ድለ

UKRAINE-RUSSIA-CONFLICT-WAR UKRAINE-RUSSIA-CONFLICT-WAR  (AFP or licensors)

ር. ሊ. ጳ. ብዛዕባ ውግእ ዩክረይን፦ 'ዘተ ንምክያድ ኣይትሕፈር'

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ምስ ሓደ ስዊዘርላንዳዊ መደበር ተለቪዥን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ-መሕትት ብዛዕባ እተፈላለየ መዳያት ውግእን ኣዕናዊ ሳዕቤናቱን ብሰፊሑ ኣመልከቱ፣ ውግእ ንምክያድ ክልተ ወጋናት ከም ዘሳትፍን ብምምልካት፣ ነቲ ኣብ ዩክረይንን ቃዛን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ደው ንምባልን ብኽልቲኦም ወገናት ትብዓት ከም ዘድሊ ገሊጾም ።

ኣባ ተወልደ መብራቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቲ ብናይ ስዊዘርላንድ ረድዮ ቴለቪዥን ሱሰ፣ ብቋንቋ ፈረንሳይ ዝፍኖን፣ ገለ ክፋል ናቱ ድማ ትማሊ ቀዳም ድሕሪ ቀትሪ ዝተመሓላለፈ ቃለ መሕትት ኣካዪዶም።

እቲ ንሎረንዞ ቡቸላ ብዛዕባ ባህላዊ ውጥናት "ክሊከ" ኣብ ዝብል መደብ ዘካየደሎም ቃለ መሕትት ምሉእ ትሕዝቶኡ ኣብ መጀመርታ ናይ ወርሒ ለካቲት ዝገበርዎ ኮይኑ፣ ንዝመጽእ ዕለት 20 መጋቢት ከኣ ኣብ መደበር ተለቪዥን ስዊዘርላንድ ክፍኖ ኢዩ።

እቲ ኣገልግሎት ቴለቭዥን ስዊዘርላንድ ዝጸሓፎ ጽሑፍ ከም ዚሕብሮ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብቲ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ብዛዕባ እቲ ንምድሪ ዘዕንዋ ዘሎ ውግኣት ብፍላይ ከኣ ብዛዕባ እቲ ሩስያ ኣብ ዩክረይን ተካይዶ ዘላ ውግእን፣ ብዛዕባ እቲ ኣብ ቃዛ ዝቕስል ዘሎ ውግእ እስራኤልን ሓማስን ዘለዎም ሓሳባት ገለጹ ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት መዓልታዊ ልክዕ ሰዓት 7 ድሕሪ ቀትሪ፣ ናብቲ 600 ሰባት ተዓቚቦምሉ ዘለው ኣብ ቃዛ ዝርከብ ቍምስና ቅድስቲ ስድራ ናይ ስልኪ ጻውዒት ብምግብር ደሓዮም ይገብሩ ኢዮም ።

"ብዛዕባ እቲ ዘጋጥሞም ዘሎ ነገራ ድማ ይምስክሩለይ እዮም" ይብሉ ቅዱስነቶም ። "እዚ ውግእ እዩ። ውግእ ንምግባር ከኣ ሓደ ጥራይ ዘይኰነስ ክልተ ኣካልት ኢዮም ዝሳተፍዎ ። እቶም ብሓላፍነት ዚሕተቱ ከ እዞም ክልተ ኣካላት እዚኣቶም እዮም፣ እቶም ውግእ ዚገብሩ ዘለው።"

ቅዱስነቶም እቲ ሃማስ ዝገበሮ "ውግእ ደባይ ተዋጋእቲ" እውን "ዜስካሕክሕ ነገር" ብምባላ ዘለዎም ጓሂ ገለጹ።

'ምምይያጥ ኢድካ ምሃብ ኣይኮነን'

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣስዕብ ኣቢሎም ኣብ ዝዀነ ይኹን ውግእ ብኽልቲኡ ወገናት ሰላማዊ ዝርርባት ንምክያድ ወትሩ ናብ ጠረጴዛ ኮፍ ክብሉ ከም ዘለዎም ገለጹ ።

"ዘተ ምግባር ማለት ኢድካ ምሃብ ማለት አይኮነን" ድማ በሉ ። ኣስዒቦም ድማ "ምእንት’ዚ ሓንቲ ሃገር ርእሰ-ቕትለት ንኸይትፍጽም ትብዓት ክህልዋ የድሊ ።"

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዛዕባ እቲ ኣብ ዩክረይን እተገብረ ናይ ሰላም ዘተታት እንክገልጹ ነቶም ኣብ ዩክረይን ዝርከቡ ጕጅለታት "ኵነታት እናገደደ ቕድሚ ምኻዱ ውዕላት ንምግባር ከይሓፍሩ" ኣብ መኣዲ ዘተ ክቐርቡ ተማሕጸንዎም።

ብሓገዝ "ኣህጉራዊ ሓይልታት" እውን ዘተ ክግበር ከም ዝከኣል ኣመልከቱሎም ።

"እዛ 'ምምይያጥ' እትብል ቃል ናይ ትብዓት ቃል ኢያ" ድማ በሉ። "ከም እተሳዕርኩም ምስ ረኣኹም ኵነታት ጽቡቕ ከም ዘከደ ምስ ረኣኹም ንኽትዛተዩ ትብዓት የድሊ። ክትሓፍር ትኽእል ኢኻ፣ ክንደይ ዚኣኽሉ ሰባት ምስ ሞቱ ኢዩ ግን እቲ መወዳእታ ክኸውን? ምምይያጥ ኣብ ግዜኡ ክካየድ ኣለዎ፣ መንጐይና ክትከው እትኽእል ሃገር ኣናዲ። ንኣብነት ኣብዚ ሕጂ ኣብ ዩክረይን ዝቅጽል ዘሎ ውግእ መንጐይና ኮይኖም ክሰርሑ ዝደልዩ ብዙሓት ኣለዉ ። ቱርኪ ነዚ ንምግባር ንገዛእ ርእሳ ድልውቲ ኢያ ዘላ ። ካልኦት እውን ብዙሓት ኣለዉ። እቲ ዅነታት ከይገደደ ንምምይያጥ ኣይትሕፈር" ድማ ክብሉ ተላበው ።

'ውግእ ወትሩ ሰብኣዊ ስዕረት ደኣ እምበር ምድረ-ገጻዊ ስዕረት ኣይኰነን'   

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣስዒቦም ኣብቲ ቃለ-መሕትት "ውግእ ጽላለ ኢዩ፣ ብሓቂ ዕብዳን እዩ" ድማ በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዛዕባ ምስሊ ርግቢት ከም ምልክት ሰላም ምዃና ምስ ተሓተቱ፣ ነቲ ብ26 ጥሪ 2014 ኣብ ናይ ሰንበት ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ንዘጋጠመ ፍጻመ ዘከሩ። ምስ ቅዱስነቶም ዝነበሩ ኽልተ ቘልዑ ድሕሪ እቲ ንሰላም ዘቕረብዎ ጻውዒት ክልተ ጽምዲ ጻዓዱ ረጋቢት ምስ ፈነው እተን ረገቢት ብገለ ብጸለምቲ ኳዃት መጥቃዕቲ ወረደን ።

ኣብቲ ምስ ናይ ስዊዘርላንድ ተለቪዥን ዘካየድዎ ቃለ - መሕትት "ወትሩ ዝመጸኒ ስእሊ ኣሎ " ድማ በሉ ቅዱስነቶም ። "ብዛዕባ ሰላም ክዛረብን ክልተ ረገቢት ንሰማይ ከም ምልክት ሰላም ክፍነዋ ኣብ ዝደለኹሉን እዋን፣ ንመጀመርታ ግዜ ኸምኡ ምስ ገበርኩ ብኡንብኡ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝነበሩ ኳዃት ተንሲኦም ነታ ርጋቢት መንዚዖም ወሰድወን ። ከቢድ ነገር እዩ፣ ውግእ እውን ከምኡ እዩ ዝገብር ። ብዙሓት ንጹሃት ሰባት ክዓብዩ ኣይክእሉን ኢዮም፣ ብዙሓት ቈልዑ ድማ መጻኢ ዘይብሎም ኢዮም ዝኾኑ ።"

ብዙሓት ዩክረይንውያን ቈልዑ ንቅዱስነቶም ኢድ ክነስኡ ምስ መጹ፣ ቅዱስነቶም ከም ዝተዓዘብዎ፣ እቶም ህጻናት ቆልዑ እቲ ፍሽኽ ናይ ምባል ልምዶም ዝሰኣኑ ከም ዝነበሩ ገለጹ ።

"ፍሽኽታ ዘይፈልጥ ቈልዓ መጻኢ ዘለዎ ኣይመስልን ኢዩ፣ " ድማ በሉ ቅዱስነቶም ። "ውግእ ወትሩ ስዕረት እዩ፣ እዚ ኸኣ ሰብኣዊ ስዕረት ደኣ እምበር ምድረ-ገጻዊ ስዕረት ጥራይ ኣይኰነን።"

'ውግእ ሓይሊ ጸልማት እዩ'

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣስዕብ ኣቢሎም ኣፍረይቲ ኣጽዋር ኣብ ውግእ ዘለዎም ጽልዋ ኣብ ግምት ብምእታው ሰፊሕ መግለጺ ኣቕረቡ ።

"ገሊኦም 'እዚ ሓቂ እኳ እንተ ዀነ ንርእስና ክንከላኸል ኣሎና...' ይብሉ። እንተዀነ ግን ንኻልኦት ንምድብዳብ ዘገልግላ ነፈርቲ ዘፍሪ ፋብሪካ ከም ዘለዎም ግን ክትግንዘቡ ኣሎኩም ።"  ቀጺሎም ድማ "ንርእስና ክንከላኸል፣ ያእ ኣይፋልን። ተጥፍኡ ኢኹም ዝሎኹም። ውግእ ዜብቅዕ ግን ብኸመይ እዩ ? ብሞት ድዩ፣ ብዕንወት፣ ወይስ ብወለዲ ዘይብሎም ውሉድ?"

ውግእ ዘለዓዓለሉ ጂኦግራፍያዊ ወይ ታሪኻዊ ዅነታት ወትሩ ከም ዘሎ ድማ ገለጹ፣ እዚ ድማ እቲ ውግእ "ኣብ ግብራዊ ድራኸታት እተመስረተ ኢዩ ዝመስል" ናብ ዝብል መደምደምታ ከም ዝመርሕ ውን ኣመልከቱ ።

ወሲኾም ድማ "ብድሕሪ ነፍስወከፍ ውግእ ግና መፍረ ፋብሪካ ኣጽዋር ኢዩ ዘሎ፣ እዚ ኸኣ ገንዘብ ማለት እዩ!" ውን በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ውግእ "ጸልማት ሓይሊ ጸልማት እዩ" ብምባል ዘለዎም ሓዘንን ጓህን ኣመልከቱ።

11 March 2024, 15:30