ድለ

2024.03.20 VI SEMANA SOCIAL BRASILEIRA 2024.03.20 VI SEMANA SOCIAL BRASILEIRA 

ር. ሊ. ጳ. ናብ ናይ ብራዚል ማሕበረሰብኣዊ ሰሙን - 'ንኢየሱስ ኣብ ገጽ ድኻታት ንርኣዮ'

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቶም ካብ ዝሓለፈ ረቡዕ ዕለት 20 መጋቢት ኣብ ብራዚል ዝካየድ ዘሎ ብጉባኤ ብፁዓን ጳጳስት ሃገረ ብራዚል እተወደበ ሻድሻይ ክፍል ማሕበረሰብኣዊ ሰሙን ብራዚል፣ ንእተሳተፉ ተጋባእቲ ናይ ምትብባዕ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም "ኣድማሳዊ ሕውነትን ማሕበራዊ ዕርክነትን ዝርከበሉ ዝያዳ ፍትሒ ዘለዎ ሕብረተሰብ" ክትሃንጹ ድማ ጸዓሩ እንክብሉ ኣተባዕዎም።

ኣብ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

"ኣብቶም ብሰንኪ ማሕበረሰብኣዊ ምጕዳል ፍትሒ ኣብ ድኽነት ክነብሩ ዝግደዱ ዘለዉ ገጽ ናይቲ እንታይ ገደሰኒ ከይንብል ዘተባብዓና ኢየሱስ ክንርኢ ንፈትን፣ ከመይሲ ከምቲ ባዕሉ ዝበሎ ፤ ንሓደ ኻብዞም ዝነኣሱ ኣሕዋተይ ዝገብርኩምዎ ዘበለ ኵሉ ንዓይ ከም ዝገበርኩምለይ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ።"

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቶም ካብ ዕለት 20-22 መጋቢት ኣብ ብራዚል ኣብ ዝካየድ ዘሎ ሻድሻይ ክፍላ ማሕበረሰብኣዊ ሰሙን ብራዚል ንእተሳተፉ ሰባት ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ነዚ ጻውዒት እዚ ኣቕረቡሎም።

እዚ ኣጋጣሚ እዚ ብኤጲስቆጶሳዊ ሽማግሌ ንሓውርያዊ ጉስነት ምእንቲ ማሕበረሰባኣዊ ለውጢ ዝተሰምየ ናይ ጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳስት ብራዚል ኮሚሽን እተወደበ ኮይኑ፣ “እታ እንምነያ ብራዚል፣ ሰባት ብሠናይ ዝነብሩላ ኢያ” ዝብል ፍረ ነገር ዘለዎ ኢዩ።

ናብ ሓንቲ "ኣብ ዕዮ ዘላ ቤተ-ክርስትያን" ዝመርሕ መገዲ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ መልእኽቶም ነዚ ተበግሶ እዚ ነኣድዎ "ንጽቡቕን ዕቤትን እቲ ዋዕለን ፍሬኡ ንምርኣይን" ኢሎም ድማ ኣብ ጸሎቶም ከም ዝዝክርዎም ኣረጋገጹሎም ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እቲ ናይ መጀመርታ ክፍለ ግዜ ናይዚ ዋዕላ ብ1991 ካብ ዝካየድ ንነጀው "ማሕበራዊ ሰሙን ብራዚል ንመካበብያ ተገልሎን ዘይምግዳስን ዘፍርስ፣ ነቶም ዝደኸዩን ነቶም መንበሪ ቦታን ኣባይትን ስራሕን ንኽረኽቡ አብ ዝገብርዎ ቓልሲ መሰረታዊ መሰላት ንዘይረኸቡን ሰባት ንምስናይን፣ ናብ ሓንቲ 'ኣብ ዕዮ እትርከብ ቤተ-ክርስትያን' ዘመርሕ መገዲ ክኸውን ኢዩ" ድማ በሉ።

ኣብ ርእሲ እዚውን ቅዱስ ኣቦና "ኣብ ውሳኔታት እታ ሃገር ናይ ሓቂ ተሳትፎ ዝግበረሉ ሕብረተሰብ ንምህናጽ ዝሕግዝ ሓድሽ ኣብ ሓድነት እተመስረተ ቝጠባን ከምኡውን ደሞክራስያዊ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ከም ብሓድሽ ክህነጽ ሓሳብ ዘቕርብ ኢዩ" ክብሉ ነቲ ዋዕላ ይገልጽዎ።

ቦታን ቤትን ስራሕን

በዚ መዳይ እዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስ መንእሰያት ብራዚላውያን ብምዃን "ንቍጠባ ክላራን ፍራንቸስኮን" ክንዲ ዝጐስጐሱን ከምኡውን ነቶም ተሳተፍቲ ናይቲ ብ2014 እተገብረ ዋዕላ ህቡባት ምንቅስቓሳት ዓለም ዘፍረዮ "ኣዝዩ ጭቡጥ ትምኒት" ምላሽ ንምሃብ ጻውዒት ብምግባሮም ከም ዘመስገንዎም ገለጹ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ እቲ ጭቡጥ ትምኒት "ነፍሲ ወከፍ ኣቦን ነፍሲ ወከፍ ኣደን ንደቆም ዚብህግዎ ነገር እዩ፣ እዚ ባህጊ እዚ ንዅሉ ሰብ ክበጽሖ ዝግባእ እኳ እንተዀነ ሎሚ ግን "እቲ ዘሕዝን ኣብ ህይወት ብዙሓት ሰባት ማለት ኣብ ቦታን መንበሪ ገዛን ስራሕን ንምርካብ ጋህዲ ካብ ምዃን እናረሓቕና ኢና እንኸይድ ዘሎና" ብምባል ጓሂኦም ገለጹ ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ እቲ ምስ ማሕበራዊ ሰሙን ብራዚል እተተሓሓዘ " ንህይወት ዝኸውን ወፍሪ " ብዝተሰምየ ሓባራዊ ዘተ ተወከልቲ ቤተ-ክርስትያንን ምስ ማሕበራዊ ሰሙን ብራዚል እተተሓሓዘ ተበግሶ "ንዅሉ ፍትሒ ዘለዎ ማሕበረሰብን ዓድማሳዊ ሕውነትን ከምኡ ውን ሕብረተሰብኣዊ ዕርክነትን ዝጠቅም ብዙሕ ፍረታት ከፍሪ" ዘለዎም ተስፋ ገሊጾም ።

22 March 2024, 16:24