ድለ

2023.12.07 Videomessaggio del Papa all'Arcieparchia di Ernakulam-Angamaly dei Siro-Malabaresi 2023.12.07 Videomessaggio del Papa all'Arcieparchia di Ernakulam-Angamaly dei Siro-Malabaresi 

ር. ሊ. ጳ. ነቲ ሰላም ኣብ ምድንፋዕ እተኻይደ 'ካዲና 100' ዘርእስቱ ሙዚቃዊ ምርኢት ኣመስገኑ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ናብቲ ሰላም ንምድንፋዕን ነቶም ዝሳቐዩ ንዘለዉ ንምሕጋዝን ዝዓለመ ብመደብ ረድዮ ቤት ምኽሪ ብፁዓን ጳጳሳት እስጳኛ እተወደበ 'ካዲና 100 ንሰላም' ዘርእስቱ ናይ ውህደት ሙዚቃዊ ምርኢት ናይ ቪድዮ መልእኽቲ ለኣኹ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ቪድዮ መልእኽቲ ነቶም ኣዳለውቲ ናይቲ 'ካዲና 100 ንሰላም' ዘርእስቱ ናይ ውህደት ሙዚቃዊ ምርኢት ፦

"ነቶም ንንጹሓት ግዳያት ንምሕጋዝ ተውህቦኦም ብልግሲ ዝወፈዩ ስነ-ጥበባውያን አመስግኖም ኣሎኹ፣ ልዕሊ ዅሉ ግን ሙዚቃዊ ስነ-ጥበብ ድልድል ንምስራሕን ልኡኻትን መዓይይቲ ሰላም ክኸውንን ከም እንኽእል መርኣያ ስለ ዝኾኑ ኢየ እዚ ምስጋና ዘቕርበለሎም ዘሎኹ፣" በሉ።

እቲ ሙዚቃዊ ምርኢት ኣብቲ ማኖስ ዩኒዳስ ዝተሰምየት ኣብ ስጳኛ  ንዘይ መንግስታውያን ትካላትይ ግብረ ሰናይ እትድግፍ ማሕበር ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን፣ ነቶም በቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝካየድ ዘሎ ውግእ እተጐድኡ ኣብ ምዕራባዊ ገምገምን የሩሳሌም ዝርከቡ 200 ስድራቤታት ሰብኣዊ ናይ ግብረ ሠናይ ረድኤት እተኻይዶ ሓገዛት ንምድጋፍ ከገልግል  ኢዩ።

ኣብዛ ዓመት እዚኣ መበል ዓሰርተው ሓሙሽተ ሕታም ናይዚ ተበግሶ እዚ ኢዩ ክኻየድ፣ ኣብኡ ኸኣ ዓበይቲ ሃገራውያንን ኣህጉራውያን ስነ-ጥበባይናታት ንሰላም ንኽውፈዩ ጻውዒት ዓቕሪቦም አለዉ። እዚ ተበግሶ እዚ በቶም ናይ ላቲናዊ ሥርዓት ፓትርያርክ የሩሳሌም ዝተበገሰ ዀይኑ ን1,000 ዝዀኑ ሰባት ናይ ግብረ ሰናይ ረድኤት ክገብረሎም ኢዩ ።

ከም ኮቦርታ፡ ምዉቕ ክዳውንቲ፡ ጫማ፡ መሞቒ ማይን ካልእ ኣገዳሲ መዳርሒታትን ዝኣመሰለ ኣድላዪ ነገራት ብምዕዳግ፣ ነቲ ሓገዛት ከካይዱ ኢያቶም፣ ከምኡ ውን ፍሉይ ንሕጻናት ዝኸውን ሓገዛትን ዘጠቓለለ እንክኸውን ብዘይካዚ ነቶም ኣብ ከባቢ ውግእ መዓልታዊ ናብ ቤት ትምህርቲ ዚኸዱ ቘልዑ ዚኸውን ንትምህርቲ ዘገልግል መሰረታዊ መሳርሒታት ውን ከወፊ ኢዩ ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቶም ኣብቶም "በጃ ዝኾኑ ዘለዉ ሕዝቢ ዩክረይንን" ከምኡውን ናብ "ፍልስጤምን እስራኤልን" ከም ዘተኰረ ገለጹ።

ነቶም ብውግእ ዕንወት ዝወረዶምን ዝተጐድኡን ሰባት ብምዝሮም ድማ ነቶም ኣዳለውቲ እዚ መደብ "ናብ ካልእ ገጾም ብዘይምጥማት" ከምኡውን "ነቶም ብሰንኪ ውግእ ብቐጥታ ዝሳቐዩ ብምውፋዮም" ኣመስገንዎም ።

08 March 2024, 17:25