ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ 'ኢዮቤል ሕዝበ እግዚኣብሔር ብተስፋ ክነብሩ ይሕግዞም' ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ 'ኢዮቤል ሕዝበ እግዚኣብሔር ብተስፋ ክነብሩ ይሕግዞም'  (Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ 'ኢዮቤል ሕዝበ እግዚኣብሔር ብተስፋ ክነብሩ ይሕግዞም'

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንኣባላት ናይ ስብከተ ወንጌል ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ብዛዕባ ናይ 2025 ዓ.ም. ኢዮቤልየ ተስፋ ኣስተንቲኖም፡ ብሓድሽ ኣገባብ ስብከተ ወንጌል ነቲ ሃይማኖትን ግብረ ገብን ዝንጽል ዓለማውነት ንምብዳህ “መንፈሳውነት ምሕረት” ክነቓቕሑ ይላበዉ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ስብከተ ወንጌል ብቅብኣተ መንፈስ ቅዱስን ብቅዲ ምሕረትን ክፍጸም ከሎ ዝሓሸ ምስማዕ ይረክብ፡ ልቢ ድማ ብዝያዳ ፍቓደይና ናብ ምዃን ንኽልወጥ ይኽፈት።” ኣንክብሉ ቅዱስነቶም ዕለት 15 መጋቢት ንኣባላት መሰረታዊ ሕቶታት ኣስፍሆተ ወንጌል ኣብ ዝምልከት ናይ ኣስፍሆተ ወንጌል ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ኣብ ዘዳለዎ ሓፈሽዳዉ ምሉእ ዓውደ ጉባኤ ንዛተፉ ዘለዉ ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ከም ዘዘኻኸሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስብከተ ወንጌል ኣብ ዓለማዊ ዓለም

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ሃይማኖትን ግብረ ገብን ዝንጽልን ውልቃውነትን ዓለምና ሓድሽ ኣገባብ ስብከተ ወንጌል ከምዘድሊ ብምስትንታን መደረኦም ኣበጊሶም፡ ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተታት ዓመታት ግብረ ገብን ሃይማኖትን ዝንጽል ኣብ ዓለም ዝሰፍሕ ዘሎ ዓለማውነት "ኣባል ክርስትያናዊ ማሕበረሰብ ካብ ምዃን ሓሊፉ ብዛዕባ እምነትን ትሕዝቶኡን ዘይምግዳስ" ከም ዘምጽአ ኣብሪሆም፡ እዚ ኣሉታዊ ሳዕቤናት እዚ፡ በቲ ሓድሽ ስነ ኣሃዛዊ ባህሊ ዝያዳ ከም ዝጎለሐን፡ "ከምኡ'ውን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ብኑባሬ ዘሎ ዳላይ ሓቅነት፡ ምስ ኣድላይነት ናጽነት ተደሚሩ፡ ጸገም ዘለዎ ዝመስል ራእይ ወዲ ሰብ ብምትእትታው ኣብ መንጎ ሰባትን ማሕበራውን ዝምድናታት” ጸገም ከም ዘስዓበ ኣዘኻኺሮም፥ “ስለዚ እቲ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ዓቢ ጉዳይ ነቲ ኣብ ምትሕልላፍ እምነት ዘጋጠመ ምብትታን ከመይ ጌርና ከም እንሰግሮ ምርዳእ እዩ። ነዚ ንምትግባር ድማ ምስ ስድራቤታትን ምስ ማእከላት ሕንጸትን ኣድማዒ ዝምድና ምምላስ ህጹጽ እዩ።”

“እቲ ሕመረት ስብከተ ወንጌል ዝኾነ እምነት ኣብ ዝተንሰአ ጎይታ ንምትሕልላፍ ኣብ ውሽጢ ስድራቤትን ማሕበረሰብ ክርስትያንን ከም ርክብ ምስ ህይወት ዝቕይር ህያው ኢየሱስ ክርስቶስ ምንባር ትርጉም ዘለዎ ተመክሮ የድሊ። ብዘይ እዚ ክውንነታውን ህላወኣውን ዝኾነ ርክብ፡ ንእምነት ክልሰ-ሓሳብ እምበር ናይ ህይወት ምስክርነት ዘይንገብሮ ፈተና ወትሩ ክንግዛእ ኢና።”

ኣብዚ መዳይ እዚ ቅዱስነቶም ኣብ 2020 ዓ.ም. በቲ ሽዑ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ንምድንፋዕ ኣሚቱ ብዝቖመ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽፍሐት ዝወጸ ሓድሽ መምርሒ ትምህርተ ክርስቶስ "ቅኑዕን ውጽኢታውን መጋብርያ" ገይሮም ዝተቐበልዎ ልዕሊ ዅሉ ድማ "ንክርስትያናዊ ማሕበረሰብ ብሓፈሻ ንምስታፍ" ተባሂሉ ዝተወጠነ ምዃኑ እውን ከም ዘዘኻኸሩ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ወሳኒ ግደ መምሃራን ትምህርተ ክርስቶስ

ነቲ ወሳኒ ግደ ናይቶም መምሃራንትምህርተ ክርስቶስ ብምጕላሕ "ኣቡናት ነዚ ኣገልግሎት እዚ ክከናኸኑን ከሰንይዎን ክኢሎም ኢዮም " ዝብል ተስፋኦም ድማ ገሊጾም፥ ብፍላይ ከኣ መንእሰያት "እቲ ኣብ መንጎ ወለዶታት ዘሎ ጋግ ምእንቲ ክጸብብን እምነት ምምሕልላፍ ንኣረጋውያን ጥራይ እተዋህበ ዕዮ ምእንቲ ኸይመስልን ኢዩ።"

“ትምህርተ ክርስቶስ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን፡ ነቲ ምስ ዝሓለፉ ዓሰርተታት ዓመታት ዝግለጽ ሓድሽ ድሌታት ምላሽ ምእንቲ ክረክብ፡ ብቐጻሊ ዝፍለጥን ክጽናዕን ዋጋ ዝወሃቦን መገድታት ክትረኽቡ እላቦ።”

"መንፈሳውነት ምሕረት" ምድንፋዕ።

ዝበሉ ቅዱሰንቶም ቀጺሎም፡ “መንፈሳውነት መለኮታዊ ምሕረት” መሰረታዊ ኣካል ስብከት ወንጌል ምዃኑ ኣጉሊሖም።

“ምሕረት እግዚኣብሔር ፈጺሙ ኣይጐድልን እዩ፣ ክንምስክረሉን፣ ከምዚ ንምባል ድማ ኣብ ሰራውር ኣካል ቤተ ክርስቲያን ከም ዝዘውር ክንገብሮን ኢና ተጸዊዕና” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ምስ እዚ ተተሓሒዙ ነቲ ኣብ 2015 ዓ.ም. ኣብ ር.ሊ.ጳጳሳዊ “ናይ ድንጋጸ የዕንቲ ዘርእስቱ ናይ ውሳነ ሰነድ ኣቢሎም ኣብ 2016 ዓ.ም. ፍሉይ ናይ ምሕረት ኢዮቤል ከም ዝኣወጁ ዘኪሮም፥

“በቲ ናይ ልግሲ ኣገልግሎት ዝኾነ ብናይ ዕርቂ ምሥጢረ ኣቢሎም ኩሎም ካህናት ወትሩን ብዘይ ደረት ይቕረ ዝብሉ ኣገልገልቲ እግዚኣብሔር ናይ ምዃን ጸጋን ሓጐስን ዳግማይ ንኽረኽቡ ዝሕግዞም ምስክርነት የቕርቡ” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

ንበዓል ተስፋ ኢዮቤል ንምድላው ጸሎት የድሊ

ኣብ መወዳእታ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዛዕባ ምቛም ኢዮቤል 2025 ዓ.ም. ኣማእኪሎም ኣብ ዝቕጽሉ ሰሙናት ሓዋርያዊ መልእኽቲ ክወጽእ ምዃኑ ገሊጾም፥ "እዚ ሓዋርያዊ መልእኽቲ እዚ ንብዙሓት ሰባት ንኸስተንትኑን ልዕሊ ዅሉ ድማ ተስፋ ንኽገብሩን ክሕግዞም ተስፋ እገብር" ከም ዝበሉን፡ እቲ ናይ ስብከተ ወንጌል ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ነቶም ብምኽንያት ዓመት ኢዮቤል 2025 ዓ.ም. ናብ ሮማ ንዝነግዱ ብሚሊዮናት ዝቑጸሩ ምመናን ንምቕባል ንዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪ ብምምስጋን ነቲ 2024 ዓ.ም. ዓመት ጸሎት ተባሂሉ እተመደበሉ ኣጋጣሚ ድማ ን2025 ዓ.ም. ዓመተ ኢዮቤል ንምስንዳው ጸሎት ዘለዎ ኣገዳስነት ንምዝኽኻር ከም ዝኾነን፥ ጸሎት ከም ኣብ ቅድሚ ህላወ ጐይታ ምህላውና፡ ብኣኡ ርዱኣት ምዃንና ተቐባልነት ከም ዘለናን ከም እተፈቐርናን ዝስምዓና ተመክሮ ምዃኑ ዳግማይ ክንረኽቦ ኣለና፥”

“ኣሕዋትን ኣሓትን ዝያዳ ክንጽሊ፡ ብዝበለጸ ክንጽሊ፡ ካብ ቤት ትምህርቲ ማርያምን ቅዱሳንን ንጀምር”

ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

16 March 2024, 17:21