ድለ

2024.03.08 Celebrazione penitenziale e Confessioni 2024.03.08 Celebrazione penitenziale e Confessioni  (Vatican Media)

ር. ሊ. ጳ. ብዛዕባ ዩክረይን ንምምይያጥ ትብዓት ከም ዘድሊ ኣመልከቱ

ዋና ኣመሓዳሪ ቤት ጽሕፈት ዜና ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር ማተዮ ብሩኒ ብዛዕባ እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ምስ ሓደ ስዊዘርላንዳዊ መደበር ተለቪዥን ዝገበርዎ ቃለ - መሕትት ንጋዜጠይናታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ - "ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ውግእ ደው ንኽብል ጻውዒት ንምቕራብን፣ ተጻብዖታት ንምቁራጽንን ትብዓት ዘለዎ ዘተታት ንምክያድን ንኸመልክቱ፣ እቲ ቃለ - መጠይቕ ዘቕረበሎም ጋዜጠይና ዘዳለወሎም ጻዕዳ ሰንደቕ ዕላማ ኣልዓሉ ። ንሰላም ዘለዎም ተስፋ ኣብ ሥነ ሜላዊ ክሌኣዊ ፍታሕ ዝተመኮሰ ምዃኑ ድማ ኣመልከቱ ።"

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ በቲ ብዛዕባ ዩክረይን እተዛረብዎ ቃላት ኣቢሎም እቲ ኣብታ ሃገር ዝቕጽል ዘሎ ውግእ ደው ኬብልዎን፣ ውዕላትን ዘተታትን ምክያድ ዘኽእል ትብዓት ከምዘድሊ ኣመልኪቶም ።

ዋና ኣመሓዳሪ ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተም ቅድስቲ መንበር ማተዮ ብሩኒ  ትማሊ ቀዳም ምሸት ብዛዕባ እቲ ረድዮ ቴለቪዥን ሱሰ ዘውጽኦ ቃለ መሕትት ብጋዜጠይናታት ዝቐረበሉ ሕቶታት መግለጺ ኣቕሪቡ።

ብሩኒ ኣብ መግለጺኡ እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነታ ወትሩ "በጃ ትኸውን ዘላ" ኢሎም ዝገልጽዋ ዩክረይን ሰላም ንኽትረክብ ዘለዎም ባህጊ፣ ኣብቲ ብ25 ለካቲት ኣብ ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ዘቕረብዎ ቃል ምሕጽንታ ምሉእ ብምሉእ ተገሊጹ ከም ዘሎ ኣመልከተ ።

ኣብቲ ኣጋጣሚ እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንህዝቢ ዩክረይን "ዓሚቝ ፍቕሪ" ኸም ዘለዎም ኣረጋገጹ። ንዅሎም እቶም ጕጅለታት ከኣ "ፍትሓውን ነባርን ሰላም ንምርካብ ሥነ ሜላዊ ክልኤዋኢ ፍታሕ ንምክያድ ኵነታት ክፈጥሩ" ጻውዒት ኣቕረበሎም።

 ብሩኒ ኣስዒቡ "ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነታ ጻዕዳ ሰንደቕ ዕላማ እትብል ስያመ ተጠቀሙላ፣ ነቲ እቲ ቓለ-መጠይቕ ዘቕረበሎም ጋዜጠይና ዘዳልዋ ምስሊ ኣልዒሎም ድማ፣ ውግእ ንኸቋርጽ ብምሕባር ምላሽ ሃቡ ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብቲ ቓለ-መጠይቕ ብዛዕባ ኻልእ ግጭት እኳ እንተ ተዛረቡ ንዅሉ ውግእ ብምጥቃስ ግን 'ዘተ ንምክያድ ክንደክም የብልና ' ብምባል ብንጹር ገለጹ።"

ኣብቲ ቃል መሕትት እቲ ጋዜጠይና ሎረንዞ ቡቸላ ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከምዚ ክብል ሓተቶም - "ኣብ ዩክረይን ገሊኣቶም ኢዶም ንኽህቡ ትብዓት ክገብሩ ጻውዒት ይቀርበሎም ኢዩ፣ ማለት ጻዕዳ ሰንደቕ ዕላማ ከልዕሉ ። ገሊኣቶም ግን እዚ ነቲ ዝሓየለ ወገን ሕጋውነት ምልባስ ዶ ኣይገብሮን፣ እንታይ ይመስለኩም?"

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ከኣ "እዚ ሓደ ትርጕም እዩ ። እንተዀነ ግን እቲ ዝሓየለ ዝበሃል እቲ ነቲ ዅነታት ዝተገንዘቦ፣ እቲ ብዛዕባ እቶም ሕዝቢ ዝሓስብ፣ ጻዕዳ ሰንደቕ ዕላማ ንምልዓል ትብዓት ዘለዎ፣ ዘተ ንምክያድ ትብኣት ዘለዎ ሰብ ከም ምዃኑ ኢየ ዝኣምን። ሎሚ እውን እንተኾነ ብደገፍ ኣህጉራውያን ሓይልታት ዘተ ክግበር ይከኣል ኢዩ ። እታ 'ምምይያጥ' እትብል ቃል ናይ ትብዓት ቃል ኢያ ። ከም እተሳዕርካን ነገራት ጽቡቕ ከም ዘይከዱልካ ምስ ረኣኻ ንኽትመያየጥ ትብዓት ኪህልወካ ኣለዎ። ክትሓፍር ትኽእል ኢኻ፣ እተኾነ ግን ክንደይ ዚኣኽሉ ሰባት ምስ ሞቱ ኢዩ መወዳእታ ክግበረሉ? ዘተ ኣብ ግዜኡ ክኸውን አለዎ፣ መንጐይና ክኾና ዝኽእላ ሃገራ ሃሰስ ምባል የድሊ ። ንኣብነት ኣብዚ  ኣብ ዩክረይን ዝካይድ ዘሎ ውግእ መንጐይናታት ክኾኑ ዝደልዩ ብዙሓት ኣለዉ ። ቱርኪ ነዚ ንምግባር ንገዛእ ርእሳ ድልውቲ ኢያ ዘላ ። ካልኦት እውን ብዙሓት ኣለዋ ። እንተ ኾነ ግን እቲ ዅነታት ከይ ተጋደደ፣ ከሎ ገና ንምምይያጥ ሕፍረት ኣይድልን ኢዩ" በሉ።

ስለዚ እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እተዛረብዎ ቃላት ካብቲ እቲ ቃለ መሕትት ዘቕረበሎ ገዜጠይና እተወስደ ምስሊ ዀይኑ ገለ ኻብቲ ኣብዚ ኽልተ ዓመት ዝቐጸለን ብቐጻሊ ምሕጽንታታትን ህዝባዊ መግለጺታትን ተገሊጹ ዘሎ፣ ማለት ኣገዳስነት ናይቲ ኣንጻር ውግእ ዝግበር ዘተታት ከምኡውን ብዛዕባ እቲ “ዕብዳን ዝኾነ ውግእ” ኣንጻር በርገሳውያን ሰባት ዝግበር ዓመጻ ስለ ዘተሓሳስቦም ኢዩ።

ብሩኒ ኣብ መገለጺኡ "እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘለዎም ተስፋ" ብምባል ይቕጽል፣ ኣብዚ ዓመታት እዚ ዅሉ ሳዕ ዝደጋግምዎ ኢዩ፣ ኣብዚ ቐረባ ግዜ ውን ኣብ ካልኣይ ዓመት ዝኽሪ እቲ ግጭት ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ደጊሞምዎ ኢዮም - 'ነቶም በጃ ዝዀኑ ዘለዉ ህዝቢ ዩክረይን ዘሎኒ ዓሚቝ ፍቕሪ ከሐድሶን ንዅሎም ሰባት ብፍላይ ከኣ ንብዙሓት ንጹሃት ግዳያት ብምጽላይ፣ ንስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ፍታሕ ዝኸውን ኵነታት ንኽፍጠር ዘኽእል ቁሩብ ዕድላት ክርከብ እልምን ኣሎኹ። እዚ ድማ ፍትሕን ነባሪ ሰላም ንምርካብ ኢዩ፣" ከም ዝበሉ ኣመልኪቱ ።

11 March 2024, 15:36