ድለ

2023.06.24 Incontro Pontificia Commissione America Latina, Cal con Aiuto Chiesa ACN 2023.06.24 Incontro Pontificia Commissione America Latina, Cal con Aiuto Chiesa ACN  

ር. ሊ. ጳ. ቤተ-ክርስትያን እትገብሮ ሰብኣዊ ናይ ግብረ ሰናይ ረድኤት 'ዝምስገን' ምዃኑ ኣጕልሑ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነተን ኣብ ላቲን ኣመሪካ ዝሰርሓ ዘለዋ ውድባት ረድኤትን ግብረ ሰናይን መስቀለን ክስከማን ኣብቲ ኢየሱስ ንእተሸገሩ ብጭቡጥ መገዲ ንምሕጋዝ ዝገበሮ ተልእኾ ኺሓብራን ኣተባብዕወን።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መንጎ እተን ኣብ ላቲን ኣመሪካ ዝሰርሓ ትካላት ሰብዓዊ ረድኤትን ሓድነትን ን ምትሕብባር ንምፍጣር ብዝብል ሓሳብ ብናይ ቅድስቲ መንበር ብዛዕባ ምልኡእ ምዕብልና ደቅሰባት ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ዝካየድን ብቤት ምኽሪ ብፁዓን ጳጳሳት ላቲን ኣመሪካ ናብ እተወደበ ዓውደ ጉባኤ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዝሓለፈ ሰኑይ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ኣብ ሰብኣዊ ናይ ግብረ - ሰናይ ዕዮ ኣብ እተጸመድናሉ እዋን ውጽኢት ጻዕርና ኽንርኢ ምስ ምድላይና ነቲ ብልግሲ ምሃብ ዚብልዎ ሓሳብ ብኸመይ ከነሰማምዖ ከም እንኽእል ሓሳብ ኣቕረቡሎም ።
ተወከልቲ እዘን ጕጅለታት እዚኣተን ኣብዚ ሰሙን እዚ ኣብ ቦጎታ ኮሎምብያ ጉባኤ የካይዱ ኣለዉ ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ካብ ቃለ መሕትታዊ ሕቶታት ጀሚሮም ንመልእኽቶም ብዛዕባ "ናጻ ልግሲ" ንምስትንታን ኣወፈይዎ ። በዚ ኸምዚ ድማ ካብቶም ሕቶታት ብምብጋስ - መን፡ መዓስ፡ ኣበይ፡ ስለምንታይ ከምኡውን ብኸመይ ንዝብሉ ሕቶታት ኣቕረቡሎም ።

ንኣምላኽ ዘማእከለ ዕዮ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም ኣምላኽ ማእከል ናይ ልግስና ክኸውን ከም ዘለዎ ኣመልከዱሎም ። ንሕና መገብትን ዓደልትን ኽንከውን ከለና እቲ ወሃቢ ግና ኣምላኽ ኢዩ፣ ነቲ ኣሎና እንብሎ ኵሉ ዝህበና ድማ ንሱ እዩ ።

ውህበት ኣምላኽ ንጻ ህያብ ምዃኑ እንተ ደአ ተገንዚብና፣ ኣብ ናይ ሓሶት ቍጠባዊ ውሕስነት ብምውካል ባሮት ገንዘብ ኣይንኸውንን ኢና፣ እዚ ድማ ኣብ ስሉጥነትን ቍጽጽርን ምምሕዳር ዘተኰረ እዩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብምቕጻል "ኣብ ሓደ ነጥበ መቐይሮ " ኣምላኽ ንገዛእ ርእሱ ንህዝቡ ኸም ዚህባ ምግንዛብ የጠቓልል ።

ኣስዕብ ኣቢሎም ኸኣ ነቶም "ከም ዕዉራት ዚመላለሱ፣ ኣብ ጥቓ መገዲ ዚወድቁ፣ ከም ለምጺ ብጸበባ እተኸድኑ" ንጐይታና "ንጸገማቶም ከይገጥምዎ እንታይ ይኽልክሎም ከም ዘሎ?" ከርእየና ንለምኖ በልዎም ።

ኣምላኽ ንህዝቡ "ኵሉ ሳዕን ምሉእ ብምሉእን " ገዘእ ርእኡ ከም ዚህቦም፣ ማለት ኣብ ፍቕሩን ይቕረ በሃሊነቱን ደረት ከም ዘይብሉ ኣጕልሑ ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ለጋስ ምዃን ኪበሃል ከሎ፣ ነቲ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንህዝቡ ኣብ ክንዲ ድኽነትና ወትሩ ግዜ ምሉእ ብምሉእ ነቲ ምእንታና ርእሱ ዚህበሉ መገዲ ምኽታል ማለት ምዃኑ ኣትሪሮም ኣመልከቱ ። ስለምንታይከ ? ፍቕሪ ክንዲ ዝኾነ ።" ድማ በሉ።

መስቀልካ ምስካም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ በዚ ምኽንያት እዚ ኢና እምበኣር ኣብ ውጽኢት ናይ ግብረ ሰናይ ኣገልግሎትና እምብዛ ኸነተኵር ዘይብልና ። "በዚ ኸምዚ ንገዛእ ርእስና ብምሃብ ነቲ ንዅላትና ኼድሕነና ኢሉ ርእሱ ዝሃበ ኢየሱስ ንምሰሎ" በሉ።

"መስቀልካ ምስካም ምልክት ፍሽለት ኣይኮነን ፣ ኸንቱ ዝኾነ ዕዮ ውን ኣይኰነን፣ እኳ ደአ ምስ ተልእኾ ኢየሱስ ምሕባር ኢዩ ።... ንቝስሊ ናይቶም ኣምላኽ መወዳእታ ዘይብሉ ክብሪ ዘኽበሮም ፣ ስም ዘለዎ ኣሕዋትን ኣሓትን ወይ ንቑስሊ ናይ ሓደ ማሕበረሰብናን ብጭቡጥ መገዲ ምትንካፍ እንክኸውን፣ ወይ ብርሃን ምሃብ፡ ኣእጋሩ ምብርታዕ፡ ኣብ ጸበባኡ ምንጻህ፡ ነቲ ጐይታ ንዓታቶም ዘለዎ መደብ ፍቕሪ ምላሽ ንኺህበሉ ኣጋጣሚ ምሃብ፡ ኣብ ኣብራኹ ወዲቕካ ብምሕታት ኢየሱስ ኣብኡ ምስ በጽሐስ እምነት ዶ ክረክብ ይኽእል ኢዩ።" ኢልካ ኣብ ተልእኾኡ ምስታፍ ኢዩ እንክብሉ ቅዱስነቶም መልእኽቶም ዛዘሙ።

06 March 2024, 17:30