ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ መንእሰያት ናይታ ኣብ ምንቅስቓስ እትርከብ ቤተ ክርስቲያን ህያው ተስፋ እዮም! ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ መንእሰያት ናይታ ኣብ ምንቅስቓስ እትርከብ ቤተ ክርስቲያን ህያው ተስፋ እዮም! 

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ መንእሰያት ናይታ ኣብ ምንቅስቓስ እትርከብ ቤተ ክርስቲያን ህያው ተስፋ እዮም!

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሓምሻይ ዓመት ዝኽሪ ሓዋርያዊ ምዕዳን ‘Christus vivit - ክርስቶስ ህያው እዩ’ መንእሰያት “ዕርክነት ምስ ክርስቶስ ዝወልድዶ ሓጐስ ኣብ ቅድሚ ኩሉ ኣብ ምምስካር ድምጾም ከስምዑ” ይዕድሙ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ክርስቶስ ህያው እዩ!  ህያው ክትኮኑ ይደልየኩም” ዝብል “ርግጸይናነት” ቅዱስነቶም ድሕሪ እቲ መንእሰያትን እምነትን ጸዋዕታን መመያን” ብዝብል ኣርስቲ ተመሪሑ ኣብ 2018 ዓ.ም. ኣብ ኩላዊት ቤት ክርስቲያን ዝተኻየደ ሲኖዶስ ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከም ዘስመሩሉን ዝዝከር ኮይኑ ቅዱስነቶም ብምኽንያት ዝኽሪ ሓምሻይ ዓመት ሓዋርያዊ ምዕዳን “ክርስቶስ ህያው እዩ” ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልኽቲ፥ እቲ ናይታ ሓዋርያዊ ምዕዳን ቃላት ኣብዛ ብብዙሕ ግርጭታትን መከራን እትልለይ ዓለም ተስፋ ምቑራጽ ከይህሉ ቃላተይ ምንጪ ዝተሓደሰ ተስፋ ክኸውን ደስ ይብለኒ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ክርስቶስ ህያው እዩ የፍቅረካ እውን እዩ!

ቅዱስ ኣቦና ንመንእሰያት “ክርስቶስ ህያው እዩ! ብዘይውዳእ ፍቕሩ ድማ የፍቅረኩም” ክብሉ ኣብ መልእኽቶም ኣረጋጊጾም፥ “ከም ዓርኪ ምስኡ ክትመላለሱ፡ ኣብ ሕይወትኩም ብሓጎስ ተቐበልዎ፡ ኩሉ ሓጐስን ተስፋን፡ ኣብ ህይወትኩም ናይዚ እዋን ሽግርን ቃልስን ዝካፈል እዩ” ምስ በሉ፥ ንሰባት ብዛዕባ’ቲ ዝተቐበልክምዎ “ዓቢ ተልእኾ” “ካብ ዕርክነት ምስ ክርስቶስ ዝውለድ ሓጐስ ኣብ ቅድሚ ኩሉ መስክሩ” እንክብሉ ኣዘኻኽሮም፣ መንእሰያት ድምጾም ብዓውታ ከስምዑ፥ ከም እተላበዉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ኣብ ቅድሚ ኢየሱስ ምንባር ንመንእሰያት፡ “ነቲ ሕሉፍ ዝኽሪ” ፍረ ዘለዎ ክኸውን ከም ዘፍቅድን “ኣብ ህልው ኩነት ትብዓት ክትረኽቡን” ከምኡ’ውን “ንመጻኢ ብተስፋ ክትገጥምዎን ክሕግዘኩም እዩ” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

ተስፋ ቤተ ክርስቲያን ‘ኣብ ምንቅስቓስ’

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ “ክርስቶስ ህያው እዩ” ዘርእስቱ ሓዋርያዊ ምዕዳን፥ "ፍረ ናይቲ ንፍቓድ ጐይታ ብምስማዕን ብዘተን ብቐጻሊ ምስትውዓልን ብሓባር ንቕድሚት ክትምርሽ እትደሊ ቤተ-ክርስትያን እዩ" ቢሎም፥ ንመንእሰያት - "ሕጂ ኣብዚ ሓድሽ ደረጃ ናይቲ ዘደንቕ ጕዕዞና ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ሓድሽ መገድታት ንምርካብ ወትሩ ንኣናስርና እሙናት ንምዃን ኣብ ናይ ምምሃዝ ክእለትኩም ክንምርኰስ የድልየና ኢዩ፡” መንእሰያት “ህያው ተስፋ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ምንቅስቓስ” ምዃኖም ብምዝኽኻር፡ ኣብ ሕይወት ቤተ ክርስቲያን ህልዋን ምዃኖምን ስለ ኣበርክቶኦን ብምምስጋን፥ "እቲ ጽቡቕ መገዲኹም ከይትኽልኡና . . . መገድኹም ከም ናይ ጽሩይን ጽቡቕ ጌሩ ዝተቓነየን ድራኸታትኩም ከምኡውን እቲ ፍሉይ ኣነባብራኹምን ሓጐስ እቲ ንሞት ስዒሩ ዝተንስአ ኢየሱስ እትእውጀሉን እዩ” እንክብሉ መልእኽቶም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

26 March 2024, 15:40