ድለ

FILES-ITALY-VATICAN-RELIGION-POPE-GOOD FRIDAY-WAY OF THE CROSS-E FILES-ITALY-VATICAN-RELIGION-POPE-GOOD FRIDAY-WAY OF THE CROSS-E  (AFP or licensors)

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንናይ ዓርቢ ስቅለት ፍኖተ መስቀል ኣስተንትኖ ጽሒፎም

ሎም ዓመት ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ዕለተ ዓርቢ ስቅለ ኣብቲ ኣብ ከተማ ሮማ ዝርከብ ግሩም ህንጻ ኮለስየም ንዝካየድ መደብ ጸሎት ፍኖተ መስቀል ዘገልግል ንፈለማ ግዜ ባዕሎም ቅዱስነቶም ኣስተንትኖ ከም ዝጸሓፉ ቅድስቲ መንበር ኣብ ዘውጽኣቶ መግለጺ ኣፍሊጣ ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዝመርሕዎ ኣብ ከተማ ሮማ ኣብ ዝርከብ ኮለስየም ዝስመ ጥንታዊ ህንጻ ዝካየድ መደብ ጸሎት ፍኖተ መስቀል ከም ልማድ ኣባአኡ ንዝግበር ኣስተንትኖታት ንዝተፈላለዪ ሰባት ሕድሪ ብምሃብ ከካይድዎ ጸኒሖም ።

ይኹን እምበር ሎም ዓመት ቅዱስነቶም ባዕሎም ክጽሕፉ ከም ዝወሰኑ ካብ ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር ዝወጸ መግለጺ ኣፍሊጡ ።

ፍረ ነገር ናይቲ ኣብ ኮለስየም ዝካየድ ኣብ ዓሰርተ ኣርባዕተ ምዕራፋት ፍኖተ መስቀል እተከፍለ ኣስተንትኖ "ምስ ኢየሱስ ኣብ መገዲ መስቀል ዝግበር ጸሎት" ዝብል ኣርእስቲ ክህልዎ ኢዩ።

እቲ ኣብ ኮለስየም ሮሜ ዝካየድ መደብ ጸሎት ፍኖተ መቀል ከም ልምድ ኣብ ዕለተ ዓርቢ ስቕለት ምሸት ሰዓት 9፡15 ድ. ቐ. ኢዩ ክፍጸም ተመዲሙ ዘሎ።

ብመሰረት እቲ ካብ ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተም ቅድስቲ መንበር ዝወጸ መግለጺ እዚ መደብ ጸሎት እዚ ምስቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣቐዲሞም ዝኣወድዎ ዓመት ጸሎት ብምግጣሙ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ፣ ንጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዘማእከለ "ናይ ኣስተንትኖን መንፈሳውነትን ተግባር" ኢዩ።

እቲ መግለጺ ከም ዘመልክቶ እዚ መደብ ጸሎት ፍኖተ መስቀል ኣብቲ ነቲ ናይ መስቀል ጕዕዞ ዝፈጸመን ነፍስወከፍ ሰብ ከሰንዮን ኣብ ዘፍቀደ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርቶስን ዘተኰረ ክኸውን ኢዩ።

"እዚ ድማ ኣብቲ ኵሉ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብቲ ናይ ሕማማቱ ህሞት ዘሕለፎ ተመክሮ ዘተኰረ ኮይኑ፣ ብዛዕባ ስቓይ እውን ዘተኮረ ክኸውን ኢዩ። " በዚ ኸምዚ ድማ ብተዘዋዋሪ መንገዲ ብዛዕባ እዚ ህልው ኩነት ዘስተንትን ኣርእስቲ ክኸውን ኢዩ።

27 March 2024, 17:53