ድለ

ር.ሊ.ጳ. ዓለም ለኸ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ 'ተመላላኢ ክብሪ' ክኽበር ዝድርኽ ክኸውን የተባብዑ ር.ሊ.ጳ. ዓለም ለኸ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ 'ተመላላኢ ክብሪ' ክኽበር ዝድርኽ ክኸውን የተባብዑ 

ር.ሊ.ጳ. ዓለም ለኸ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ 'ተመላላኢ ክብሪ' ክኽበር ዝድርኽ ክኸውን የተባብዑ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 8 መጋቢት ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ምኽንያት ብምግባር ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ "ማዕረን ተመላላእን ክብሪ ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ክኽበር" ጻውዒት የቕርቡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ቅድሚ ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ረቡዕ ዕለት 6 መጋቢት ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ዕለት 8 መጋቢት ዝኽበር ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ምኽንያት ብምግባር ኣብ ሮማ ናይ ኩላዊት ቤተ ክርስቲያን ማሕበራት ግብረ ሰናይ ዝጥርንፍ ብካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ዝጽዋዕ ትካልን ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ኣስውትራሊያ ከምኡ እውን ናይ ዓባይ ብሪጣኒያ ልኡካን መንግስታት ብሓባር፥ “መራሕቲ ደቂ ኣንስትዮ፥ ናብ ብሩህ መጻኢ” ብዝብል እርእስቲ ኣብ ዘዳለውዎ ዓውደ መጽናዕቲ ከምተነበ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ መልእኽቶም እቲ ዝተዳለወ ዓውደ መጽናዕቲ ንኢዶም ኣብቲ ዓውደ መጽናዕቲ ክሳተፉ ኣሰናዳእቲ ንዘቕረቡሎም ዕድመ ብምምስጋን ክሳተፉ እውን እንተዘይከኣሉ ኣብ ልዕሊ ተጋባእያን “ውህበት ጥበብ ከሃሌ ኩሉ እግዚኣብሔር” ተማሕጺኖም፥ “ብወገን ኩሉ ኣብ ቤተ ክርስቲያንን ኣብ መላእ ዓለምን ንማዕረን ተመላላእን ክብሪ ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ክኽበርን እዚ ማዕረን ተማላእን ክብሪ ንምድንፋዕ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ኣናዓበየ ዝኸይድ ተወፋይነት” ፍረ ክፈሪ ጸሎቶም ምዃኑ ድማ ብምርግጋጽ፥ ብዘይ ጾታዊ ኣፋላላይ ኣብ መላእ ዓለም ማዕርነት መሰል ደቂ ሰባት ውሑስ ክኸውን ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

07 March 2024, 16:49