ድለ

Haiti remains in a state of emergency in the face of violence, in Port-au-Prince Haiti remains in a state of emergency in the face of violence, in Port-au-Prince 

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ሀይቲ ሰላምን ዓለምለኻዊ ሓገዛት ንኺረኽቡ ጸልዮም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንህዝቢ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎን ዩክረይን ከምኡውን ቅድስቲ መሬትን ዘኪሮም፣ ነቶም ብሰንኪ እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ዓመጻ ዝሳቐዩ ዘለዉ ህዝቢ ሀይቲ ጸሎት ኣዕሪጐም ። ንተኸተልኪ እምነት ምስልምና እውን ረመዳን ይጅምሩ ብምህላዎም ሰናይ ምንዮቶም ገለጹሎም ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ድሕሪ ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቲ ኣብዚ ቀረባ መዓልትታት ኣስፋሕፊሑ ዘሎ ዓመጽ፣ ነቲ ኣብ ሃገር ካሪብያን ዘጋጠመ ኸቢድ ቅልውላው ብሓዘንን ብጓህን ይስዕብዎ ከም ዘለዉን ንህዝቢ ሀይቲ ብፍሉይ መገዲ ከም ዝዝክርዎምን ኣመልከቱ።

ምስታ አባቲ ከባቢ ዘላ ቤተክርስቲያንን ምስ ኵሎም እቶም ንሓያሎ ዓመታት ዚሳቐዩ ዘለዉ ዜጋታት ሀይቲን ዘለዎም ቅርበት ድማ ገለጹ ። እዚ ዅሉ ዓመጻ ደው ምእንቲ ክብል ናብታ ረዳኤት ክርስቲያን ዝኾነት እኖና ድንግል ማርያም ኩሉ ሰብ ክጽሊ ድማ ምሕጽንታ ኣቕረቡ ። ሰላምን ዕርቅን ኣብታ ሃገር ምእንቲ ክሰፍን ከምኡውን ካብ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ዝርከብ ሓገዝን ደጋፍን ምእንቲ ክሕይል ኩሉ ሰብ ውን ኣበርክቶኡ ከወፊ ኣተባብዑ።

ምስ ሰዓብቲ እምነት ምስልምና ዝዀኑ ኣሕዋትን ኣሓትን ጥቡቕ ርክብ

ድሕርዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሎሚ ምሸት ሰዓብቲ እምነት ምስልምና ዝዀኑ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ራማዳን ከም ዚጅምሩ ድሕሪ ዘኪሮም፣ ንዅሎም ሰዓብቲ እምነት ምስልምና ድማ ኣብዚ ናይ ጾምን ጸሎትን ምጽዋትን ሓባራዊ ኣምልኾን ዝገብሩሉ ግዜ ዘለዎም ሰናይ ምንዮት ገለጹሎም።

ሰላም ንምርካብ ዚግበር ጸሎት

ኣብ መደምደምታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቶም ካብ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ንዝመጹ ኣባላት ማሕበር ካቶሊካውያን ሰላም በልዎም ። ኣብ ሃገሮም ሰላም ንኽሰፍን ድማ ጸልዮም ከምኡ ውን ምእንቲ እታ እትሳቐ ዘላ ዩክረይንን ቅድስቲ መሬትን እውን ጸልዩ ።

እቲ ኣብ መንጎ ሰላማውያን ሰባት ከምዚ ዝኣመሰለ ከቢድ ስቓይ ዘምጽእ ዘሎ ውግእ ብእተኻእለ መጠን ቀልጢፉ ከቋርጽ ቅዱስ አቦና ጸሎት ብምዕራግ ምሕጽንታኦም ዛዘሙ ።

11 March 2024, 15:42