ድለ

2022.14.04 GAZA, LA CHIESA CATTOLICA DELLA SACRA FAMIGLIA  2022.14.04 GAZA, LA CHIESA CATTOLICA DELLA SACRA FAMIGLIA  

ር. ሊ. ጳ. ፦ ተስፋ ኻብቲ ብቓንዛ እተዘርአ ዘርኢ ኺመጽእ ይከአል ኢዩ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብታ ናብቶም ኣብ ቅድስቲ መሬት ንዝርከቡ ካቶሊካውያን ምእምናን ኣብ ዝጸሓፉሎም ናይ በዓለ ትንሳኤ መልእኽቲ፣ መንፈሳዊ ቅርበቶምን ኣባታዊ ፍቕሮምን ገለጹሎም፣ ነቶም ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ክርስትያን ምእመናን ከኣ ሰላም ንኽረኽቡ ጭቡጥ ደገፍን ጸሎትን ከወፍዩሎም ኣተባብዕዎም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቶም ኣብታ ቅድስቲ መሬት ዚነብሩ ካቶሊካውያን ምእመና መዓልታዊ ኣብ ሓሳቦምን ጸሎቶምን ከም ዘለዉ ኣመልከቱሎም ።

ወሲኾም ድማ ከምዚ ክብሉ ጸሓፉ - "ንዅላትኩም ከከም ትውፊታዊ ስርዓታትኩም ኣብ መላእ እታ ቅድስቲ መሬት እትነብር ፍቑራት ካቶሊካውያን ምእማን፣ ሰላምታይን ምዉቅ ሕቑፈይን እልግልሰልኩም ኣሎኹ ።”

ቅዱስ ኣቦና ኣብታ ሎሚ ረቡዕ ዝወጸት መልእኽቲ በዓለ ትንሳኤ፣ ነቶም ንህይወትን ሞትን ትንሳኤን ኢየሱስ ኣብቲ እተቐደሰ ቦታታት ዘኽብሩ ዘለዉ ምእመናን ፍሉይ ኣገዳስነት ከም ዘለዎ መስከሩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ክርስትያን ምእመናን ኣብተን ንዘመናት ዚነብሩለን ዘልዉ ሃገራት ኪነብሩ ኸም ዚደልዩ ኣፍልጦ ብምሃብ፣ ስለቲ እምነቶምን ሰናይ ተግባራቶምን ተስፋኦምን ኬመስግንዎም ሰናይ ምዃኑ ገለጹ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ብ2014 ኣብታ ቕድስቲ መሬት ዝገበርዎ ምብጻሕ ይዝክሩ፣ ንቓላት ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ ብምዝካር ድማ ነቲ ንሰላምን ደሓንን ከምኡውን ንሰብኣዊ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዚርአ ቐጻሊ ውጥረት ዜጠንቅቕን ዘለዎም ባህግን ይደግሙ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ እቶም ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝርከቡ ክርስትያን ምእመናን ነቲ "ቦታታት ድሕነትና" ኣብ ምሕላው ዘለዎም ግደን ከምኡውን "ብስቓዮም ኣቢሎም ነቲ ምስጢር ሕማማት ጐይታ" ኣብ ምሕላው ዘለዎም ግደ ውን ኣጕልሑ ። "ከም ብሓድሽ ክትትንስኡን ንቕድሚት ክትግስግሱን ስለ ዝኸኣልኩም እቲ እተሰቕለ ጐይታ ኻብ ምዉታት ከም ዝተንስአ ኣዊጅኩምን ምእዋጁ ትቕጽሉን ኢኹም ዘሎኹም " ክብሉ ጸሓፉሎም ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዕብ ኣቢሎም ምእንቲ እቶም ኣብ ቅድስቲ መሬት ዘለዉ ክርስቲያንን ምስኣቶም ኮይኖም ውን ንዝጽልይዎ ጸሎት ኣካፈልዎም፦

ጐይታይ ንስኻ ሰላምና ኢኻ (cf. Eph 2 14-22)። ኣቱም ገበርቲ ሰላም ብፁዓት ኢኹም (ማቴ 5 9)፦ ንልቢ ሰብ ካብ መንፈስ ጽልእን ዓመጻን ሕነ ናይ ምፍዳይ ሓራ ኣውጽኣልና። ናብ ኣብነትካ ንጥምት እሞ ነቲ መሓርን ፈቃርን ከምኡውን ትሑት ዝዀንካ ንዓኻ ንስዕብ (ከ. መ. ኣ. 11 29)።  ዋላ ሓደ ሰብ እዃ ነቲ ምሳኻ ናይ ምትንሳእ ተስፋና ኣይመንዝዓና ።  ንነፍስ ወከፍ ሰብኣይን ሰበይትን ካብቶም ኣዝዮም ተነቅፍቲ ዝኾኑ ኣብ መንጐና ዘለዉ ኣረገውትን ቈልዑ ከምኡውን ድኻታት ጀሚርና ብዘይ ሃይማኖታውን ዓሌሌታውን ወይ ዜግነታውን ኣፈላላላይ ንኽብሪ ነፍሲ ወከፍ ካብ ምጥባቕ ድሕር ከይንብል ሓግዘና። ክብሉ ጸሎቶም ኣካፈሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም በይኖም ከም ዘይኰኑ እንደገና ብምርግጋጽ እታ ኣድማሳዊት ቤተ-ክርስትያን "ብጸሎትን ብግብራት ግብረ-ሰናይን" ኣቢላ ሓድነት ከም እተርእዮም ተመባጽዑሎም።

"ድሕሪ ሓጺር እዋን ከም ከም ነጋድያን ኴንና ምሳኻትኩም ከም እንራኸብን ናባኻትኩም ክንመጽእን ክንሓቝፈኩምን እንጌራ ኣሕዋት ምሳኻትኩም ክንቆርስን ከምኡውን ካብቲ ስቓይ ዝመልኦ ዝዘራእኩሞ ዘርኢ ብትዕግስቲ እትከናኸንዎ ለውሃትኩምን ጠጥዒ ተስፋ ኸነስተማቕር ተስፋ ንገብር" ድማ በሉ።

ድሕርዚ ቅዱስ ኣቦና ንኹሎም "ጳጳሳትን ካህናት ከምኡውን ሰብ ውፉይ ሕይወት" ስለቲ ኣብ መንጎ እዚ ህዝቢ ዝገበርዎ ዕዮ ኣመስገንዎም፣ "ኣብዚ መስቀላዊ መከራ... እቲ ኽቡር ናይ ሓድነት ወርቂ ኣብ መንጎ ካቶሊካውያንን ካልኦት ክርስትያናትን ክነጽህን ክበርህን ይኽእል ኢዩ ድሕሪ ቢሎም ። ምስ እዞም ክርስትያን ምእመናን እዚኣቶም "መንፈሳዊ ቅርበትን ምትብባዕን" ከም ዘሎና ንገልጸሎምን በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ መደምደምታ መልእኽቶም ነቶም ኣብታ ቅድስቲ መሬት ዚነብሩ ሰዓብቲ ካቶሊካዊ እምነት ዕቝባ ቅድስቲ ድንግል ማርያም "ጓል ድሮም" ከይፍለዮም ድሕሪ ምጽላይ ።

ኣብ መላእ ዓለም ንዚርከቡ ክርስትያን ከኣ "ኵሎም ህዝቢ እታ ፍቕርቲ ምድርኹም ብሰላም ክትነብሩ ከየባተኹ ኺጽልዩልኩም ኢዮም" እንክብሉ መልእኽቶም ዛዘሙ።

27 March 2024, 17:51