለጹ።

ከምዚ ኺበሃል ከሎ ካብ ዝዀነ ይኹን ጌጋ ሓበሬታታት ምንካይ ወይ ምርሓቕ ማለት እዩ ፣ በዚ ኸምዚ ድማ "ሓቂ ' ውህደት ' ከም ምዃነን ኸምኡውን ኵሉ ሳዕ ኣብ ክንዲ ጫውጫውታን ናይ ገዛእ ርእስኻ ሓሳብ ጥራይ ኣብ ክንዲ ምግዋሕን፣ እተፈላለየ ንኹሉ ዘማእከለ ድምጺ ምስማዕ ከም ዚሓይሽ ምዝካር" ማለት እዩ እንክብሉ ገለጹ ።

ብዘይካዚ "ዜጋታት ሓበሬታ ናይ ምእራም መሰል " ስለዘለዎም ግዜ ወሲዶም ንኺርድእዎን ንኼስተንትኑን ከምኡውን " ሓበሬታ 'ምስ ሥነ ኣከባቢ ' ተሳንዩ ዝኸይድ ክኸውን ስለ ዘለዎ ምስ ኣእምሮኣዊ ብከላ ምቅላስ " ማለት እዩ በሉ ።

ዘተ ምምዕባል

ኣብ መወዳእታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ እዚ ንብዙሕነት ዜጋታት ውሕስነት ብሃብ ማለት ኢዩ። ከመይሲ ከምቲ ቅዱስ ዮሃንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣቐዲሞም ዝበልዎ 'ሓቂ ወላውን ኽብጻሕ እንተ ተኻእለ [...] ብእተወሰነ መገድን ክመዛዘን ብዝኽእል መገድን ኢዩ ዝፍጸም፣ ፈጺሙ ዝግድድ ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ ። "

ስለዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣስዒቦም ነቶም ተሳተፍቲ ኣብ ዕዮኦም "ናይ ሓድነት ፈትሊ ብምእላም" ዘተ ከማዕብሉ ተማሕጸንዎም።

"ዘተ ንምምዕባል ጽን ኢልካ ኽትሰምዕ ኣሎካ። ናይ ካልኦት ከይተቐበልካ ብዛዕባ ኣቕዋምካ ጥራይ ምሕሳብ ናይ ሓቂ ጽን ኢልካ ምስማዕ ማለት ኣይኰነን።"

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ከም እኒ ሲነማዊ መደባትን፡ ልቢ ወለዳዊ ተኸታታሊ ፊልምታትን፡ መደባት ቴሌቪዥን ባህላውን መዘናግዕን ናይ ስፖርትን፡ ዛንታታት ንቈልዑን ዝኣመሰለ መደባት ካልእ ስነ-ጥበባዊ መግለጺታት ንደረጅ ህይወት ኵሎም ተዓዘብቲ ክብ ንምባልን ጽባቐ ስነ-ምግባራዊ ሓድነትን ናጽነትን ምሕላው ጻዕሪ ምግባር ኣድላዪ ምዃኑ ኣጕልሑ።

ሳዕቤን ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት AI

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብዛዕባ እቲ ሓድሽ ተክኖሎጂካዊ ምዕባሌ እውን ተዛሪቦም፣ እዚ ድማ "ጐዳኢ ኣድልዎ ዝመልዎ ከምኡውን ማሕበራዊ ዘይፍትሓዊ ሳዕቤን ናይቲ ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት ንምእላይን" ከምኡውን "ንብዙሕነት ንምጉዳእ፡ ንህዝባዊ ኣረኣእያ ንምቅይያር ወይ እተፈላለየ ዓይነት ናይ ጕጅለ ኣተሓሳስባ ንምፍጣር" ናይ ምክልኻል ስጕምትን መምርሕን መሳርሒታት ከም ዘድሊ ደጊሞም ሰፊሕ መግለጺ ኣቕሪቦም ።

ድሕርዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዛዕባ ሓፈሻዊ ባህርይ ፈነወ ሬድዮን ቴለቪዥን ራይ ብምጉላሕ ምስ “ሓባራዊ ረብሓ” ዝተተሓሓዘ ምዃኑ ኣመልክቱ።

ስለዚ ቅድም ቀዳድም "ንመሳኪንን ንድኻታት ነቶም ድምጺ ንዘይብሎም ንእተገለሉን ሰባት ንምሕሳብን ንምስማዕን ቈራጽነት ምግባር" ዘጠቓልል ኢዩ በሉ።

ብዘይካዚ ሞያ ፍልጠት ንምምሕያሽ ሰባት ዘለዎም ኣረኣእያ ንምኽፋል ከምኡውን "ንመንእሰያት ዓብዪ ሕልሚ ንኺሓልሙ ንምምሃር " ዚሕግዝ መሳርሒ ምዃኑ ኣመልከቱ ።

እጃም ተኸታተልቲ ምስ ብሉጽነት ዝተተሓሓዘ ኣገዳስነት ኣለዎ

ስለዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ክንዲ ኣብ ብዝሒ ተኸታተልትን ሰማዕትን ዜተኵሩ ኣብ ብሉጽነት ናይ  መደባቶም ጻዕሪ ከካይዱ ጻውዒት ኣቕረቡሎም።

ብተወሳኺ ውን መራኸቢ ብዙሓን "ከም ዜግነትን ተሳትፎን ዝኣመሰለ ማሕበራዊ ኣገዳስነት ዘለዎ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ኣብ ምምዕባል ኣብዚ ግዜና መሰረታዊ ግደ ኽህልዎ ከም ዝኽእል" ገለጹ።

ኣብ መደምደምታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቲ ኢጣልያዊ መራኸቢ ብዙሓን "ኣብ ስድራቤትን ማሕበረሰብን ሓድነትን ዕርቅን ከደንፍዕን ክሰምዕን ከሳትፍን ብኣኽብሮትን ብትሕትናን ክሰርሑን ጽን ክብሉን" ብምትብባዕ መደረኦም ዛዘሙ።

25 March 2024, 18:24